Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ዘይጭምት ኣዪተኩስ! ብዶር. ዮውሃንስ ሃይለ

ሰላም ደቂ ሃገረይ።እሕሕሕ…..እዚ ደሮና ዝግ ዶ’ይሉ ክንዛረብ?ዱላን ዶንጎላን መሬት’ዶ ሒዞም?

ሳ-ሕ-ቲ፤ ንኡሽተይ ልቦና ኣብ ውሽጢ ዕሽነት ትርከበሉ ኣጋጣሚ’ሎ። ንኣብነት፤ ሓደ ዕውን ዝበለ ጎበዝ ኣብ ሓደ ዓዲ ነበረ። ከም ኩሉ ድልየት ወላዲ፤ክወልድን ክዝምድን ኢሎም ወለዱ ኣመርዓውዎ። ኣብ ድሕሪ መርዓ ዘሎ ንቡር ነገር ንምፍጻም ዝሓምቕ ሰብኣይ የለን ካብ ዝብል ትጽቢት፤ ከመይ ነበረ ክብሉ ኣሕዋቱ ሓተትዎ።እቲ መርዓዊ ከኣ፤”ኣበይ ከምዝርከብ ስለዘይፈልጦስ ክሳብ ሕጂ ኣይተንከፍክዋን፤ ክትነግሩኒ’የ ዝጽበ ዘለኹ” ኢሉ መለሰ። ሓቁ’ዩ፤እቲ ዝድለ ዘሎ ኣካላት ናይ መርዓቱ ኣበይ ከምዝርከብ ከይፈለጠ፤ብሃውሪ ዳህሲሱ ዘይተደለየ ሃስያ ኣየውረደን፤ ኣየበላሸወን። ብቀንዱ ከኣ ንመርዓቱ ድቃስ ከሊኡዋ ኣይሓደረን። ክሳብ ኣካላታ ዘጽንዕ ክጽበ መሪጹ። እዚ ከኣ ልቦና እዩ።

እዚ ኣፈ-ታሪኽ መንጸፍ ጌረ ናብ ህልው ኩነታትና ክሰግር። እዛ ንኡሽተይ ልቦና ናይቲ ዓሻ ጎበዝ፤ኣብዞም ብልምዲ “ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ” ኢልና ንጽውዖም ኣካላት ሕብረተሰብና ስኢነያ። ካብ ባሕሪ ተዘቊቖም ወጽዮም ኣብ ኤውሮጳ ምስኣተዉ፤ ወይከኣ ብሰንኪ ምድረበዳን በደዊን ሲናይን ካብ ህልዋት ንታሕቲ ኮይኖም እስራኤል ምስኣተዉ፤ተመሊሶም ነቲ ኣብዚ ኹሉ መግደራ ዘብጸሖም ስርዓት ክከላኸልሉ ክትሪኢ እንኮለኻ፤ “ንኣዳም ገረሞ” እዩ ዘብል።ንሕቶታት ወጻእተኛታት መሳርሕትና፤ እንታይ ኢልና ከምንምልስ ኣጸጊሙና’ሎ።ብቐንዱ ግን፤ ህልው ቅኒተ ኣእምሮና ኣዚዩ የሻቕለካ። ህግደፍ፤ ነታ ብደምን ኣዕጽምትን ደቃ ዝመጸት ሃገር የዕኑን ህዝባ የጽንትን ኣሎ፤ ስለዝኾነ ከኣ ቀዳማይን ቀንድን ጸላኢ ሃገርን ህዝብን’ዩ።ስለዚ፤ ቃልሲ ደላይ ፍትሒ ብቐንዱ ኣንጻር’ቲ እከይ ስርዓት እምበር ኣንጻር’ቶም “ደገፍቲ” ኣይኮነን።እዞም “ደገፍቲ” ግን፤ ንመሰል ኣብዘይቦቱኡ ሰዂዖም፤ መሰልና እዩ እንዳበሉ ንገበነኛ ስርዓት ክድግፉ ይርኣዩ። መሰልን ተሓታትነትን መኻዪዲ ምዃነን ግን ዝዘንግዑ ይመስሉ። ንስርዓት ህግደፍ ብሞራል፤ ብንዋት ይኹን ብንዋይ ምድጋፍ ማለት፤ ንሓደ ገበነኛ ቀታሊ ሰብ ካራ ምቕባል ማለትዩ። ኣብ ዕንወት ሃገርን ጽንተት ህዝብን ኢዶም ይሕውሱ ከምዘለዉ ክርደኦም ይግባእ። መሕረዲ ካራን መሕነቒ ገመድን ነቲ ገበነኛ ስርዓት እንዳ ኣበሉ፤ መሰሎም ዘይኮነስ፤ ብፍታዎም ካብቲ ደም ኤርትራዊ ሰትዩ ዘይጸግብ ስርዓት ዘይንእስ ገበን፤ ይፍጽሙ ከምዘለዉ ክስቆሮም ይግባእ።ኣብ ቀዳማይ ድፋዕ ተሰሊፎም፤ “እቲ ስርዓት ከይወድቕ ምርኩሱ፤ ከይኩርኮሖ ከኣ ትርኣሱ” ክኾኑ እንተመሪጾም ግን፤ እዚ ዝሓረነ መንእሰይ ረጊጽዎም ክሓልፍ እምበር ካልእ ኣማራጺ የብሉን። ስለዚ፤ ናብ ቀልብኹም ተመለሱ።ህዝቢ’ምበር ነባሪ ስርዓት የለን።

