ጉጅለ ህግደፍ ባዕሉ ዝረሸኖም ተጋደልቲ፡ ካብ መዝገብ ስውኣት ሓኺኽዎም’ዩ

ጉጅለ ህግደፍ ባዕሉ ዝረሸኖም ተጋደልቲ፡ ካብ መዝገብ ስውኣት ሓኺኽዎም’ዩ

ጉጅለ ህግደፍ ባዕሉ ዝረሸኖም ተጋደልቲ፡ ካብ መዝገብ ስውኣት ሓኺኽዎም’ዩ ኣብ 20 ሰነ, 1992፡ ናይ ሽዑ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ስድራቤት ስውኣት መስዋእቲ ደቆም ዝተረድኡሉን 20 ሰነ ሃገራዊ በዓል ከምዝኾነን ብወግዒ ዝተኣወጀሉን ዕለት’ዩ ነይሩ። ኣብቲ ህሞት’ቲ ልብኻ ዝትንክፍን

ጉጅለ ህግደፍ ባዕሉ ዝረሸኖም ተጋደልቲ፡ ካብ መዝገብ ስውኣት ሓኺኽዎም’ዩ

ኣብ 20 ሰነ, 1992፡ ናይ ሽዑ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ስድራቤት ስውኣት መስዋእቲ ደቆም ዝተረድኡሉን 20 ሰነ ሃገራዊ በዓል ከምዝኾነን ብወግዒ ዝተኣወጀሉን ዕለት’ዩ ነይሩ። ኣብቲ ህሞት’ቲ ልብኻ ዝትንክፍን ዘሐብንን መግለጺ ዝምልከቶም ኣካላትን ስምዒታት ስድራቤት ስውኣትን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ይቃላሕ ነይሩ። ሓንቲ ቆኒና ዘዕበየቶ እንኮ ወዳ ዝነቆረት ኣደ፡ ብመስዋእቲ ውላዳ እንታይ ከምዝተሰምዓ ክትገልጽ ምስተሓተት፡ “መስዋእቲ ወደይ ናጽነት ስለዘምጽአ ይሕበን እምበር ኣይበኽየሉን ኢዩ፡ ወደይ ዝተሰውኣሉ ዕላማ እንተተጠሊሙ ግን ክሓዝንን ክነብዕን ኢየ” ኢላ ንትጽቢት ሓታቲ ዘደንጸወ መልሲ ሂባ። ሎሚ ድሕሪ 28 ዓመታት ንመግለጺ’ታ ሓደ ወዳ ዝነቆረት ኣደ ደጋጊምካ ክትሰምዖ እንከለኻ፡ መልእኽታ ዕምቆትን ርዝነትን ከምዝነበሮ ክትግንዘቦ ትኽእል። ኣታ ሓደ ከም ሓሙስ ወዳ ንናጽነት ኤርትራ ሞባእ ዝኸፈለት ጽንዕቲ ኣደ ብህይወታ ኣንተድኣ ሃልያ፡ ነቲ ቅድሚ 28 ዓመት፡ “መስዋእቲ ወደይ ሕድሩ እንተተጠሊሙ ጥራሕ’የ ዝሓዝንን ዝነብዕን” ዝበለቶ መግለጺ ዘኪራ መሪር ሓዘን ከምዝስምዓ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ብዘይካ’ቲ ፍሉጥ ቀዋሚ ዕርድታትን ደጀንን ተጋደልቲ፡ ኣብ ማእከል ህዝብናን ኣብ ኣፍንጫ ጸላእን ኮይኖም መዓልታዊ ንጥፈታቶምን ምምካት ጸላእን ዘካይዱ ተጋደልቲ ነይሮም ኢዮም፡፡ እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ  ከባቢ ከም ጽኑዕ ዕርዲ፡ ዘመናዊ ኣጽዋር፡ ብዝሒ ሰራዊት፡ ኮይኑ ዝገልግል እሙን፡ ለጋስን ሓቦኛን ህዝቢ ስለዝነበረ ኢዩ። ኣብቲ ብልምዲ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ህዝቢ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ጎድኒ ሰውራ ኮይኑ ህይወቱን ንብረቱን ጥሪቱን ገቢሩ። በዓቲታት፡ ጎቦታት፡ ገዳማት፡ ኣግራብ፡ ሩባታት ከይተረፉ፡ መሕብኢ ንብረት ሰውራ፡ ቆጸይቲ ተጻብኦታት ጸላኢ፡ ሓለውቲ ትንፋስ ተጋደልቲ ኮይኖም ዝመከቱ ኢዮም። ኣብ ርእሲኡ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ “ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ኣንጽፍ” ውጥን ንምትግባር፡ ናብቲ ተጋደልቲ ዝንቀሳቀስሉን ከም ቀዋሚ ቦታ ዝሓዝዎን ከባቢታት ብተደጋጋሚ ወፍርታት ብምክያድ ሰላማዊ ህዝቢ ምግፋዕን ንብረቱ ምዝማትን ዓድታቱ ምቅጻልን ልሙድ’ዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ህዝብና ሓንቲ መዓልቲ’ውን ብግፍዒታት ጸላኢ ርዒዱ ካብ ሰውርኡ ዘልሓጥ ኢሉ ኣይፈልጥን ኢዩ።

