Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ጉዕዞ ዕንወት ኢሰያስ ኣብ ድርኹኺት ምዝዛም !….ኣለምሰገድ ( ከተማ ስያትል) 5 መጋቢት 2023

ዘቤታዊ ጉዳይ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ጸልማት ዝተገድፈ ሙኻኑ ናይ መወዳእታ መርድእ ተነጊሩና ኣሎ ። ካብ ሎሚ ንደሓር ምስ ውልቀ-መላኺ ሕሳብና ክንዓጹ ከምዘለና ድማ ብዕቱብ ክንሓስበሉ ከምዘለና ክንዝኽር ይግባኣና ።

ትልኽ ትብል ዘላ ሃገር ደጊም ብሰሪ ኢሰያስን ምሕደርኡን ኢዩ እንዳተባህለ ምምኽናይን ምስ ገባቲ ምህውታትን ኣብዚ ደው ክብል ኣለዎ ። እቲ ምንታይሲ ብፍላጥ ደይ መደይ ተባሂሉ ንነዊሕ እዋን ክስርሓሉ ዝጸንሐ ስለዝኾነ ። ንብድሕሪ ሕጂ ድማ ካብኡ ዝኸፍእ እንተዘይኾይኑ ነቲ ኸይዲ ውድቀት ንምምሕያሹ ክንዲ ፍረ ጣፍ ድሌት ከምዘየለን እቲ ጎደና ልምዓት ከምዝተረገጠን እቲ ዕሉል ውልቀ-መላኺ ቃል ምስክርነቱ ሂብና ስለዘሎ ።

ደጊም እምበኣር ወያ ኹዕሶ ናባና ተደርብያ ስለ ዘላ ከመይ ንጻወታ ኣባና ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ኢዩ ዝምርኾስ ። ምንቅስቃስ ይኣክል ዝጽበየና ዘሎ ስራሕ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብትብዓትን ብቅልጣፈን ክንዓምም ኣለና ። ሃገርና ካብ ውልቀ-መላኺ ፈጺማ ክትገላገል እቲ እንኮ ቀዳማይ ጉዳይና ጌርና ብምስራዕ እተን ዝርካበን ዓቅምና ኣብዚ ጉዳይ እዚ ከነዋፍረን ድማ ይግባኣና ። ኣብ’ዚ ዘየላቡ እዋናዊ ሕቶ ዝርዕሙ ካብ ውልቀ-ሰባት ጀሚርካ ክሳብ ውድባት ኮታስ ሃገራዊ ኣጀንዳ ኣለና ዝብሉ ኹሎም ፡ ውልቃዊ ጉዳያቶም ኣወንዚፎም ሓቢሮም ክቃለሱ ሰዓቱ ኣኺሉ ኣሎ ። እዚ ታሪኽ ዝጠልቦ ዘሎ ዓቢ ዕማም ሸለል ክንብሎን ከነወንዝፎን ድማ ኣይግባእን ። ብታሪኽ ዘሕትተና ከምዝኸውን ድማ ጥርጥር የብሉን ። ኣብ ጥርዚ በጺሑ ንዘሎ ብርሰት ሃገር ካብዚ ንንየው ንኸይቅጽል እቲ ብዘይ ሕጊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ዕሉል ስልጣኑ ብናይ ሓባር ቅልጽም ክምንዛዕ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ ።

ዓወት ንደላይ ፍትሒ
ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ

ኣለምሰገድ ( ከተማ ስያትል)

5 መጋቢት 2023