እዚ ተዋሂቡ ዘሎ ኣርእስቲ ግን፤ ዝያዳ ነዞም ዝስዕቡ ባእታታት ዝምልከት’ዩ። ብዙሓት “ደለይቲ ፍትሒ ኢና” ክብሉ ዝጸንሑ ዕንዛርያታት፤ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣንፈቶም ኣጥፊኦም ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ኣብ ኢድ ጸላኢ [ህግደፍ] ወዲቖም ይርከቡ። ብቐደሙ’ውን ኩሳይ ደምበ ፍትሒ ኮይኖም’ዮም ጸኒሖም።ካብ፤ ኣብ ደምበ ፍትሒ ምህላዎም፤ ኣቡ’ኡ ዘፍለጠ ካብ ደላዪ ፍትሒ ብምፍላዮም ዘበርክትዎ ይዓዝዝ። ካለኦት ብዙሓት’ውን፤ዉርዙይ ዝመስል መጺጽን ምስልዩን ዘረባ ክዛረቡን ክጽሕፉን ንሰምዕን ነንብብን ኣለና። ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ቃልሲ፤ ናይ ስነሓሳብ ፍልልይ ከምዝኾነ ጌሮም ከቕርብዎ ይፍትኑ። ናይ ስነሓሳብ ፍልልይ ጸጋ እዩ። ኣብ ናይ ጽባሕ ደሞክራስያዊት ኤርትራ፤ ክውን ክኸውን ንብህጎን ንጽበዮን’ዩ። ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ግን፤ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘለንና ፍልልይ ናይ ስነሓሳብ ዘይኮነስ ናይ ቀታልን ተታልን ናይ ኣጽናትን ጸናትን ርክብ’ዩ ዘሎ። ኣንጻር’ዚ ስርዓት ዝግበር ቃልሲ ከኣ፤ ንምድሓን ሃገርን ቀጻልነት ህዝብን እዩ።ስለዚ፤ንሃገርን ህዝብን ዘፍርስን ዘብርሰን ዘሎ ጸላኢ ምድጋፍ፤ ከም መሰል ጌርካ ምቕራቡ ዝንቡዕ ስነሞጎት’ዩ።ኩሉ’ዚ ስነሞጎት’ዚ፤ጸላኢኻ ብግቡእ ካብዘይምፍላጥ ዝብገስ’ዩ። ነገሩ፤ዘይጭምት ኣዪተኩስ’ዩ።ብሃውሪ ምትኳስ፤ታርጌቱ ሲሒቱ ኣብ ዘይተደለየ ህይወትን ንብረትን’ዩ ሓደጋ ዘውርድ።ብተመሳሳሊ፤ጸላኢኻ ብንጹር ከየለለኻ ዝግበር ቃልሲ፤ ካብ ጥቅሙ ጉድኣቱ’ዩ ዝበዝሕ። ስለዚ፤ ጸላኢኻ ብንጹር ክሳብ ተለሊ፤ ንካለኦት ተቃለስቲ ከይሓንኮልካ ምጽባይ’ውን ልቦና እዩ።ነቲ ቃልሲ’ውን ሓጋዚ ምኾነ።

ኣብዚ ካብ በጻሕኩ ብዛዕባ ብርጌድ ንሓመዱ ከይተንከፍኩ ክሓልፍ ኣይመርጽን። ነዚ ካብ ጊሰን ጀሚሩ ክሳብ ኣመሪካን ካናዳን ዘጋጠመ ተረኽቦ ማእከል ዝገበረ፤ ብዙሕ ዓውዓውታን ጽሑፋትን ንሰምዕን ነንብብን ኣለና።ብመሰረቱ፤ ንብጎረረኻ ሓኒቑ ትንፋስ ዝኸልኣካ ጸላኢ፤ኣብምንታዩን ብምንታይን ትሃርሞ ባዕሉ ኣይመርጸልካን’ዩ።ይኹን ደኣምበር፤ኣነ ጎነጽ ከምዘይድግፍ ኣቐዲመ ከስምረሉ ይደሊ።ጎነጽ ደኣ መንከ ይመርጾን ይፈትዎን ዶ በልኩም? ሓቅኹም! ጎነጽ፤ ይትረፍ ንዝሪኦን ንዝሰምዖን፤ ብቐንዱ ንዝፍጽሞ ሰብ ወይ ኣካል’ውን ተመራጺ ኣይኮነን። ክእረም እምበር ክተባባዕ’ውን ኣይግባእን። ፍትሒ ከኣ ብፍትሓውን ዘይጎነጻውን ኣገባብ ክትድለን ክትርከብን እንከላ፤ ብኹሉ ከምትፍቶ ዘማትእ ኣይኮነን።ኩሉ ብጎነጽ ዝግበር ቃልሲ ግን፤ ዘይፍትሓዊ እዩ ክባሃል ከኣ ኣይከኣልን’ዩ።ንኣብነት ኣብ ግዜ ሰውራ ኤርትራ፤ ኩሉ ብሰለማውን ፖለቲካውን ኣገባብ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ዕሽሽ ምስተባህለን ፍረ ምስተሳእኖን፤ ህዝቢ ኤርትራ ብረት ኣልዒሉ ደማዊ ኲናት ኣካይዱ “ናጽነቱ” ተጎናጺፉ። ብረታዊ ቃልሲ ስለዘካየደ ግን ዘይፍትሓዊ ቃልሲ ኣይተባህለን፤ ምኽንዩን ፍትሓውን ስለዝነበረ። ብተመሳሳሊ ኣብዚ እዋን’ዚ፤ ናብዚ ጎነጽ ዝተሓወሶ ቃልሲ ዘዕረገ፤ መጠኑ ዝሓለፎ ኩሉንትናዊ ጸቕጥን፤ ኣሽካዕላል ህግደፍን መጋበርያታቱን ምዃኖም፤ክስመረሉ ይግባእ።እዞም መንእሰያት’ውን፤ ጎነጽ ቀዳማይ ምርጨኦም ከምዘይኮነ ኣመስኪሮም እዮም። Plan A and plan B ዝብል ቅዲ ተኸቲሎም፤ ኣብተን Plan A ዘተግበራ ሃገራትን ከተማታታትን ብዘይ ጎነጽ’ዩ ተዛዚሙ። ደገፍቲ ህግደፍ ዝኸፈሉ ከፊሎም ምስዕሳዕን ምሽክዕላልን ከም ዓወት ክሓስብዎ ከለዉ፤ብኣንጻሩ ደለይቲ ፍትሒ ግን፤ ነቲ ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ብዘይ ጎነጽ ደው ከብልዎ ኮለዉ፤ ከም ዓወት ከምዝሓስብዎ ብግብሪ ተራእዩ እዩ።ኣብ ገሊኡ ከተማታት’ውን ፤ነቶም ንህግደፍ ዘካረዩ ወነንቲ ኣዳራሻት ገንዘብ ከፊሎም፤ ነቲ ውራይ ከሰርዙን ነቲ ጎነጽ ደው ከብሉን ከምዝፈተኑ ይፍለጥ። ብዝኾነ ናብ ጎነጽ ዘምርሕ ተረኽቦ ከጋጥም ከሎ ግን፤ ጠንቅን ሳዕቤንን ኣብ ግምት ዘየእተወ ኮነኔ ፍትሓዊ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ነዚ ብሰንኪ’ቲ ትንኮያ እቲ ሕሱም ስርዓትን መጋበርያታቱን ዝተበገሰ ነድሪን ጎነጽን ዝተሓወሶ ተረኽቦ፤“ግብረሽበራዊ ወይ ከኣ ግብረሽበራውያን” ዝብል ቅጽል ስም ምጥማቕ ግን፤ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ብቐንዱ ከኣ ወጽዓ’ዞም መንእሰያት ዝረሰዐ እዩ። ነዚ ተረኽቦ ግዳማዊ መልክዕ ከምዝሕዝ ወይ externalize ምግባሩ’ውን፤ ብቐንዱ እዞም መንእሰያት ዝሓለፍዎ መግደራን ተሸኪሞሞ ዘለዉ ስነኣእሙሮኣዊ በሰላን (ኩሉ ብሰንኪ እቲ ስርዓት) ምኽሓድ የስምዕ። ኤርትራውነቶም ምኽሓድ ንባዕሉ ገበን’ዩ።ምስ ኩርኩር ህግደፍ (YPFDJ) ኣመሳሲልካ ከም ልኡኻት ናይ ወያነ ጌርካ ምጥቃኖም’ውን፤ ምስልዩን ሓላፍነት ዝጎደሎ ብህሎን እዩ።ኩሉ’ዚ ኣበሃህላ’ዚ፤ ንመሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ዝጎስን፤ ነዞም መንእሰያት ዘሰይጥንን፤ ናብ ጓል መገዲ ዝወስድን’ዩ። ፈቲና ጸሊእና ነቲ ጠንቅን መሰረታዊ ሕቶን ክንገጥሞ ይግባእ።

