Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ዓበድበዳዊ ሓተታ ስርዓት ህግደፍ

ብዕለት 5 ግንቦት 2023፡ መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቲ ልሙድ፡ ሓደ ብውልቀ-መላኺ ኢስያስ ዝተኸተመ፡ ንርቡጽ ኣእምሮ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዘንጸባረቐ፡ ነዊሕ ሓተታ ፈንየን ኣለዋ። ሓተታ ስርዓት ህግደፍ ብቐንዱ፡ ኣብቲ ቅድሚ ዓመት ብዕለት 5 ግንቦት 2022፡ ብክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ዘውጸኦ ጽሑፍ ዘተኮረ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ነዚ ሓተታ ዝደረኸ ቀንዲ ምኽንያት ግን፡ እቲ ብክፍሊ ወጻኢ ጉዳያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንመበል ሻዱሻይ ወርሒ ምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ፡ ብዕለት 2 ግንቦት 2023 ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኢዩ።

እቲ፡ “ስለምንታይ ነቲ ቅድሚ ዓመት ዝወጸ መግለጺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሕጂ ምምላስ ተደልዩ” ዝብል ንድሕሪት ገዲፍና፡ ሓተታ ስርዓት ህግደፍ፡ ብትሕዝትኡ ጥራይ ዘይኮነ ብቃና ቋንቅኡ እውን ኣዝዩ ፍሉይ፡ ዓበድበድ ዝበዘሖ ኢዩ ኔሩ። ኣብ ብዙሓት መስመራቱ፡ ኩነተ ኣእምሮ ጸሓፍቱ ዘንጸባርቕ፡ ብኣስማት ናይ ሰባት ዝተደርደረ ዘይልሙድ ህግደፋዊ ሐተታ ኢዩ ኔሩ። ስለምንታይ ግን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃለፍታ ኣትዩ፧

ኣብ መፈለምታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ “ብስዉር” ናብ ስርዓት ህግደፍ ዘነጻጸረ ተሪር መልእኽቲ ኣሕሊፉ ኔሩ። ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መልእኽቱ፡ “ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳይ እንዳኣተዉ ክሕንክሩ ዝደልዩ፡ ብፍላይ ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ ሓይልታት፡ ካብ ተግባራቶም ክቑጠቡ ከተሓሳስብ ይደሊ” ይብል። ብምቕጻል፡ “ንኢትዮጵያ ብምብላዕ ዝርከብ መኽሰብ ከምዘየለ ፈሊጦም፡ ናትና ጉዳይ ንዓና ገዲፎም፡ ብዙሕ ዘይሰርሕዎ ናይ ባዕሎም ጉዳይ ስለ ዘለዎም፡ ስርሖም ኣብ መሬቶም ክገብሩ ምእንቲ ክኽእሉ፡ ናትና ጉዳይ ንዓና ክገድፉልና ከተሓሳስብ ይደሊ።” ክብል ናብ ስርዓት ህግደፍ ዘነጻጸረ፡ ስዉር ዝመስል፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ቅሉዕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኔሩ።  

ብዕለት 2 ግንቦት 2023 እውን፡ ንኣብይ ኣሕመድ ተኸቲሉ፡ ብክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓደ ዓንቀጽ ወጺኡ ኢዩ። እዚ፡ ኣብ ትሕቲ “ዝኽሪ መበል ሻዱሻይ ወርሒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ” ዝብል ዓንቀጽ፡ ምሉእ ምውጻእ ናይ ኤርትራ ካብ ትግራይን፡ ተሓታትነት፡ ናይቶም ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዓመጽን እጃም ዝነበሮም፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ውሑስ ሰላም ኣብ ምምጻእ ቀንዲ ረቛሒ ምዃኑ እቲ ዓንቀጽ ይጠቅስ። እዚ ዲፕሎማስያዊ መልእኽቲ ናብ ኤርትራ ዝዓለመ እምበር ናብ ካልእ ዝዓለመ ኣይነበረን።

እዞም ክልተ እዋናውያን ተረርቲ መግለጺታት እምበኣር ኢዮም፡ ንስርዓት ህግደፍ ናብቲ ቀደም ኣብ ህዝቢ ዝተዘርገሐ፡ ካብ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ዝተሓብአ ተረርቲ መግለጺታት መንግስቲ ኣመሪካን፡ እገዳ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ስርዓት ህግደፍን ክፍሕር ዘገደዶ። ስርዓት ህግደፍ ኣብቲ ነዊሕን ኣሰልቻውን ሓተትኡ ከምዚ ይብል፡

