Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ህዝባዊ ኣኼባ ጸዊዖምሲ ኣይምልከተኩምን እኳ በሉ….ጃለታት ኣብርሃ ክሳ

ጃለታት ኣብርሃ ክሳ ካብ ኤርትራውያን ርዒዶም 
————-
ህዝባዊ ኣኼባ ጸዊዖምሲ ኣይምልከተኩምን እኳ በሉ
——————-
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ሕግብግብ ዝብሉ ብኣፎም ኤርትራውያን ኢና ዝብሉ ቃንዛን ስቃይን ህዝብና ዘይዓጦም ዘይኤርትራውያን፡ ሕማም መንሽሮ ንምፍዋስ ዝኸውን መሳርሒ ኣቁሑት ንምግዛእ  ገንዘብ ከዋጽኡ ይእዘዙ ኣለዉ።

 ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይካ ብግዝያዊ ረብሓን ኣማራጺ ሓርቢትዎምን ሕግብግብ ዝብሉ፡ ብልቢ ረድዩ ዝቕበሎ ወገን ኣዝዩ ሒደት’ዩ። ኣብቲ ብስም ህዝባዊ ኣኼባ ተባሂሉ ገንዘብ ዝልመነሉን ሓሶታት ዝንዝሓሉን  መድረኽ ተሳተፍቲ ምስጢር ንደገ ከየውጽኡ ተለፎናቶም ተሓዲጎም ክኣትዉ ኣለዎም።
ይጻብኡና፡ ብሕቶ የዋጥሩናን ሓቂ ከየቃልዑን ዝብሉዎም ናይ ብኣማን ኤርትራውያን ከኣ ብፖሊስ ኢዮም ከይሳተፉ ዝኽልከሉ። እዋኑ ዘበን ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ ኢዩ፡፡ ንእምኒ ዱባ ይወድቖ፡ ንነብሪ ወጠጦ ይሕንፍጦ፡ ንምራን ዕትሮ ይሕንገጦ ኮይኑና።
 ኣብ ዓዲ፡ ትካሎምን መንበሪ ኣባይቶምን ከይውረሶምን ካብን ናብን ኤርትራ ምምልላስ ከይክልከሉን ምስ ሞቱ፡ እቲ ብሃገራዊ ድሕነት ጉጅለ ህግደፍ ዝምእዘዝ ሓጥያተኛ መንበረ ጵጵስና ኤርትራ ከይጻብኦምን ዝፈርሑ እምበር፡ ጉጅለ ህግደፍ መንድዓት ሕብረተሰብና ምዃኑ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ ኢዮም።
እቲ ጎስጓስ ብመንገዲ’ተን ንደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝስለያን ዝጸርፋን ዝሕስዋን ገንዘብ ዝዘምታን ዝሕውላን ስማውያን ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲን ቆንስላዊ ጉዳያትን ኣቢሉ፡ ኣብ ኤርትራ ገኒኑ ዘሎ ሕማም መንሽሮ ንምቁጽጻርን ንምፍዋስን ዘገልግል ዘበናዊ መሳርሒ ንምግዛእ ገንዘብ ብህጹጽ ክዋጻእ ዝሓትት ኢዩ።
እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ልዕሊ መንሽሮን ካልእ ሕማምን፡ ንህዝብና መድሃኒት ዘይርከቦ ሕማም ኮይኑ ዘሎ፡ ጓሂን ስደትን ድኽነትን ዘፍሪ ጨካን ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ኢዩ። ኤርትራዊ ብንጽህናን ብጽፈትን ህዝቢ ዘገልግል መንግስቲ እንተዝህሉ፡ ብኸብዱ ኢዱ ገዲፉ ብዝባን ኢዱ ንሃገሩን ንጽጉም ወገኑን ክሕግዝ ወትሩ ድሉው ኢዩ። ህዝብና ንሰናይ ተግባርን ልግስን ካብ ዕንዝራን ገባትን ጉጅለ ህግደፍ፡ ለበዋን መዘኻኸርን ኣየድልዮን ኢዩ።
ውዮ ድኣ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ዝወከሎ መንግስቲ የለን እምበር፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ምህናጽን ምውዳድን ብቀንዱ ዕማምን ሓላፍነትን መንግስቲ ኢዩ። ህዝቢ ድማ ዘለዎ ገንዘብን ጉልበትን ኣዋሃሂዱ ወፍሪ ክገብርን እጃሙ ከበርክትን እንተኾይኑ፡ ጥጡሕ ባይታን ቅኑዕ ፖሊስን ክፍጠረሉ ኣለዎ።
ኤርትራውያን ሰብ ጸጋን ሞያውያንን ግን፡ ብሰሪ ስሱዕ ሜላታት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምህናጽ ሃገሮም ቦታን ዕድልን ስለዝሰኣኑ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተባሪሮም ኢዮም።
ኣብ ኤርትራ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎን ብሕጊ ዝምእዘዝን ስርዓት ክሳብ ዘይሃለወ፡ ሚልዮናት ገንዘብ ይዋጻእ ዘመናዊ መሳርሒ ይገዛእ፡ ሕማምን ጸገምን ህዝቢ ኤርትራ ኣይፍታሕን ኢዩ። ጉጅለ ህግደፍ፡ ገንዘብ ክደሊ እንከሎ ጥራይ ኣይኮነን ብዛዕባ ሃገራውነትን ኣበርክቶ ህዝብን ኣብ ዳግመ ህንጻ ክጉስጉስ ዝግብኦ።
ጃለታት ኣብርሃ ክሳን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ብ14 ግንቦት 2023 ኣብ ከተማ ሽካጎ ብሓደ “ትምህርቱ ትምህርትና ኣይግበሮ” ኢልካ ክትረግሞ ትደፍር፡ ምስ ፍልጠቱ ናይቲ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝግህስ ዘሎ ህግደፍ ኣፈኛ ኮይኑ ዘሎ ፕሮፌሰር ጊደዎን ኣባይ ዘካየዶ ሰሚናር፡ ካብ ሓቀኛታት ኤርትራውያን ርዒዶም፡ ናይ ብሕቲ ኣኼባ ብምባል ነቲ መእከቢ ኣዳራሽ ብፖሊስ ከምዝሕሎ ገይሮም።
ከምቲ “ካበየ ዘገልገለስ ቀውዒ ሰፍኢ ዘቐበለ” ዝብሃል፡ እቶም ናብቲ ህዝባዊ ኣኼባ ተባሂሉ ዝተኣወጀ ናይ ኤርትራውያን ሰሚናር ክሳተፉ ዝኸዱ ኤርትራውያን መብዛሕቶኦም ንኤርትራ ዋጋ ዝኸፈሉላን ንነዊሕ ዓመታት ንራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቃለሱን ዝሰንከሉን ክኾኑ እንከለው፡ እቶም ኣብ ኣፍደገ ኮይኖም ብፖሊስ ተሰንዮም ንደለይቲ ፍትሒ ምእታው ዝኽልኩሉ ደቂ ግዜ ድማ ንኤርትራ ቅንጣብ ኣበርክቶ ዘይገበሩን ህይወቶም ክመርሑ ዘይክእሉን፡ ካብ ሃገራዊ ድሕነት ጉጅለ ህግደፍ መደብ ስራሕ ዝተዋህቡ ጃለታት ኢዮም። ብጉጅለ ህግደፍ ተዓይሮም ይነብሩ ምህላዎም ኣዚኻ ትሓዝነሎም።

  ካብ ደለይቲ ፍትሒ ከተማ ሽካጎን ሚሊዋክን


14 ግንቦት 2023  

Post navigation