እዞም መንእሰያት፤ ብመራሕቲ ግንባራትን ትሕቲኦም ዘለዉ ሓለፍትን ዝወርዶም ዝነበረ ግፍዒ ምጽዋር ስኢኖም፤ ካብ ዘፍቅርዋ ሃገሮምን ወለዶምን ብጥይት እንዳተሳሕቱ እግሮም ናብ ዝመርሖም ነፊጾም ወጽዮም፤ ኣብ ስደት ዘሕልፍዎ ዘለዉ መግደራ ከይኣኽሎም፤ ህግደፍ ደድሕሪኦም ስዒቡ፤ “4ይ ግንባር” ዝባሃል ናይ ሽበራ መርበብ መስሪቱ፤ ስነኣእምሮኣዊ በሰላኦም ጎዲኡዎምን ኣሸኲኑዎምን’ዩ ጸኒሑ።ድሕሪ ብዙሕ ትዕግስቲ ግን፤ እዚ ሕልሙን ራኢኡን ዝተዘምተን፤ ኣብ ሃገሩ ምንባር ዝተኸልከለን መንእሰይ፤ ተገዲዱ ነቲ ስርዓት ብዝርደኦ ቋንቋ መሊሱሉ።ስርዓት ህግደፍ፤ ንመንእሰይ ኤርትራ ካብ መረበቱ ኣባሪሩ፤ ንሓዋሩ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣጥፊኤዮ ኢሉ ኣብ ዝቐሰነሉ እዋን፤ ሕላገት ኣቦታቱ ዘየጥፈአ መንእሰይ ከኣ፤ ሰመያዊ ሰውራ ኣበጊሱ ነቲ ስርዓት ክልብልቦ ጀሚሩ። ብህላወ ተቓውሞ ኣሚኑ ዘይፈልጥ ስርዓት ህግደፍ፤ ሕጂ ግን ካብ “ልኡኻት ወያነ” ሓሊፉ “ልኡኻት ሲ ኣይ ኤን ሞሳድን’ዮም” እንዳበለ ብዛዕባ ብርጌድ ንሓመዱ ከንጸርጽር ይውዕል ኣሎ። ከምኡ’ውን፤ እታ ኣብ 2018 ኣብ ኣስመራ “ተደምረናል” ዘድመጸት፤ ቀጺላ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ “እዚ ህዝቢ’ዚ ድሕሪ ሕጂ ክልተ ህዝቢ እዩ ኢሉ ዝዛረብ ታሪክ ዘይፈልጥ’ዩ” ዝበለት ልሳን፤ ተልእኾኣ ምስተኮልፈ ሕጂ ኣብ ሳዋ ወሪዳ፤ ብመገዲ ማሕዮኣ ጌራ “ኤርትራ ንኤርትራውያን!” ክትጭርሕ ጀሚራ። “ለውጥ’ማ ኣለ” ድዮም ዝብሉJ? እዚ’ውን ንግዚኡ ክሳብ ዝደልዎ ደኣምበር፤ንምጥፋእ ኤርትራን ህዝባን ዝተዓጥቀ ስርዓት ምዃኑ እኹል መርትዖታት ኣሎ።ረሲዔልኩም እባ፤ ህግደፍ ነዞም መንእሰያት “ኤርትራውያን ኣይኮኑን” ክብል ከምዘይቀነየ፤ ኣብ ልዕሊኡ ጸምበለል ምስበሉ ግዲ ኤርትራውነት ብርጌድ ንሓመዱ ተሰቊሩዎ ኮይኑስ፤መሳኪን ዓሳክሩ ናብ ከተማ ሎንደን ኣዋፊሩ  “down down ብርጌድ ንሓመዱ” ክጭርሕ ውዒሉ። ወይ ለብዘበንንንንንንንን እዩ ዘብል። ብዝኾነ ጽቡቕ ምጅማር ይግበረሎም። ቅንይ ኢሎም ከኣ down down ህግደፍ፤ down down ኢሰያስ ክሰትኮም ይኽእል’ዩ። ነቲ ረዚን ዋጋ ከፊሉ ናብዚ ነጥበ መቐይሮ ዘብጸሓና ብርጌድ ንሓመዱ ምስጋናን ክብርን ይግበኦ።

