Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ምንቅስቓስ ‘ይኣክል’ ድሕሪ 4 ዓመታት፤ ንቕድሚት’ዶ ወይስ ኣብ ደውታ?

ዋሽንግተን — ቀዳም 10 ሰነ 2023፡ ኣብ ኣዳራሽ ዩኒቨርስቲ ካቶሊክ-ዋሺንግተን ዲሲ ሻዱሻይቲ ከተማን ዛዛሚን ዑደት መሪሕነት ምንቅስቓስ ይኣክል ተኻዪዱ ነይሩ። ከም ሓበሬታ ኣዳለውቲ እቲ ርክብ፡ ኣብ 6 ግንቦት 2023 ዝጀመረ ህዝባዊ ዘተ እቶም ኣካየድቲ ኣካላት፡ ምስ ነበርቲን ኣባላት ምንቅስቓስን በበይኑ ከተማታት ኣመሪካ ርክብ ንምክያድን ርእይቶታት ህዝቢ ንምስማዕን’ዩ።

ኣብቲ ቀዳም ዝተኻየደ ዛዛሚ ዑደት ድማ ጸብጻብ ኣካየድቲ ኣካላት፡ ዘተ ሞያውያንን ባህላዊ ምርኢትን ተኻዪዱ። ኣብቲ ከም ብዙሕ ናይ ኤርትራውያን ኣጋጣሚታት ካብ ዝተባህሎ ብኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ደንጉዩ ዝጀመረ መደብ፡ ፈለማ ጸብጻቦም ዘቕረቡ ኣቦ-መንበር እቲ ምንቅስቓስ ናይ ሰሜን ኣመሪካን ክፍልታት ጽምጾን ስትራቴጂካዊ ርክብን እቲ ምንቅስቓስ’ዮም። ፈጸምቲ ኣካላት እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ዕድመኡ ዝገብሮም ስራሓት፡ ኣመዝጊብናዮም ዝብሎም ምዕባለታትን ብድሆታትን ገሊጾም። እቲ ምንቅስቓስ ካብቶም ዝፈጸሞም ዝጥቀሱ ዓወታት ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ19 ንኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስደተኛታት ምሕጋዝ፡ ዝተጸገሙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ኣብ ሊብያን ግብጺን ዝሓሸ ዕድላት ንምፍጣር ምስ ዝምልከቶም ወገናት ምዝታይን ዳግመ-ምጥያስን፡ ኣብ ሱዳን ንኤርትራውያን ሓርበኛታት ኲናትን ካልእን ዝውዕል ሕክምናዊ ሓገዝ ምርካብን ካልእ ብዛዕባ ኤርትራ ንዝሰፍሐ ህዝቢ ዓለም ምፍላጥ ከም ዝርከቡዎም ገሊጾም።

ምስ ኲናት ክልል ትግራይ ተኣሳሲሩ፡ እቲ ምንቅስቓስ ከቢድ ምክፍፋልን ነቲ ዝነበረ ማዕበል ምዕጋትን ከም ዘጋጠመ ዝጠቐሱ እቶም ኣካየድቲ፡ ሕጂ ግን ኣብ ዝተረጋግአ ቅርጺን መልክዕን ሒዙ ኣሎ ኢሎም።

ድሕሪ ጸብጻብን መግለጺን ኣካየድቲ ኣካላት፡ ካብ ተሳፍቲ ዝቐረበ ሕቶታትን መልሲ’ዩ ነይሩ። ኣብቲ ርኡይ ዋሕዲ መንእሰያት ዝነበሮ ኣጋጣሚ፡ እቲ ምንቅስቓስ ብህዝባዊ ማዕበል ጀሚሩ ሕጂ ሓደ ቅርጺን ኣንፈትን ዝሕዝ ዘሎ ሓቛፊ ባይታ ደኣ’ምበር ፖለቲካዊ ውድብ ዘይምዃኑ ብወገን ኣካየድቲ ኣካላት መብርሂ ቀሪቡ። ንበበይኑ ፖለቲካዊ እጀታ ዘለዎ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ውድባት ዝተሓተ መእተዊን ሓባራዊን ረቛሒ ብምጥቃም ባይታ ንምጥጣሕ ከም ዝሰርሑ ድማ እቶም ኣካየድቲ ገሊጾም።

ካልኣይ መደብ ንዘተ ምስ ክኢላታት በበይኑ ዓውድታት’ዩ ነይሩ። ኣብቲ በበይኑ ሞያውያን ዝተሳተፉዎ ናይ ክልተ እብረ ዘተ ምስ ሰብ-ሞያ ብዛዕባ ብድሆታት፡ ዕድላትን ዛጊት ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ኤርትራ ተሰሪሖም ዘለዉ ጉዳያት ተዘትዩሎም። ካብቶም ተዛተይቲ ድማ ናብ “ዝሓሸት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ” ንምስግጋር ዝብሉዎ ሓሳባት ኣካፊሎም።

እቲ ምሸት ብባህላዊ ምርኢት ዝተዛዘመ ኰይኑ፡ ካብ ስዊዘርላንድ ዝመጽአት ድምጻዊት ደሃብ ፋይቲንጋ ናይ ክብሪ ዕድምቲ ናይቲ ምርኢት ኰይና ኣምስያ። ኣብቲ ምሸት ድማ ድምጻውያን ዮሃንስ ትካቦ፡ ቨሮኒካ ሰሎሞን፡ ሮቤል ሚኪኤል ምስ ደሃብ ፋይቲንጋ ብምዃን ንተጋባእቲ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ንኣቦ-መንበር ምንቅስቓስ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካን ወሃብ-ቃል ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ይኣክልን ዝዀነ ኣቶ ልኡል ዘውደ ሓጺር ቃለ-መሕተት ኣካይድና ኔርና።

Post navigation