Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ሰላም ኣብ መላእ ሕ/መ/ኣ ንእትርከቡ ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን፡

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራዉያን ምስ ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምትሕብባር፡ “ንውሑስ መጻኢ፡ ንቃለስ ኣንጻር ሓደ ጸላኢ ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናራት ካብ 6 ግንቦት 2023 ክሳብ 11 ሰነ 2023፡ ኣብ ሽዱሽተ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክሰላሰል ከም መደብ ተታሒዙ’ሎ። ዕላማ ናይዚ ሰሚናር ብቐንዱ፡ ናይ ህዝብና ናይ ቃልሲ መንፈስን ሞራልን ክብ ኢሉ፡ ፍትሓዊ ቃልስና ናብ ዓወት ንምብጻሕ ዝድርኽ ናይ ዘተ መኣዲ ንምፍጣርን፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ኣካየድቲ ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ምስ ምንቅስቓስ ዓለም-ለኸ ይኣክል ብምትሕብባር፡ ኣብ ከተማታት ወሪዶም፡ ምስ ህዝቢ ዝዛተይሉን፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርናን መጻኢ ቃልስናን ዝመኻኸርሉ፡ ሕቶታት ህዝቢ ዝምልስሉን፡ ርእይቶታትን ለበዋታትን ህዝቢ ዝቕበልሉ ኣገዳሲ መኣዲ ልዝብ ክኸዉን እዩ።

እተን ህዝባዊ ሰሚናር ክካየደለን ተወሲኑ ዘለዋ ሽዱሽተ ከተማታት፣ ኢንድያናፖሊስ (6 ጉንበት 2023)፡ ኦክላንድ (13 ጉንበት 2023)፡ ሁይስቶን (20 ጉንበት 2023)፡ ኣትላንታ (27 ጉንበት 2023)፡ ሲያትል (3 ሰነ 2023)፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዲኤምቪ ( ካብ 9 ሰነ ክሳብ 11 ሰነ 2023)፡ ምስ ምብዓል 4ይ ዓመት ምምስራት ባይቶ ይኣክል ሕ/መ/ኣ፡ ንሰለስተ መዓልታት ማለት ካብ ዓርቢ 9 ሰነ ጀሚሩ ክሳብ ሰንበት 11 ሰነ 2023 ዝካየድ፡ ኣኼባ ናይ ባይቶ፡ ስይፖዚዮም፡ህዝባዊ ኣኼባን ፒክኒክን ክህልወና’ዩ።

ብደሓን ምጹ!

ዓወት ንፍትሓዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ንውሑስ መጻኢ፡ ንቃለስ ኣንጻር ሓደ ጸላኢ!

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራዉያን ምስ ባይቶኹም ባይቶ ይኣክል ሕ/መ/ኣ