ብኣንጻር’ዚ ግን፤ ነዚ ነጥበ መቐይሮ ዝገበረ ሰመያዊ ማዕበል ዝጻባእ ኣይተሳእነን።ሕመረት ናይቲ ትማሊ፤ ንምንቅስቃስ ዪኣክል ንምድኻም ኣበርቲዑ ዝሰርሐ ምትእኽኻብ ተቓወምቲ-መሰል፤ ሕጂ’ውን ካላኣይ ታሪኻዊ ጌጋ ይፍጽም ኣሎ።ነዚ ክቱር ወጽዓ ዘበገሶ ናዕቢ ናይ መንእሰይ ንምሕንኳልን ንምድቋሱን፤ ብቕሉዕን ብስዉርን ይንቀሳቐስ ኣሎ።።ገለ ባእታ ናይ’ዚ ጉጅለ’ዚ፤ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ስልጣኑ ዘቐድም’ዩ። ንሱ ዘይቆጻጸሮን ንሱ ኣብ ስልጣን ዘይመጻሉን ለውጢ ኣብ ኤርትራ ክርኢ ኣይደልን። ህጹጽነት ኩነታት ሃገርናን፤ ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ኣፍ-ኣርክቡ ዝዓይነቱ ህላወ ምህላዋን ዝዓጅቦ ኣይኮነን። ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ክቃለስ ኣይረአን።ኩሉ ቃልሱ ጋድማዊ ኮይኑ ኣንጻር ደላይ ፍትሒ ዘቕነዐ እዩ።ነዚ ሃንደበታዊ ማዕበል ክጻወሮ ስለዘይከኣለ ግን፤ ቀልጢፉ ጉልባቡ ቀሊዑ ብስም ዝተፈላለዩ “ሃገራዊ” ምስምሳት ናብ ህግደፍ ተጸጊዑ ይርከብ። ህግደፍ’ውን፤ ድኹም ዓቕሚሰብ ከምዘለዎ ብግቡእ ተረዲኡ፤ ንግዚኡ ካብዛ መጻብቦ ንምውጻእ ሓዱሽ ቅዲ ክኽተል ጀሚሩ’ሎ። “ተቓዋሚ” ዝብል ቃል ኣብ መዝገበ ቃላቱ ዘይነበረ፤ ሕጂ ግን “ተቓዋሚ-ደጋፊ ከይተባሃሃልና ኣብ ሓደ ዳስ ኴንና ንመክት” ኢሉ ነዞም ምስሉያት ክጥርንፎም ጀሚሩሎ። በዞም መትከልን ሕልናን ኣልቦ ጌሩ ነዚ ምንቅስቓስ ከዳኽሞ ይፍትን ኣሎ። ንተዓዛዘብ ኣለና!

ካብ’ዚ ጉጂለ’ዚ ዘይንእስ፤መጠኑ ዝሓለፈ ስግኣት ወያነ ዝዓብለሎ ምትእኽኻባት’ውን ኣሎ።ኣብዚ ምትእኽኻባት’ዚ፤ ካብ ፍቅሪ ህዝቢ ኤርትራ፤ ዝያዳ ጽልኢ ወያነን ተጋሩን ጎሊሑ ይረአ።እቲ ምስጋእ’ኳ ዘይጽላእ እንተኾነ፤ ብሰንኪ ምኽኑይን ዘይምኽኑይን ስግኣትካ ግን፤ ነዚ ቃልሲ ምዕንቃፍን፤ ካብኡ ሓሊፍካ’ውን ካብ ቃልሲ ኣንዘልሒጥካ፤ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ምስ ህግደፍ ሕግብግብ ምባል ግን ነውሪ እዩ።ንእግረ መገደይ ግን ሓደ ነገር ክሕብር እደሊ። ነዚ ዝሓረነ መንእሰይ፤ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኦታዋ ብቐረባ ክሪኦ ዕድል ረኺበ እየ። እዚ መንእሰይ፤ ሓሪኑን ወሲኑን’ዩ። ደቂ ኣንስትዮ ኣሓቱ ኣብ ጎድኑ ኣሰሊፉ፤ ሓርነቱ ብቃልሱ ከረጋግጽ ናብ ብርቱዕ ውሑጅ ተቐዪሩ’ሎ። እዚ ተበጊሱ ዘሎ ብርቱዕ ውሑጅ፤ ብመቐለ ሓሊፉ ናብ ኣስመራ ከየምርሕ እንተኾይኑ ስግኣትካ፤ ሃየ ሕጂ ተጸንበሮ! ሽንትኻ እንዳመላእካ ኣብ ቅድሚት መጺኻ፤ ኣንፈቱ ናብ ኣስመራ ጥራይ ከምዝኸውን ጌርካ ኣማእዝኖ። ክትዓግቶ እንተፈቲንካ ግን፤ብርቱዕ ውሕጅ እንታይ ከምዝገብር ኣይትስሕቶን፤ ካብ ረብሑኡ ጉድኣቱ ክበዝሕ’ዩ።

ክቡራት ደቂ ሃገረይ፤ እዚ በጺሕናዮ ዘለና መድረኽ፤ርእስኻ ኣብ ሑጻ ቀቢርካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ምስ ሓደገኛ ቀታሊ ሕማም ከነመሳስሎ ንኽእል። ንኣብነት፤ ሕማም መንሽሮ ከምዘለካ ቀልጢፉ እንተደኣ ተነጺሩልካ፤ ካብ ወረደስ ከም ጸጋ እዩ ዝቑጸር። ምኽንያቱ፤ ንኽትሕከምን ክትሓውን ዕድላት ስለዘለካ። እቲ ቐንዲ ከም ጸጋ ዞቕጹሮ ግን፤ ቀልጢፍካ ሕክምና ምስትገብር ጥራይ እዩ። እንተደንጒኻ ግን፤ ከምዝቐትለካ ዝሰሓት ኣይኮነን። እዚ ኣብ ሙሉእ ዓለም፤ ብቐንዱ ድማ ኣብ እስራኤል ዝረኣናዮ ደም ም’ፍሳስ ዝተሓወሶ ተረኽቦ፤ ትኪ ናይቲ ጽባሕ ኑግሆ ዝባራዕ ተደጒሉ ዘሎ ሓዊ፤ ወይ ከኣ ንኡስ ነጸብራቅ ናይቲ ጽባሕ ኑግሆ ዝትኮስ እቲ ስርዓት ኣጻዊዱልና ዘሎ ነቶግቲ ምዃኑ፤ ምግንዛብ የድሊ። እዚ ተረኽቦ’ዚ፤ ብሃንደበት ኣብ ሓደ ረፍዲ ዝነጠበ ኣይኮነን። “ምስዞም ከዳዓት ኣብ ሓጎሶምን ሓዘኖምን ከይትሕወሱ” እንዳተባህለ ንብዙሕ ዓመታት ተሰሪሑሉ እዩ።ኣትሪረ ሓደራ ዝብሎ ግን፤ እዚ ኣብ ደገ ንሪኦ ዘለና ግጭት፤ “ህዝቢ ኤርትራ ለባም እዩ’ሞ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ” ኢልና ነብስና ኣይነተዓሻሹ። ልቦና ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ኣብ ቦቱኡ እንከሎ፤ ደቂ ሓንቲ ኣደ በጋጣሚ ኣብ ክልተ ውድባት ተሰሊፎም ዝተዳመዩዎ ውግእ ሕድሕድ፤ ናይ ትማሊ ታሪኽና ምዃኑ ኣይንረስዕ።እዞም ኣብ እስራኤል ዝረኣናዮም ሰብ-መሰል፤ ካብ ካልእ ፕላኔት ኣይነጠቡን፤ቡቕሊ ሕብረተሰብና ምዃኖም ነስተብህል።እዚ ስርዓት ንኸይወድቕ፤ክሳብ ህይወቶም ዝኸፍሉ እሙናት ማሕዮታት ከምዘለዉዎ ዘይምዝንጋዕ። ኣብዚ ዝቐነየ ግናይ ተረኽቦ፤ ብበትሪ እንዳተሃርሙ ዝስውኡ ዘለዉ መሲልዎም፤ “ዓወት ንሓፋሽ” ዝጭርሑ ፍጥረት ተራእዮም እዮም። እዚ ስርዓት፤ ቂመኛን ሓደገኛን እዩ። እታ ንዳርጋ ፍርቂ ዘመን ዝኣክል ዝቃለሰላ ዘሎ ጥሙሑ እንተዘይሰሊጣቶ፤ ንዘመነ ህግደፍ እንዳናፈቕና ንነብራ ኤርትራ ኣውሪሱና ክሓልፍ’ዩ ዕላምኡእቲ ኣብ ኤርትራ፤ብናይ ስራሕ ቦታን ብምምሕዳርን  ከም ራሽን ተዓዲሉ፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ዓስኪሩ ዘሎ ብረታት (ኣጽዋር)፤ ደቂ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣረገውቲ ዶብ ኤርትራ ክሕልዉሉ ተባሂሉ ኣይኮነን ተዓዲሉዎም ዘሎ።እቲ ስርዓት ኣብታ ናይ መወዳእታ ዕምሩ ምስበጽሐ፤ እታ ሓደገኛ ካርታ ሲሒቡ፤ እዚ ኣብ እስራኤል ዘጋጠመ ተረኽቦ፤ ብዝኸፍአ መልክዑ ኣብ ኤርትራ ክሪኦ ባህግን ዓላማን ናይ ስርዓት ህግደፍ’ዩ።ህግደፍ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ደንበርበር ይብል ስለዘሎ፤ ባዕሉ ዝተኸሎ ፈንጂ ረጊጹ ለኪሙና ክጠፍእ’ውን ይኽእል’ዩ።ስለዚ እምበኣር፤ ምጥፋእ ናይቲ ተደጒሉ ዘሎ ሓውን፤ ምምካን ናይቲ ተቐቢሩ ዘሎ ፈንጅን፤ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ዜጋ ከምዝኾነ ከዘኻኽር እደሊ። ምድንጓያት እንተ-ኣርኢና ግን፤ ዕጫና ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣብነት ናይቲ ቀታሊ ሕማም መንሽሮ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ሕማም ግን፤ ህግደፍ ምዃኑ’ኳ ዘካትዕ እንተዘይኮነ፤ ኣቃውማ ናይዞም ኣብ ደገ ዘለና ከኣ፤ ነቲ ሕማም ዘጋድድ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ምዝኽኻር ዘድልዮ ኣይመስለንን።