ህዝብና ሓደ ድሕሪ ሓደ ዘዝተወልዱ ደቁ በረኻ ምስወፈሩ እንኮስ ናጽነት ዓቲሮም ይመለሱ እምበር ሞት ከም ኣዳም ዝብል ሓቦን ዒብን ስለዝሓደረሮ ምፍልላይ ውሉድን ወላድን ከም ቅቡል ተወስደ። ወለዲ ንዓመታት ድሃይ ደቆም ከይረኸቡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናጽነት ኤርትራ ምስተጋህደ ግን፡ ብንብዓትን ጽምዋ ዝተዓብለለ ህይወት ከኸትምን ደቆም ሓቁፎም ክስዕሙ ሃረር በሉ። ሕልሚ ብዙሓት ወለዲ ግን ከምቲ ዝተመነይዎ ኣይተጋህደን። ብዙሓት በረኻ ዝወጹ ኣይተመልሱን ብዝወጽዎ ብመስዋእቲ ተፈልዮም። ወለዲ ደቆም ቤቶም ዕጽዉ ከይጸንሖም፡ ወትሩ ብዓቅሞም እኽለማይ ቀሪቦም ጸሓይ በሪቃ ክሳብ ትዓርብ ካብ ቅርዓት ናብ ውሽጢ ገዛ እናተመላለሱ ፍጭም በሉ። ደቆም ዘይተመልሱዎም ስድራቤት ንመጋድልቶም፡ መተዓብይቶምን ደቂ ዓዶምን ሓቲቶም፡ ብህይወት ከምዘየለው እናፈለጡ፡ ርሑቅ ዓዲ መሐሰዊ ከምዝብሃል፡ “ኣሃድኡ ዓሰብ’ያ ዘላ፡ ሳሕልያ’ዘላ ወዘተ” ዝብል መደዓዓሲ መልሲ ምስረኸቡ። “ይግበሮ” ኢሎም ብዘይካ ብትዕግስቲ ምጽባይ ካልእ ምርጫ ኣይነበረንን።