“…እዚ ልቦና ዝጎደሎን ደፋርን መሰረተ-ሓሳብ ዝሓዘ ጽሑፍ፡ ክቡር መልሲ ዘየድልዮ ዝበለየ ውንጀላ’ዩ። ኤርትራ ጽግዕተኛ ወይ ጊላ ናይ ኣመሪካ ኣይኮነትን። ሕጋዊ መሰላ ተጠቒማ ድማ ምስ ዝደለየቶ ሃገር ኣብ ዝደለየቶ እዋን ሃናጺ ጽምዶ ከትምስርት ትኽእል’ያ። ኤርትራ እትኽተሎ ፖሊሲታት ብሓባር ንምስራሕን ንናይ ሓባር ረብሓ ምትሕግጋዝን ዘገልግል ደኣ’ምበር ንውሱድሌታት ምምሕዳር ኣመሪካ ዘሳሲ ኣይኮነን። …”

መቸም እቶም “ኤርትራ ጽግዕተኛ ወይ ጊላ ናይ ኣመሪካ ኣይኮነትን” ዝብሉ ቃላት፡ ንዓመታት ዘብለዩና ስለ ዝኾኑ ዋጋ ዝወሃቦም ኣይኮኑን። ህዝቢ ኤርትራ እውን፡ ከምዚ ሎሚ ጽግዕተኛ ከይገበርኩሞ፡ ጽግዕተኛ ከይከውን ኢሉ ኢዩ ኣሸሓት ደቁ ገቢሩ። እቲ ዘገርም፡ ኤርትራ እትኽተሎ ፖሊሲታት ዝበልኩሞ ግን፡ መን ዝሓንጸጾን ኣበየናይ ባይቶ ዝተሓንጸጸ ፖሊሲ ምዃኑ ንሓታቲ ይጭነቆ ኢዩ ዘብል። ኣመሪካ ንረብሓኣ ምስራሓ ኣይኮነን ዘገርም፡ እቲ ዘገርም፡ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ንረብሓ ኤርትራ፡ ንረብሓ ኢሳያስን እጉዳት ሰዓብቱን ምስራሓ ኢዩ። እዚ ናይ ጠፋእና ሓተታ እምበኣር ካብዚ ዝነቐለ እምበር፡ ካብቲ ኣመሪካ እትኽተሎ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኣይኮነን።

ህግደፍ፡ ምእጋድ ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ኣብራሃ ካሳን ሓጎስ ኽሻን ዓጂብዎ ኣይኮነን ሓተታ ጽሒፉ። ንሱ እንተዝኸውን ቅድሚ ዓመት ክጸሓፍ ኔርዎ። ንህግደፍ ኣብ ሓተታ ኣእትዩ ዓበድበድ ዘብሎ ዘሎ፡ እታ ኣብ ርእሲ ኢሳያስ ክትኣቱ ትሕሰብ ዘላ መሸንቆቓ ትጸብብ ምህላዋ መራሒ ህግደፍ ጽቡቕ ጌሩ ስለ ዝተረደአ ኢዩ። እዚ ሓተታ እምበኣር ንኣመሪካ ዘይኮነ ንኤርትራውያን ኢዩ ተጻሒፉ። ዝሰዶ ዓቢ መልእኽቲ እንተሎ ከኣ፡ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ቀሪቡ ምህላዉ ጥራይ ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ እቲ ዘይተርፍ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ካብ ቀረበ፡ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክንዮ ስርዓት ህግደፍ ሓሲቡ ክጓዓዝ፡ ካብ ግዜ ዝሓለፎ ትርኪ ምርኪ ወጺኡ መሳርዑ ከመዓራሪ ይግባእ። ገበትቲ ስርዓታት፡ ዘይጠፍእ ሓዊ ገዲፎም ኢዮም ዝሓልፉ። እዚ ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ውግእን ወረ ውግእን፡ እቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ዝገድፍዎ እምበር፡ ብሓደለይቲ ቦቒሉ ዝሓደረ ኣይኮነን። ዓበድበዳዊ ሓተታ ስርዓት ህግደፍ ከኣ ነዚ ኢዩ ዘንጸባርቕ።

ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
11 ግንቦት 2023