መቸም፤ ብርጌድ ንሓመዱ ንህግደፍ በቲ ዝርደኦ ቋንቋ ስለዝመለሰሉ፤ ወይከኣ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ስለዝወሰደሉ፤ ስርዓት ህግደፍ ጸማም እዝኒ ሂቡ ክሓልፍ፤ ወይከኣ ከም ቀደሙ “ስቕ መሪጽና” ክብል ኣብዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ’ሎ።ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ህልኽ ተጸሚዱ ይርከብ።ኣብ ክንዲ ሕቶ ህዝቢ ምምላስ፤ ጓል መገዲ ከይዱ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኣሕዋት ጽልኢ ክዘርኣልናን፤ ደም ተኺሉልና ክሓልፍን ብሙሉእ ሓይሉ ይዋሳእ ኣሎ። እሞ ደለይቲ ፍትሒኸ ነዚ ኩነት ብኸመይ ንግጠሞ? እቲ መፍትሒ እንታይ ኢዩ? ብውሕዱ እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይከኣል

  1. 1. ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ደገ ደው ይበል!

ስርዓት ህግደፍ ርእሱ ኣብ ኣስመራ’ዩ ዘሎ። መሓውራቱን ኣጽፋሩን ግን፤ ኣብ ነብሲወከፍ ንነብረሉ ዘለና ከተማታት ተዘርጊሑ’ሎ። ርእሱ እንተረሓቐና፤ ብሕጋዊ ኣገባብ መሓውራቱን ኣጽፋሩን ከምዝለምሱ ምግባር፤ ዕማም ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ክኸውን ይግባእ። ብመገዲ መሓውራቱ ጌሩ፤ ብጉልባብ ማሕበረኮማት ዝግበር ፈስቲቫላት ይኹን ሃገራዊ በዓላት፤ ደው ክብል ኣለዎ። ምኽንያቱ፤ ካብ ቁጽጽር ስርዓት ህግደፍ ነጻ ዝኾነ፤ ናይ ኤርትራ ማሕበረኮም ከምዘየለ ኩሉሰብ ዝፈልጦ እዩ። እቶም ደገፍቲ’ውን፤ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ልቦና ክትውኑኑን ክትተሓባበሩን ይግባእ። ህግደፍ ኣብ ዝወደቦ ጽምብላት ካብ ምኻድ እንተተቖጢብኩም፤ ንጥፈታቱ ባዕሉ ከቋርጾ ክግደድ’ዩ።ብቐንዱ ነዞም ኣብ ደገ ዝዓበዩ ደቅኹም፤ ኣብ ዘይፈልጥዎ ገበን ከይተእትውዎም ተጠንቀቑ። ግድን እንተልኩም ግን፤ ኣብ ኤርትራ ኬድኩም ክትድግፉዎ ይኹን ክትሽከምዎ ዝኽልክለኩም ኣካል የለን። ቶኽታዂን ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳን ዝትሕዝትኡ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ እንተተቋሪጹ፤ ዝድርበ እምኒ ይኹን ዝፈስስ ደም ኣሕዋት ኣይክህሉን’ዩ።

  1. ጉዳይ ፈስቲቫላት:

ፈስቲቫል ኤርትራ፤ ካብ ንህግደፍ ንላዕሊ፤ ነቲ ዓዱ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ዘሎ ደላዪ ፍትሒ የገድሶን የርብሖን። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወለዱ ደቅና፤ ብሰንኪ ፖለቲካዊ መርገጺ ወለዶም፤ ወይ ከኣ ፍትሒ ጎደለ ድኻ ተበደለ ስለዝበሉ፤ ዓዶም ከይረኣዩን ምስ መበቆላዊ ባህሎም ከይተላለዩን፤ ኣብ ስደት ይዓብዩ ኣለዉ። ስለዚ፤ እቲ ሓቀኛ ትርግሙ ዝለበሰ ፈስቲቫል የገደሰና እዩ። ስርዓት ህግደፍ ግን፤ ፈስቲቫል ዘይኮነስ መኣከቢ ገንዘብን መዝርኢ ጽልእን’ዩ ክጥቀመሉ ጸኒሑ። “ሓደ ይኾኑ 9 ይኾኑ” ኣገባብ እንዳተጠቕመ፤ ንገብራይን ለታይን ክዳውንቲ እንዳቐያየረ ሓንሳብ የመስልሞም፤ ካልእ ግዜ ከኣ ኩናማ እንዳምሰለ፤ ብሓደ ልብን 9 ብሄራትን ክሽቅጥ ጸኒሑ። ንሕና ንደልዮ ፈስቲቫል ግን፤ ዛህራን ክብራን ተኸባቢረንእቲ ሓቀኛ ባህለንን ክብርታተንን ዘንጸባርቓሉ መድረኽ ክንፈጥር ንኽእል ኢና። ኩርማጅ ስርዓት ህግደፍ ዘየርከበትሉ ኣካል ሕብረተሰብ ስለዘይብልና፤ ዳርጋ ካብ ኣባላት ኩለን ብሄራትና ኣብ ደገ ንርከብ ኣለና። ነዚ ሕማቕ ዕድል ናብ ረብሓና ቀዪርና፤ ምስሊ ንኡሽተይ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ሰሪሕና፤ ንግዚኡ ደቅና ምስ ባህሎም ዝላለይሉ መድረኽ ክንፈጥር ይግባእ። ስለዚ እምበኣር፤ ንፈስቲቫላትን በዓላትን እተወሃህድ ሽማግለ፤ ኣብ ነብሲወከፍ ከተማታት ክትምስረት ይግባእ። እዛ ሽማግለ፤ ካብ ኩሉ ኣካላት ሕብረተሰብና፤ እንኮላይ ካብቶም “ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ” ዝሓቖፈት ክትከውን ይግባእ። ካብቲ ፈስቲቫል ይኹን ካልእ ንጥፈታት ዝርከብ ኣታዊታት፤ ንመግዝኢ ኣብታ ከተማ ዘድልዩና ነገራት፤ ንኣብነት ንመግዝኢ መኣከቢ ኣዳራሽ ይውዕል።እቲ ፈስቲቫል፤ ባህላዊ ብዙሕነትና እምበር፤ ፖለቲካዊ ብዙሕነትና ነንጸባርቐሉ መድረኽ ክኸውን ብፍጹም ኣይግባእን። ካብኡ ሓሊፉ፤ ነዚ ተተፋኒኑ ዘሎ ሕብረተሰብና ኣብ ምቅርራብን፤ ቁስልና ኣብ ምሕዋይን ክሕግዘና እዩ። ብሓጺሩ፤ እቲ ስርዓት ዳግመ ውደባ ጌሩ ተመሊሱ ከየዳምየና፤ ህዝቢ ፈስቲቫላቱ ባዕሉ ወኒኑ በቲ ሓቀኛ መንፈሱ ከምዝቕጽል ክገብር ይግባእ።

  1. ገዳይም ውድባትን ምንቅስቃሳትን:

ኣቱም ገዳይም ተቓለስቲ፤ ንብዙሕ ዓመታት ከይሰልከኹም ተቓሊስኩምን ኣቃሊስኩምን ኢኹም። ዝሓለፍኩሞ ጉዕዞ ቀሊል ኣይነበረን፤ክብሪ ከኣ ይግባኣኩም። እዚ መንእሰይ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ከምቲዝድለ ብዘይምዕሳሉ፤ዘይዕግቡነት ከምዝነበረኩም ይፍለጥ። ይኹንደኣምበር፤ ነዚ ቓልሲ ካብ ምትታይ ኣይበኾርኩምን። ድሕሪ ብዙሕ ትጽቢት ግን፤ ግዚኡ ሓሊዩ ቃልስኹም ዝወርስን ሽግኩም ዝቕበልን መንእሰይ ወለዶ፤ ደበኽ ኢሉልኩም ኣሎ። እቲ ክሕመ ዝጸንሐ ወለዶ፤ ታሪኹ ክቕይስ፤ ብቓልሱ ሓርነቱ ከረጋግጽ ተበጊሱ’ሎ። እዚ ኸኣ ውጽኢት ናይቲ ዘይሕለል ጻዕርኹም እዩ’ሞ፤ እንቋዕ ኣሓጎሰኩምን ሞጎሰኩምን እብል። “ድሕሪ ደጊም ሞት ከም ኣዳም!” ዘብል’ዩ። ይኹን ደኣምበር፤ ብዘይካ ውሑዳት፤ መብዛሕተን ውድባትን ምንቅስቃሳትን፤ ነዚ ህዝባዊ ናዕቢ፤ ኣብ ርሑቕ ኮንካ ኣብ ምዕዛብን ኣብ ጃላነትን ዝወደቓ ይመስላ። ብርግጽ ብርጌድ ንሓመዱ ማእከል ስሕበት ኮይኑ፤ብዙሓት ኣባላት ውድባትን ምንቅስቃሳትን ብውልቅን ብጥርንፉን ይሳተፉ ከምዘለዉ ኣይዘንጋዕኩን። ይኹንደኣምበር፤ እዚ ዓበድበድ ዝብል ዘሎ ስርዓት፤ ንኸምዚ ዓይነት ተቓውሞ ንምቑጻይ፤ ናይ ፍርቂ ዘመን ተመክሮን ፍሉይ ክእለትን ከምዘለዎ ካባኹም ንላዕሊ ዝፈልጦ የልቦን። እዚ ስርዓት፤ጸላእቱ ንዒቑ ኣይፈልጥን’ዩ። ስለዚ፤ እዚ ተረኺቡ ዘሎ መድረኽ፤ መቐጸልታ ናይ ነዊሕ ዓመታት ቃልስኹም ስለዝኾነ፤ ብዝለዓለ ደረጃ ክትዋስእሉ ይግባእ። እዛ ተባሪዓ ዘላ ቁልዒ ከይትቕህም ነዚ መንእሰይ ከነማሙቖ ይግባእ። እዚ መንእሰይ ተገዲዱ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕን፤ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ሓደጋ ከየውርድን፤ ንንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ ብሕጋዊ መገዲ ደው ኣብ ምባልን፤ ከምኡ’ውን ዝጸንሓኩም ናይ ርክብ መስመራት ተጠቒምኩም ነዚ ቃልሲ  ናብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ምቕናዕ ዝህልወኩም ተራ  ዕዙዝ’ዩ።ብቐንዱ ግን፤ ኣብ እንግድዓ’ዚ መንእሰይ ዝውጣሕ ዘይኮነስ፤ ኣብ ጎድኑ ኮይኑ ነዚ ናዕቢ ዘደንፍዕ ሓደ ጥርኑፍ ሓይሊ ኣብ ምፍጣር’ውን ቀዳማይ ዕማም ክኸውን ይግባእ።