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ኣብ 20 ሰነ ምንጋር መዓልቲ ስውኣት፡ ብዙሓት ስድራቤታት፡ ደቆን ከም ስውኣት ወይ ውን ከም ቅዩዳት ኣይተነግራን። ብዘይካ ምህላው ወይ ሞት ካልእ ሳልሳይ ምርጫ ከምዘየለ ርዱእ’ኳ እንተነበረ፡ ወለዲ መናጥቦ ናይቶም ኣብ ንእስነቶም ዝተጋደሉ ደቆም ሓርበቶም። ስድራቤት ካብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ክሳብ ኣስመራ ብምምልላስ ዝርንዝሕ እናነብዑ ደቆም ኣበይ ከምዝኣተዉን ሞቶምን ሕየቶምን ክሕበሮም ለመኑ። እንተኾነ፡ ሓንሳብ “መልሲ ብምምሕዳርኩም ክንገረኩም” ካልእ እዋን ድማ “መዝገብ ይጻረሎ” ምባል ሓቂ ኣይተነግረምን። እቲ ንስድራቤት ሰውኣት ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ገንዘብን ምስክር ወረቀት ሓርበኛን’ውን ተነፍጎም። ዓው ኢልካ ዘይትበኽየሉ ሞት ሕጹይ ኮኖም፡፡ ግዜ ምስነውሐን ዝፈልጡ ሓቲቶም ኮለል ዘብል መልሲ ምስረኸቡን ደቆም ኣብ ልዕሊ መሬት ብህይወቶም ከምዘየለው’ኳ እንተደምደሙ፡ ካብ መንግስቲ “ተሰዊኡ ወይ ተሰዊኣ” ትብል ቃል ስለዘይወጸት ግን ከም ስውኣት ብንቡርን ብጸሓይ ቀትርን ክሓዝኑሎምን ክነብዑሎምን ኣይከኣሉን።

ደቆም ብህግደፍ ዝተቀንጸሉ ስድራቤታት፡ ብዘይ ደባሲ ኣብ ዕጹዉ ገዛ ተጨቢጦም ንብሕቶም ብጓሂ ክኹምተሩን ብሓለጊ ድኽነት ክግረፉን ብዘይ ገበን ተፈርዱ። ወለዲ ለይትን መዓልትን ንዓመታት ደቅና ክብሉ ተስፋ ምስቆረጹን ብሕማምን ክቱር ናፍቆትን ምስተደነሱን፡ ቅድሚ ካብዛ ዓለም ምስንባቶም ካብ ኣፎም ተደጋጊማ ትወጽእ ዝነበረት ቃል፡ “ፈጣሪ ብህይወትና እንከለና ገጽ ደቅና ከንርኢ ኣይፈቀደን፡ ኣብ ላዕላይ ሰማይ ደቅና ክንርኢ እንተኽኢልና’ውን ክንዲ ኹሉ’ዩ” ትብልያ ነይራ። በብእዋኑ ድማ ሞትን ሕየትን ደቆም ከይረኸቡ፡ ምስ ስዉር ሓዘንን ቃንዛን ደቅና እናበሉ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም። ስድራቤት፡ እቶም ሃገሮምን ህዝቦምን ሓራ ንምውጻእ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ናብ በረኻ ዝወጹ ደቆም፡ እቲ ናጽነት ዘምጻኹ ኣነ’የ ኢሉ ዝንየት ጠላም ጉጅለ ህግደፍ ከምዝቀንጸሎም ሓቂ ኣይተነግሩን። ስድራቤታት ዓስቢ ደቆም ከይርኣዩ ኣህህ እናበሉ ምስ ስቃዮም ተቀቢሮም።

ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ህይወቶም ንዝኸፈሉ ዜጋታትና ንምዝካር ኣብ ዝግበር ሃገራዊ በዓል፡ ቁጽሪ ስውኣት ልዕሊ 65 ሽሕ ምዃኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ መግለጺ ይህብ’ዩ። እንተኾነ ቁጽሪ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ናይ ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ቅኑዕ ከምዘይኮነ ብዙሕ ሰብ ዝሓመሉ ኣርእስቲ ኢዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ እዋን ሰውራ ካብ መርፍእ ክሳብ መድፍዕ ኣብ ምቁጽጻር ንብረት፡ ኣተሓሕዛ መዝገብ ዝተሰውኡ፡ ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ዘተማረኹ ተጋደልቱ፡ ብስነ ስርዓት ምጓዓዝን ብልጫታት ከምዝነበሮ ዝገልጹ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቶም ባዕሉ ብፍላጥ ኣብ መዓሙቅ ዘስፈሮምን ዝቀንጸሎምን ተጋደልቲ፡ ኣብ መዝገብ ስውኣት፡ ምሩዃት፡ ወይ ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ኣይሰፈሩን።  እቶም “ትድለ ኣለኻ” ተባሂሎም ካብ ኣሃዱታቶም ምስተወስዱ ህጣሞም ዝጠፍኡ ተጋደልቲ፡ ኣበይ ኣትዮም እንታይ ኮይኖም ኢልካ ምሕታት፡ “ምስጢር ክትፈልጥ ህርድግ ኣይትበል፡ ዘይምልከተካ ኣይትሕተት” ዝብል ተግሳጽን መጠንቀቅታን ስለዝወሃበካ፡ ኣብ ነብስኻ ከይበጽሓካን ብሕሙምካን ክሳብ ዕለተ መስዋትኻ ትቅጽል።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ 1970 ካብ ጀብሃ ካብ ዝፍለ ክሳብ ሎሚ፡ ደም ንጹሃት ኣናሰተየ፡ ኣናቀበረን ስለዝመጸ፡ እቶም ባዕሉ ዝቀንጸሎምን ኣብ ሰናጭሮን ጎዳጉድን ብሕማምን ስቃይን ህይወቶም ዝሰኣኑን ከም ስውኣት ኣይሰቡን ኢዮም። ስድራቤቶም’ውን ከምስውኣት ኣይተነግሩን፡ ምስክር ሓርበኝነት ይኹን መጠወሪ ገንዘብ ኣይተዋህቡን፡፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቶም በብእዋኑ ብትድለዩ ኣለኹምን ብጭውያን ወሲዱ ኣብ ጎዳጉዲ፡ ሰናጭሮን ምትሓዚ ንብረት(Container)ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ዝጨፍጨፎም ተጋደልቲ፡ ህይወቶም ምስሓለፈ፡ ብምስጢርን ብጸልማትን ኣብ ስቱር ቦታ ኢዩ ዝቀብሮም። ብዙሓት መታን ኣሰር ኣስከሬኖም ከይርከብ፡ ኣብ ውሕጅ ዝሓልፈሉ ሩባታትን ሰናጭሮን ይድርበዩ። ገሊኦም ድማ ሬሳኦም ብኣሲዳዊ ቀመም ከምዝሓቅቅ ይግበር። እቶም ነዚ ስግድግድ ዘብል ምስጢር ዝፈልጡ ሰባት በብእዋኑ ብዝተፈላለየ ብልሓት ከምዝጠፍኡ ይኾኑ።

ናይ ራዕድን ቅትለትን እኩይ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ጥራይ ዝሕጸር ኣይኮነን። ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብጉልባብ፡ ኤምባሲ፡ ቆንስላዊ ጉዳያትን ማሕበረ ኮምን፡ ስለያዊ ትካላቱ ብምዝርጋሕ፡ በብእዋኑ ገበንን ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ካብ ምፍጻም ድሕር ኣይበለን። ቅድሚ ናጽነት፡ ዝበዝሕ ኤርትራዊ ከይለበመ እንከሎ፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቶም ንቀጻልነት ስልጣኑ የስግኡ’ዮም ዝበሎምን ምስጢራቱ ዝፈልጡን ኣባላት ተጋድሎ ሓርነትን ህዝባዊ ግንባርን፡ ብስም ጅሃድን ግብረሽበራን ከድዓትን ብሰላሕታ ቀንጺሉን ጨውዩን ኢዩ። ናይ ዳሕራይ ገደደ ከምዝብሃል፡ እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ብትእዛዝ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኩሎም’ዞም ብሰለይቱ ብጋህድን ብምስጢርን ዝጠፍኡ ኤርትራውያን፡ ከም ስውኣት ኣይፍለጡን ኢዮም። ብኣጋጣሚ ዕስራ ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኽብሪ ስውኣቱ ዝውልዖ ሽምዓን ጥዋፍን ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን ዘካይዶ ጸሎትን ዶዓን ኣይምልከቶምን ኢዩ። ስድራቤቶም እውን ዝኾነ ክብሪ፡ ኣፍልጦ፡ ሓገዝ ኣይረኽቡን ኢዮም።

