Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

መግለፂ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ።

ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንህልውንኡ ሓደ ኮይኑ ካብ ብርሰትን ህልቂትን ንምድሓን ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ብምኽፋል ኣብዚ ብርኪ ኣብፂሑና ኣሎ ኢሎም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝተቐለሰሎምን መስዋእቲ ዝኸፈለሎምን ዕላማታት ንምዕዋት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሰርሕ እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፀገማት ስድራ ስውኣትን ጉዱኣት ተጋደልትን ብቕልጡፍ ንምፍታሕ ብፉሉይ ትኹረት ተዋሂቡ ከምዝስራሕ ኣገንዚቦም፡፡

ምርግጋፅ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ፣ ተፈናቐልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስ ፣ ኮታስ ኩለመዳያዊ ፀገማት ህዝቢ ብቕልጡፍ ምፍታሕ ቀንዲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምዃኑ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣፍሊጦም፡፡

ካብቶም ቁልፊ ልእኽቶታት ሓደ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ሕገ -መንግስታዊን ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንቡር ኣይተመለሰን ጥራሕ እንተይኮነስ ሕዚ እውን ገበናት ይቕፅሉ ከምዘለው ዝሓበሩ ኣይተ ጌታቸው እዚ ገበን መንግስቲ ፌደራልን ማ/ሰብ ዓለም ፍሉይ ቆላሕታ ንኽብዎ ተላቢዮም፡፡

ሓይልታት ኣምሓራ ዝተጀመረ ሰላም ንድሕሪት ካብ ዝመልሱ ተግባራት ንኽእርነቡ፣ ሰራዊት ኤርትራ እውን ካብ ግዝኣት ትግራይ ንኽወፅእ ኣተሓሳሲቦም ኣይተ ጌታቸው፡፡

ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኾነ ኣብ ደገ ኩሉ ትግራዋይ ሓሳቡን ንዋትን ንትግራይ ንኸውዕል እውን ፀዊዖም ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡፡

ብሙስጦፋ ጡሃ

Post navigation