  1. ጻውዒት ንደቂሱ ዘሎ ሙሁር ኣካል:

ብመሰረቱ ትምህርቲ ንደሞዝን ንዝናን ኣይኮነን። ብዝፈለጥካ መጠን፤ ትምህርቲ ብቐንዱ ሓላፍነት’ዩ ዘሰክመካ። ሓላፍነት ናይ ንስለ ሓቂ ደው ምባል፤ ሓላፍነት ናይ ሰብኣውነት፤ ሓላፍነት ናይ ምልኣተ-ሰብነት (personal integrity) ፤ ሓላፍነት ናይ ተሓታትነት፤ ብሓፈሻ ሓላፍነት ናይ ጽቡቕ ኣርኣያ ምዃን፤ ካብቲ ብዙሕ ክጥቐስ ይከኣል። ብዙሓት ሙሁራት ብውልቅን ብጥርኑፍን ኮይኖም፤ ሓላፍነቶም ብትብዓት ይዋጽኡ ከምዘለዉ ብቐረባ ይፈልጥ’የ።ልዑል ክብርን ምስጋናን ከኣ ይብጻሓዮም። ይኹንደኣምበር፤ ብመንጽር ኣብ ደገ ዘለና ብዝሒ ምሁራት፤ ብቐንዱ ከኣ ብመንጽር ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ዘፍረየትና ምሁራት ክረአ ከሎ ግን፤ ኣዚዩ ውሑድ’ዩ። ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ’ውን ከም ማህጸን ኣደ፤ ጉራምራ ወሊዳ ከምዘላ ኣይዘንጋዕኩን። ይኹንደኣምበር፤ እቶም ሓላፍነቶም ዘንጊዖም ሰብኣውነቶም ኣጥፊኦም፤ ከም ፍጮ ኣብ ዘይመስመሮም ተሰዂዖም ዘለዉ ውሑዳት’ዮም። እቲ ዝበዝሐ ግን፤ ኣብ ስቕታ  ዓሪዱ እዩ ዝርከብ። ስቕታ ንባዕላ ካብ ሓላፍነትካ ምህዳም እያ፤ ተቐባልነት ከኣ የብላን።ኣብ ቅድሚት ምስ ወጻኻ ዘጋጥም ዘለፋታት ከምዘሎ’ውን እርዳኣኒ እዩ።ይኹንደኣምበር፤ ዘለፋ ፈሪሕካ ንድሕሪት ምባል ግን ኣማራጺ ኣይኮነን።ብትብዓት ምግጣሙ ካብቲ ሓላፍነታት ሓደ እዩ።

ዎ መዘናይ! ንኹሉ ጾታ እየ ዝጽውዕ ዘለኹ። ንስኻ፤ ኣብቲ ምልእቲ ስድራ ኣብ ሓደ መኣዲ ትቕረበሉ ዝነበረት ዘመን ኣርኪብካ ኢኻ። እቲ ልዕሊ ዩቨርሲቲ ዝስራዕ፤ ካብ ወለድን ከባብን ሕብረተሰብን ዝውረስ ክብርታትን ትምህርትን፤ ብላህመቱ ወሪስካዮ’ለኻ ክብል’ኳ እንተዘይደፈርኩ፤ ኣሰር-ውሃ ኣይክሰኣነካን’ዩ። እዚ ንኡስ ወለዶ ግን፤ እቲ መባእታዊ ጸጋ ዝተሓረሞ፤ ብኹሉንትኡ ዝተወጸዐ ዜጋ እዩ። ነዚ ውጹዕ ወለዶ እምበኣር፤ መምህር፤ ኣያ ብቐንዱ ከኣ ጎድኒ ክትኮኖ ይግባእ። መላግቦ ቀዳማይን ዳሕራይን ወለዶ ስለዝኾንካ፤ ድርብ ሓላፍነት ከምዘለካ ኣይትስሓት። ኣብ ሞያኻ ጥራይ ኣድሂብካ ምጽቃጥ ኣየምሕረልካን’ዩ። ትምህርቲ መሰረት ምዕባለ ናይ ሓንቲ ሃገር ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን። ንትምህርትን ንሙሁርን ዝጽየን ወለዶ እንተተፈጢሩ ግን፤ መጻኢ እታ ሃገር ጸልማት ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ስርዓት ኣስመራ ከኣ፤ ኣብ ምፍራስ ስርዓተ ትምህርትን ዕንወት ሃገርን ተዓዊቱልና ከምዘሎ ክንኣምን ይግባእ። ብዝሑ ዘይፍለጥ መንእሰይ፤ ኣብ ክንዲ ዕድል ናይ ትምህርቲ ብዘይምርካቡን ብዘይምምሃሩን ዝሓዝን፤ እንቋዕ’ኳ ዶክተር ኣይኮንኩ” ኢሉ ክንየት ክትሰምዕ እንኮለኻ፤ ሃገራዊ ሓዘን ክትእውጅ ይግባእ። ቀንዲ ናይዚ ጉዳይ ተሓታቲ እቲ ስርዓት እኳ እንተኾነ፤ ሕማቅ ኣርኣያ ናይቶም ውሑዳት ሕልነኦም ሸይጦም ኣንጻር ህዝቦም ምስ ገበነኛ ስርዓት ዝወገኑ “ሙሁራት” ህግደፍን፤ ከምኡ’ውን ናይቶም ኣፍና ዝሃበና ልቦናን ተሓታትነትን ዝጎደሎ ዘረባ ነዘውትር ውሑዳት ሙሁራት’ውን፤ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ እምበኣር፤ ነቲ ዶክተር ብዘይ ምዃኑ ዝሕበን መንእሰይ፤ ንፍልጠት ዝጸምእን እንተዘይተማሃርኩን ዶክተር እንተዘይኮንኩን ኢሉ ዝሕንሕን ወለዶ ክንሃንጽ፤ ሓላፍነትና ምዃኑ ምንጋር ዘድሊየኩም ኣይመስለንን።ንሕጂ እንተዘይኮንና ደኣ ንመኣስ?