ስለዚ ኣረሜናዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብኣጋጣሚ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ዓመት- ዓመት ንብዓት ሓርገጽ ክነብዕ፡ ብስም ስውኣት ክምሕልን ክጥሕልን፡ ንናጽነትና ንልዕሊ 65 ሽሕ ህይወት ሰብ ከፊልና ክብል እንከሎን፡ ኣብ ሓንጎልና ዝመላለስ ጉዳይ ብዙሕ’ዩ። ብቀንዱ እቶም ጉጅለ ህግደፍ ኣብ እዋን ገድልን ድሕሪ ናጽነትን ዝተቀንጸሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳጎኒ ቦታታት መሰሎም ተጋሂሶም ብዘይ ፍርዲ ተሓይሮም ዘለዉ ግዳያት፡ ንዓመታት ሞትን ሕየትን ደቆምን ወለዶምን ከይተነግሮም ፍትሒ ስኢኖም ዝዘኽተሙን ዝሞቱን ስድራቤታት ክንዝክር እንከለና፡ ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ዝያዳ ንነብዕን ንቁጣዕን። ሰማእታትና ሕድሮም ስለዝተጠልመ፡ ወለዶምን ደቆምን ኣብ ክንዲ ዝኾርዑን ዝሕበኑን፡ ከስተማስሉ፡ ክቅንዘዉ፡ ብጓሂ ክማስኑን ጽምዋ ክወርሶምን እንከሎ፡ “እቶም ብህይወት ዘለና ኢና ምውታትን ሰነፋትን እምበር፡ ስውኣትስ ካልኣይ ግዜ ህይወቶም ክብጀዉልና ኣይክእሉን ኢዮም” ትብል።

ኤርትራውያን፡ ኣብቶም ምእንታናን ንስለ ልኡላውነት መሬቶምን በጃ ዝሓለፉ ሰማእታትና፡ ብወርቂ ዘይትመን ብቃላት ዘይግለጽ ኣኽብሮት ስለዘለና፡ ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታትና ብኣስተንትኖን ብሓበንን ኢና ነብዕሎ። እንተኾነ፡ ውልቀመላኺ ህግደፍ፡ ብስም 65 ሽሕ ሰማእታት ከወራዘን ተቆርቋሪ ስድራቤት ስውኣት ክመስልን እንከሎ፡ እቶም ብኢድካ ዝተቀንጸሉ፡ ንዓመታት ሃለዋቶም ዝጠፍኡን ኣብ ጎዳጉዲ ዝሳቀዩ ዘለዉን ዜጋታትና ኣበይ ኣለዉ ክንብል ኣለና።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 12 ሰነ 2020


Football news:

<!DOCTYPE html>
Kane on Tuchel: A wonderful man, full of ideas. Thomas in person says what he thinks
Zarema about Kuziaev's 350,000 euros a year in Le Havre: Translate it into rubles - it's not that little. It is commendable that he left
Aleksandr Mostovoy on Wendel: Two months of walking around in the middle of nowhere and then coming back and dragging the team - that's top level
Sheffield United have bought Euro U21 champion Archer from Aston Villa for £18.5million
Alexander Medvedev on SKA: Without Gazprom, there would be no Zenit titles. There is a winning wave in the city. The next victory in the Gagarin Cup will be in the spring
Smolnikov ended his career at the age of 35. He became the Russian champion three times with Zenit

