Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ስለዝተጋገዩ ኣይንጋገይን፡ ሕማቕ ድማ ኣይንምነየሎምን……ኢሳያስ ተወልደ (ዓደይ ኮታ)

ስለዝተጋገዩ ኣይንጋገይን፡ ሕማቕ ድማ ኣይንምነየሎምን። ብዛዕባ ምንታይ ይዛረብ ምህላወይ ብርግጽ ኣይጠፍኣኩምን። እዞም ኣብ ኣዲስ ኣበባ (ኢትዮጵያ) ኣብ ዳሳት ህግደፍ፡ እንተ ብዕሽነት፡ እንተ ንምዝንጋዕ ተሓሲቡ ዝገበርዎ ዕንደራ፡ ተገምጢሉ፡ ነዚ ሕጂ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ወሪድዎም ዘሎ ናይ ግፋ ተጻብኦታት፡ እዚ ኩሉ ብደለይቲ ፍትሒ ዝወሃቦም ዝነበረ መጠንቀቕታን ማዕዳታትን ዕሽሽ ኢሎም፡ ኣብ መፈንጠራ ምእታዎም፡ እንትርፊ ንነብሶም፡ ሕጂ ንማንም ክወቕሱ ኣይግብኦምን።

እዞም ሰባት ግን፡ ዝፈትውዎም ስድራቤቶምን ሃገሮምን ራሕሪሖም፡ ብኽንደይ ግፍዒ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም፡ ኣብ ልዕሊኦምን ብጾቶምን፡ ምረትን ሕሰምን ንዘውረደሎም ኣረሜናዊ ስራዓት፡ ኣብ ዳሳቱ ምርካብ፡ ምስ ምንታይ ይቑጸር? ሕራይ ንስኻትኩምስ እንተ ብጽጋብ እንተ ብዕሽነት፡ ናብ ምጥራዝ ተቓሊዕኩም ኣለኹም፡ ኣብዚ እቲ ቀንዲ ዘሕስበካን ዘጨንቐካን ግን፡ ናይቶም ኣብ ሃገር ውሽጢ፡ ውሉዶም ተጠሪዞም ዝምለሱ ዘለዉ ስድራቤታት፡ ጭንቂ ኣብ ልዕሊ ጭንቀቶም ይውስኹሎም ምህልስዎም’ዩ። በዚ ድማ ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ብጣዕሚ ንሓዝን።

ደላይ ፍትሒ ሕጂ’ውን ጻውዒቱ፡ ነብስኹም ካብቲ ስርዓት ገልሉ፡ ባርነት ኣይትናፍቑ፡ ምስ ፍትሓውያን ኣሕዋትኩም ተጸንቢርኩም፡ ነዚ ፍንፉን ስርዓት ኣብ ምሕግሓግ፡ እጃምኩም ኣበርክቱ። እንተ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ግና፡ ዓድና ተሓሪምና፡ ኣብ ሓቂ ደው ኢልና፡ ናይ ነብሲ ወከፍና ኣስማት፡ ኣብ ነንነብረሉ ሃገራት፡ ብደገፍቲ ምልኪ ኣስማትና ኣብ መዓርፎ ኣየር ኣስመራ ተረቚሑ እንከሎ ኢና፡ ንተግባራትኩም እንዳተጸየና፡ ስጋ እንተወደቐት ሓመድ ሒዛ ትትስእ ኮይኑና፡ ስሌኹምን ብፍላይ ‘ቶም ጻማ ዘይረኸቡ ወለድኹምን ንሓስብ ዘሎና።

ኣብ መወዳእታ ከም ደላይ ፍትሕን ሰላምን፡ ምኽሪ ከቐምጦ ዝደሊ፡ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለኹም፡ ካብቲ ስርዓት ዝገብሮ መናውሮታት 1000 ኪሎመተር ርሒቕኩም ከተሕልፍዎን፡ ኣካይዳኹም ከተጸብቑን፡ ኣብ ሓቂ ክትነብሩን፡ ብሕጂ ከምዚ ከየጋጥመኩም ነብሰ ምክልኻል ክትገብሩን፡ ደጊመ ይጽውዕ። ድላይና ክንገብር ምርጫና’ዩ እንተ ኢልኩም ድማ፡ ሓደ ኣፊቱ 1000 ኪሎመተር ተጓዒዝኩም፡ ኣብ ኣስመራ ኣብዕልዎ። ጻዕዳ ድማ ይጽናሕኩም። ነቶም ሸረፎም ሒዞም ዝኸዱ ዘለዉ ውጹዓት ኤርትራውያን ወገናትና ኣይትለክሙልና።

ፍትሓዊ ኣምላኽ፡ ጥበብን ልቦናን ይዓድልኩም!

ኢሳያስ ተወልደ (ዓደይ ኮታ)
25 ሰነ 2023

Post navigation