ምስ’ዚ ዝተኣሳሰር፤ ከምቲ ኣብ ስነፍልጠታዊ ምርምር እንገብሮ፤ ማለት ብመርተዖ ዘይተሰነየ ኣብ ስምዒት ጥራይ ዝተሞርከሰ ጽሑፍ ይኹን መደረ ዘይነቕርብ፤ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብና ወጺና እንገብሮ መደረ ይኹን ኣስተምህሮ’ውን፤ ብኸምኡ መልክዕ ክንጥምቶ ይግባእ። ነዚ ንምትግባር፤ ናይ መዘና-ገምጋም (peer review) ዘድሊየና ኮይኑ ይስመዓኒ።ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምቕራብና፤ ንነብስና ባዕልና ብናይ መዘና-ገምጋም ነሕል’ፋ። ቀጺልና’ውን፤ መስትያት ናይ ነንሕድሕድና ብምዃን፤ ብስምዒት ዘይኮነስ ተሓታትነት ዘለዎ ትሕዝቶ ነቕርብ። እቶም ገሌና ኣብ ናይ You Tube ንግዲ ተዋፊርና ዘለና ሙሁራት’ውን፤ ህዝብና ንምንቃሕን ምስትምሃርን እንተኾይኑ ቐንዲ ዓላማና፤ ኲኖቲ ገንዘብ፤ ጠቕሚ ህዝብና ኣብ ቅድሚት ክንሰርዕ ይግባእ። ስነ ፍልጠታዊ መርተዖ ዘይብሉ፤ ኣብ ስምዒትን ካልእ ረብሓን ዝተመርኮሰ ርእይቶ ናይ ኣኽረርቲ ጸዓዱ እንዳምጻና ነዚ መንእሰይ ኣይንመርዞ።ኣብ ክንዲ ኣቓልቦ ብዙሓት ክስሕበልና ኢልና ግዜኦም ዘይሓለዉን፤ ሃነጽቲ ዘይኮኑን ተኣፈፍቲ ኣርእስቲ እንዳመረጽና ነስተምህር፤ ተሓታትነት ዘለዎን ንህዝብና ዘርብሕን ስራሕ ብሓላፍነት ንስራሕ። እዚ ከኣ መብልሒናን፤ ኣርኣያ ናይዚ ንኡስ ወለዶ ንምዃን ክንበቅዖን ክሕግዘና እዩ።

ደፊረ መጸዋዕታ ካብ ኣቕረብኩ እምበኣር፤ተወሳኺ ዕዮ ገዛ ንክኢላታት ናይ information technology ክምሕጸን ኣፍቅዱለይ። ከምዝፍለጥ፤ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ወይ ክፍሊ፤ ሓደ-ክልተ ዝኾኑ ተማሃሮ፤ ሓጹር ቤት ትምህርቲ ዘሊሎም፤ ኣብ እንዳ ስዋን ባራትን ዝውዕሉ ኣይጠፍኡን’ዮም። ክላስ ብምልእታ ካብ ትምህርቲ ሃዲማ ኣብ እንዳስዋታት እንተሓኪላ ግን፤ ሃገር ተዘሚታ ማለት’ዩ። ምስ’ዚ ዝመሳሰል፤ ኣብዚ ግዜ’ዚ መናእሰያትና፤ኣብ ንህይወቶም ክቕይር ዝኽእል ጠቓሚ ኣስተምህሮ ዝዋሃበሉ መድረኻት ኣብክንዲ ዘሕልፍዎ፤ኣብ ቆይቅን ዘይሃናጺ ዘተን ጸይቅን ዝዝውተረሉ ማሕበራዊ መድያታት ዓሲሎም ከምዝውዕሉን ከምዝሓድሩን ትዕዝብቲ ኣለኒ። ሳዕቤን ናይዚ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ’ኳ ርዱእ እንተኾነ፤ ብስነ ፍልጠታዊ መገዲ ንምግጣሙ ግን፤ ድቕቕ ዝበለ መጽናዕቲ ዘድልዮ ይመስለኒ። እዞም ዝተጠቐስኩም ክኢላታ እምበኣር፤ ብዛዕባዚ ጉዳይ ኣቓልቦ ክትገብሩ ብትሕትና እምሕጸን።መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ከኣ ናይ ኩሉና ሓላፍነት ይኸውን።

ኣብ መወዳእታ፤መልእኽተይ ብለበዋ ክዛዝም። እዚ ጻውዒትን ነቐፌታን ምሕጽንታን፤ ካብ ሻቖሎትን ህዝባውን ሃገራዊ ሓልዮትን ዝተበገሰ ደኣምበር፤ ካልእ ኣሉታዊ ስምዒታት ከየሕድር ብትሕትና እምሕጸንን እላቦን።እዚ መንእሰይ ብኹሉንትኡ ውጹዕ’ዩ። ሕጂ’ውን እንተኾነ፤ ሓርነቱ ከረጋግጽ ረዚን ዋጋ ይኸፍል ኣሎ። እንተኾነ፤ ኣብ ቀጻሊ ግጭት ከይሽመም ሓገዝ ናይ ኩሉና ከድልዮ እዩ። ነቲ ናብ ጎነጽ ንኽኣቱ ዘገድዶ ዘሎ ኩነት ኣብ ምልጋስ፤ ናይ ኩሉና ተራን ሓላፍነትን ክኸውን ይግባእ።። ጎነጽ ክጎድልን ክውገድን ኣለዎ።እምኒ ኣይትደርብዩ ምባል ቅኑዕ’ዩ፤ ማዕረ ማዕሪኡ ግን፤ ነቲ ጠንቂ ናይቲ ጎነጽ ዝኾነ ባእታ ጎስዩ፤ ኣብ ሳዕቤን ጥራይ ዘተኮረ ኮነኔ ፍትሓዊ ኣይኮነን፤ምስልዩነት እዩ።ነባሪ ፍታሕ’ውን ኣየምጽእን። ብቐንዱ ግን፤ እዞም መንእሰያት፤ ሕጊ ናይ ዝነብሩለን ዘለዉ ሃገራት ከኽብሩን ክምእዘዙን ከምዘለዎም፤ ክመዓዱን ክምሃሩን፤ ክእረሙን ክምርሑን ይግባእ እምበር፤ ንኽዳሃሉን ርእሶም ከምዘድኑኑን ዝግበር ጎስጓስ ንቓልሲ ዝዕንቅፍ ስለዝኾነ ንባዕሉ ክኹነን ይግባእ። እምበኣርከስ፤

ድሕሪ ደጊም
ንብልሒ መንእሰይ ኣይቶግድም
ቃልሲ ንፍትሒ ከይደክም
ቅስሚ መንእሰይ ኣይትስበር
ህዝባዊ ቃልሲ ከይዓብር
ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ከይሃጥር

ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከይዕንድር።

ወደሓንኩም!!
ዮውሃንስ ሃይለ 
ኦታዋ ፤ ካናዳ
24 መስከረም 2023