19:36 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 485, 05 October 2023
0:15 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 486, 9 October 2023
23:23 ዘይጭምት ኣዪተኩስ! ብዶር. ዮውሃንስ ሃይለ
17:53 US imposes sanctions on former Sudanese minister and 2 companies backing the paramilitary force
17:50 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 483, 28 September 2023
21:30 Negarit 235: Consulting The Mirror
14:31 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 472, 21 August 2023
3:48 A Tribute to Saleh “Gadi” Johar
15:48 መልሲ “ንግዱሳት ሃገራውያን” መቓልሕ ህግደፍ
23:38 The Silver Thaler Dictator
7:31 Weaponizing Silence, Vulgarizing Languages
22:54 Negarit 230: Campaigns of Brigades
15:32 The Summer PFDJ Died – A Dossier By Habte Hagos
18:51 Negarit 229: Peaceful Coexistence
21:11 ስጡም መስርዕ`ዶ ብቱን መስርዕ ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል
17:30 Book Review: An African Revolution Reclaimed
14:07 Eritrea: Dire Rights Record Should be Publicly Condemned
7:10 Critical Reading: a reply
4:31 Negarit 288: The Shameless and Insolent
3:03 Critical Thinking and Critical Dialogue in A Plural Society like Eritrea
17:59 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 459, 03 June 2023
15:44 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 458, 29 June 2023
2:58 ‘ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ካብ ዝተመልሱ፣ ሓደ ‘ውን ይኹን ሓታቲ ዑቕባ ወይ ስደተኛ ኣይነበሮምን።’RSS
19:32 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 457, 26 June 2023
4:09 Can Eritreans have A Genuine Dialogue?
0:52 ስለዝተጋገዩ ኣይንጋገይን፡ ሕማቕ ድማ ኣይንምነየሎምን……ኢሳያስ ተወልደ (ዓደይ ኮታ)
23:46 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 456, 22 June 2023
0:24 Negarit 225: Remembering The Unforgotten
17:36 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 355, 20 June 2023
7:00 From the archives: How About Then?
4:17 Eritrea: From NHnana Elamanan to Liberation to Ber Al-Aman
23:24 British politicians hear testimony of the 120,000 Tigrayan women who suffered sexual abuse
16:53 UN’s $2.4bln peace rebirth plan for Ethiopia’s ravaged north takes flight
16:40 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 454, 19 June 2023
21:26 Megarit 224: Enough and Not-Enough
21:26 Negarit 224: Enough and Not-Enough
17:06 ምንቅስቓስ ‘ይኣክል’ ድሕሪ 4 ዓመታት፤ ንቕድሚት’ዶ ወይስ ኣብ ደውታ?
7:03 Civil and Military (Negarit 223)
20:39 Donkey-Kick Diplomacy
20:46 Eritrean Refugees in Ethiopia Brace for the Rainy Season
17:10 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 442, 1 June 2023
13:05 Open Letter to South Africa…Subject: Upholding International Justice: An Appeal to the President of South Africa
2:18 Awate’s Critical National Service, The Public Duty To Help Sustain It
1:58 The Rise and Fall of Tigray People’s Liberation Front (TPLF)
18:03 Special Envoy for the Horn of Africa Hammer Travels to Djibouti and Ethiopia
17:57 President Isaias and his delegation arrived in Moscow in the late afternoon hours of today,
17:55 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 440, 30 May 2023
3:01 National Service..“They Are Making Us into Slaves, Not Educating Us” How Indefinite Conscription Restricts Young People’s Rights, Access to Education in Eritrea
14:27 Eritrean forces stop UN mission in Tigray, Ethiopia, aid workers tell CNN
18:13 Unmasking the Misery Wrought by the Eritrean Regime on 32nd Anniversary
15:34 Keynote Address By President Isaias Afwerki on 32nd Independence Anniversary
18:09 Critical Discourse Analysis
