Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ንዉሑስ መጻኢ፡ ንቃለስ ኣንጻር ሓደ ጸላኢ- ሰሚናር ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ

ዕለቱ ግንቦት 13/2023 እዩ። ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ “ንዉሑስ መጻኢ ንቃለስ ኣንጻር ሓደ ጸላኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝካየድ ዘሎ ሰሚናር ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራዉያን፡ ኻልኣይ ዑደቱ ተልእኾኡ ፈጺሙ ብዓወት ተዛዚሙ። እዚ ብኣቶ ዓወት ጸሃየ ም/ኣቦ መንበር ባይቶ ይኣክል ሕ/መ/ኣን ኣካያዲ ክፍሊ ዲፕሎማሲ ዓለም-ለኸን ምንቅስቓስ ይኣክልን፡ ኣቶ ልኡል ዘዉደ ኣቦ መንበር ባይቶ ይኣክል ሕ/መ/ኣን፡ ወሃቢ ቓል ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ይኣክልን ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰሚናር ብጽቡቕ ከምዝተቓንዐ ጸብጻብና ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

ትሕዝቶ ሰሚናር ኣብ መሰረታዊ ኣመጻጽኣ፡ ምዕባለን ዕብየትን ምንቅስቓስ ይኣክል ከም መእተዊ ድሕሪ ምድህሳስ፡ ብደረጃ ዓለምለኸ ዝኽተሎ ዘሎ መርሃ ጎደና ቓልሲ ንተሳተፍቲ ሰሚናር ኣብሪሁ። ዓለምለኸ ምቅስቓስ ይኣክል ኣብ 11 ሃገራት ብዘሎ ጥርናፈታት ይኣክል ዝተመስረተ ሰፊሕ ህዝባዊ ፖሊቲካዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሕጋዊ ስብእና ለቢሱ፡ ኣብ ኩሉ ኹርናዕ ዓለም ዘሎ ህዝብና ሰብኣዉን ደሞክራስያዉን መሰሉ ከረጋግጽን፡ ስርዓት ህግደፍ ኣልዩ ምትካል ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝቃለስ ዘሎ ህዝባዊ ፖሊቲካዊ ምንቅስቓስ እዩ።

ሰሚናር ናይ ኣቦ መንበር ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣቶ ሰገድ ሓጎስ ብምቕዳም መደቡ ጀሚሩ። ኣብ መደብ ዕዮኡ ብንጹር ኣቐሚጡዎ ከምዘሎ፡ ይኣክል ንነብሱ ብዓለምለኸ ድሕሪ ምዉዳብ፡ ቀጺሉ ዝከያዶ ስራሕ ንኹሎም ፖሊቲካዉያን ሓይልታት፡ ስቪክ ማሕበራትን መድያታትን ዘጠቓለለ ሓባርዊ ሲምፖዝዩም ብምስልሳል፡ ‘ምቛም ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ’ ክዉን ንምግባር ይሰርሕ ከምዝጸንሐ ኣረዲኦም። እቲ ኣገዳስነት ጽምዶ ኤርትራዉያን ሓይልታት ብምድህሳስ ኣቢሉ ዝጀመሮ ናይ ጽምዶ መስርሕ፡ ንነዊሕ ድሕሪ ምቕጻል 10 ካብ ዉድባትን በርገሳዉያን ማሕበራትን በቲ ተሰማሚዖምሉ ዘሎዉ ናይ ስራሕ ተኮር ጽምዶ ክሰርሑ ተሰማሚዖም ምህላዎም ኣበሲሮም።

ይኣክል ኣብ ዓዉዲ ዲፕሎማሲ ዘካይዶ ዘሎ ግብራዊ ምትሕንናቕ ምስ ህግደፍ ብኣብነታት ተሰንዩ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ። ካብኡ ብምቕጻል ቃልስና ካብ ዲያስፖራ ናብ ዉሽጢ ኤርትራ ዝኣትወሉ ኣገባባትን ፈተነታትን ምስ ደለይቲ ፍትሒ በይ ኤርያን ከባቢኡን ዘትይሉ። እዚ ኣብ ስራሕን ዉጽኢት ስራሕን ኣተኩሩ ክካየድ ዝዋዓለ ሰሚናር፡ ንተሳተፍቲ ዘዕግብ ኣቀራርባ ከምዝነበሮ ተሳተፍቲ ባዕሎም ምስክርነቶም ሂቦምሉ ኣሎዉ።

ተሳተፍቲ ዘሎዎም ሕቶታት ብኽፉት መንፈስ ብምሕታት ዘትዮምን ዘዕግብ መብርሂ ተዋህብሉን። ከም ተወሳኺ “ሓድነት ኤርትራዉያን ሓይልታት ደምበ ፍትሒ ምርጫ ዘይኮነስ ግዴታና ምዃኑ ኣሚንና ኣዕሚቑና ክንዝትየሉን ብግብሪ ክንሰርሓሉን ይግባእ” ክብሉ ለበዋኦም ሂቦም። እቶም ንሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን ዕንቅፋት ዝኾኑ ሓይልታት ድማ ብግቡእ ክልለዩን ናብ ህዝቢ ክቃልዑን ይግባእ ኢሎም።

ኣካየድቲ ሰሚናር ብወገኖም፡ እንኮ ምንጪ ዓወትና ሓድነትና ምዃኑ ኣሚንና፡ ኣብ ከተማታትና ዘሎ ፍልልያት ከነወግድ፡ ኣባላት ዉድባት ዝኾንኩም ድማ ንዉድባኩም ክትሓቱን ጸቕጢ ኽትገብሩን፡ ብኹሉ መዳይ ዘሎ ኤርትራዊ ጸጋ ኣወሃሂድና ኣንጻር ሓደ ጸላኢና ከነዉዕሎን ክብሉ ተላብዮም። ዘለናዮ መድረኽ ህዝብና ንረድኣሉ ደኣ እምበር ብትርጉም ዘይብሉ ቅድመ ኹነታት ነንባዕልና ብምትህልላኽ ተዓናቒፍና ንወድቀሉ መድረኽ ክኸዉን የብሉን ኢሎም። ስለዚ ዝገጥመና ዕንቅፋታት እንዳኣለና ብምክእኣልን ብስጥመትን ንቕድሚ ንመርሽ፡ ዓወትና ድማ ኣብ ዝሓጸረ ክረጋገጽ እዩ ኽብሉ ኣረዲኦም።

ይኣክል ኣብ ሕግን ሕጋዉነትን፡ ኣብ ትካላዊ ኣሰራርሓን፡ ህዝባዊ ልዕልናን ዝኣምንን ብኡ ዝግዛእን ምንቅስቓስ ምዃኑ ኣረዲኦም። ንዝተገብረሎም ኩሉ ዓይነት ኣቀባብላን እንግዶትን ኣመስጊኖም። ተሳተፍቲ ምኽሮምን ለበዋኦምን ድሕሪ ምልጋስ ድሕሪ ናይ 5 ሰዓታት ንጡፍን ህይወት ዝሎዎን ሰሚናር፡ ልክዕ ከምቲ ብዝኽረ ሰማእታት ዝተጀመረ፡ ሰሚናር ብዝኽረ ሰማእታት ተዛዚሙ። ድሕሪ እዚ ተቓለስቲ፡ ንቓልሲ ዝኸዉን ሓገዝ ብዓቕሞም ድሕሪ ምብርካት ናይ ዕለቱ መደብ ተዛዚሙ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቓልስና!

ህዝባዉነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ

ጸብጻብ ካብ ኣዳራሽ ሰሚናር ይኣክል ኦክላንድ።

Post navigation