Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

‘ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ካብ ዝተመልሱ፣ ሓደ ‘ውን ይኹን ሓታቲ ዑቕባ ወይ ስደተኛ ኣይነበሮምን።’RSS

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ በብእዋኑ ክሕዝዎም ዝጸንሑ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ከምዝተሰጎጉ ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጻ።

መብዛሕቶም እቶም ኤርትራውያን፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው በብእዋኑ ኣብ ኬላታትን፣ ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ፣ ኣብ እንዳፑል መጻወቲን ካልእ ማእከላትን ኣብ ዝተኻየደ ግፍታታትን፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ የብልኩምን ተባሂሎም ተታሒዞም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ’ዮም።

እቲ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሰጎጎም ኤርትራውያን፣ ብመንገዲ ዓሰብ ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ዓሰብ ኣብ ዝኣተውሉ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከቡ ስድራቤታቶም ዝደወሉ ከምዘለዉ ራድዮ ኤረና ከተረጋግጽ እኳ እንተኸኣለት፣ ኣብዚ እዋን ናበይ ከምዝተወስዱ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ኢትዮጵያ ነቶም ኤርትራውያን ብኸምዚ ኣገባብ ዝሰጎገትሉ ምኽንያት መግለጺ ኣይሃበትሉን።

እንተኾነ፣ ብዛዕባ ምምላስ እቶም ኤትራውያን ብዝምልከት ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝወጸ ጸብጻብ ከምዘሎ ዝሓበረ፣ ወኪል ስደተኛታትን ተመለስቲን ኢትይዮጵያ(RSS)፣ ዛጊት ብዘካየዶ ምጽራይ፣ ብወግዒ ዝተመዝገበ ስደተኛ ይኹን ሓታቲ ዑቕባ ከምዘይብሎም ‘ዩ ኣመልኪቱ።

ብኣንጻር እዚ፣ ብጌጋ ኣብቲ ናይ ምምላስ መስርሕ ዝነበሩ ኣርባዕተ ምዝጉባት ስደተኛታት ከምዘድሓነ እቲ ትካል ብ25 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትይጵያ፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብግዴታ ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ’ዩ ጠቒሱ።

ምስጓግ ናይቶም ብዝሖም ብንጹር ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሻቕሎት ኣሕዲሩ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኩሎም እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን ክምዝገቡ ዝሓለፍ ዓመት ጻውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

ድሕሪ ‘ቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣትሒዙ፣ ብሕጋዊን ዘይሕጋዊን መንገዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ይነብሩ ምህላዎም ይፍለጥ።

ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብስምምዕ ደው ምስበለ’ውን እንተኾነ፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ብመንገዲ’ቲ ገና ተስፋ ሰላም ሓሪምዎ ዘሎ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ይቕጽልዎ ኣለዉ።