14:42 Modern slavery most common in North Korea, Eritrea, report says
16:34 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 435, 22 May 2023
17:48 China’s Great Wall, Eritrea’s Fence Wall
21:21 Editorial: Eritrean Organizations Call on UN to Address the Crisis in Sudan
16:54 Tigray interim admin, TPLF say election board decision unacceptably legally, politically;
14:39 ህዝባዊ ኣኼባ ጸዊዖምሲ ኣይምልከተኩምን እኳ በሉ….ጃለታት ኣብርሃ ክሳ
14:01 ንዉሑስ መጻኢ፡ ንቃለስ ኣንጻር ሓደ ጸላኢ- ሰሚናር ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ
21:40 Independence Day Blues and Illegitimate Rulers
4:13 ዓበድበዳዊ ሓተታ ስርዓት ህግደፍ
20:39 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 427, 09 May 2023
12:00 Book Review: The Burden of Exile
12:00 Unelected President, Imposed Pundit
19:45 “Eri-Yiakl Foundation Changes its Name”
16:16 FOR IMMEDIATE RELEASE: expresses grave concern over the ongoing conflict in Sudan
16:46 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 424, 04 May 2023
16:27 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 417, 25 April 2023
1:40 ዝተጠልመ መብጸዓ፡ መበል 30 ዓመት ረፈረንደም 1993ን ብኩራት ስርዓት ኣስመራ ኣብ ምምጻእ ዲሞክራስን ፍትሕን 
1:36 Betrayed Promises: Reflecting on Eritrea’s Independence Referendum and the Current Regime’s Failure to Uphold Democracy and Justice.
1:36 Betrayed Promises: Reflecting on Eritrea’s Independence Referendum
22:35 The Bloody African Horn Region
16:13 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 415, 21 April 2023
19:19 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 414, 20 April 2023
19:19 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 412, 18 April 2023
12:00 Sudan Borrowed the Coal Fire From Ethiopia
18:06 Senior Eritrean delegation on working visit to Kenya By APO Gro
23:42 ሰላም ኣብ መላእ ሕ/መ/ኣ ንእትርከቡ ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን፡
11:41 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 407, 07 April 2023
21:19 Katanga and Welkait Wars
23:42 Eritrean senior military delegation on Official visit in Ethiopia
23:37 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 404, 04 April 2023
12:30 Eritrea’s Mendelai (መንደላይ), Manhood & Cobra
19:47 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 399, 28 March 2023
19:53 መግለፂ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ።
19:50 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 397 – 24 March, 2023
19:13 It Is Ramadan, Make Peace With the PFDJ!
0:26 Secretary Antony J. Blinken on the 2022  Country Reports on Human Rights Practices
0:19 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 393, 20 March 2023
20:04 Colorful Characters: Aboy Shutuphouse and Abdelwasie
23:42 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 392, 17 March 2023
18:09 Global Yiakl sends solidarity letter to the Ukranian President
17:58 Secretary Antony J. Blinken And Ethiopian Deputy Prime Minister and Foreign Minister Demeke Mekonnen Before Their Meeting
17:55 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 390, 15 March 2023
0:26 Biden Administration Bows Before Ethiopian Genocide and Wastes Somaliland Opportunity
1:12 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 388 – 13 March, 2023
14:42 Horn of Africa’s Never-Ending Tragedy
19:38 President Isaias Afwerki’s Dangerous Game: Targeting the West and Declaring False Victories
18:28 SITUATION REPORT – HORN OF AFRICA No. 385, 07 March 2023
19:19 ጉዕዞ ዕንወት ኢሰያስ ኣብ ድርኹኺት ምዝዛም !….ኣለምሰገድ ( ከተማ ስያትል) 5 መጋቢት 2023