Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ስጡም መስርዕ`ዶ ብቱን መስርዕ ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል

እዚ ብኤርትራውያን መንሰያት፡ ኣብ ጊሰን ዝተወስደ ተባዕ ስጉምቲ ዓለም ኣዛሪቡ ኣሎ። እቶም ንዓመታት ዝተዛረቡ ሰብ ፍትሕን ደገፍቲ ፍትሕን ጥራይ ዘይኮኑ፡ እቶም ርእዮም ከም ዘይረኣዩ፡ ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ ቃል ኣተንፊሶም ዘይፈልጡ እውን ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ግዜ ዝብሉኹም ከምዚ ኢዩ።

ኣብ ክልተ መዓልታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ እታ “ብሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን” ኢላ ስማ ዘጠመቐት ናይ ህግደፍ “ማሕበረሰብን”፡ እታ ነዚ ተባዕ ስጉምቲ፡ ከምዘይሕባእ ፈሊጣ ሰብ ከተደናግር እተምቧህቕ ናይ ህግደፍ ጋዜጣን፡ ተራጻሚ ሓተታታት ኣውጺአን ኣለዋ። እታ ሓንቲ፡ እቲ ኣብ ጊሰን ዝነበረ “ፈስቲቫል”፡ ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ንምንጽብራቕ፡ ብኣብ ጀርመን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ዝተወደበ ኢዩ ክትብል እንከላ፡ እታ ኣብ ኤርትራ ዘላ መቓልሕ እትመልስ ጋዜጣ ከኣ፡ እዚ ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ “ፈስቲቫል”፡ መርኣያ ስጡም መስርዕ ኢዩ ክትብል፡ ዕላማ እቲ “ፈስቲቫል”፡ ፖለቲካዊ ምንባሩ ዳሕዲሓቶ ኣላ። እዚ ክልተ፡ ካብ ሓደ ሰብ፡ ብክልተ ትካላት ዝወጸ መግለጺ፡ ኣሽንካይዶ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ነቶም በሃልቱ እኳ ዘደናግር ኣይኮነን።

ፈስቲቫላት ኤርትራ፡ ንኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ንምግምማዕ ዝዓለመ እምበር፡ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ተባሂሉ ተጌሩ ኣይፈልጥን። ፈስቲቫላት ኤርትራ፡ ብዓንደ ርእሱ ኣንጻር ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ተባሂሉ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ዝተሃንደሰ ኢዩ። ከምቲ ናይ ጀርመን፡ ጨንፈር ህግደፍ፡ ከተረዳኣና ዝፈተነቶ ኔሩ እንተዝኸውን፡ ኣብቲ ድሕሪ ምእጋድ ፈስቲቫል ጊሰን፡ ንደገፍታ ተባሂሉ ዝወጸ ናይ ምጽንናዕ ሕቡእ ጽሑፍ፡ “ዓወት ንሓፋሽ” ኢሉ ኣይምደምደመን።

እቲ ዘገርም፡ እዛ ኣብ ጀርመን ዘላ ናይ ህግደፍ ጨንፈር፡ ምምሕዳር ከተማ ጊሰን ንቅዋማዊ መሰል ምእካብ (ዓንቀጽ 8) ከም እተጻረረ ኢያ እትኸስስ። “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ” በለ ኢዩ ነገሩ። እዞም ነዚ ጽሑፍ ከዳልዉ ዝረሃጹ ሰባት፡ ኤርትራ፡ ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ቅዋም ዘይብላ ዝብል ሓታቲ እንተዝረኽቡስ እንታይ`ኮን ምበሉ፧ መዓስ እዚ ጥራይ፡ ሓሳዊ ንሓሶቱ ስለ ዝኣምኖ ግዲ ኮይኑ፡ እዞም ኣብ ጊሰን ተባዕ ስጉምቲ ዝወሰዱ መንእሰያት ናይ ትግራይ ልኡኻት ኢዮም እውን ተባሂሉ ኢዩ። ትግራዎት ከምዘይምዃኖምን፡ ናይ ትግራይ ወይ ወያነ ልኡኻት ከምዘይኮኑን፡ እቲ ናብቲ ፈስቲቫሎም ዝኣቱ ዝነበረ ሰብ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ኢዩ።

ናይ ኣስመራ ሓተታ ስጡም መስርዕ፡ ነቲ ኣብ ጀርመን ብጨንፈር ህግደፍ ዝተባህለ፡ ሓሶት ምዃኑ ኢያ መስኪራ። ኣብ ደገ ዝግበር ፈስቲቫላት፡ ነቲ ናብ “ኤርትራ” ዝኣቱ ገንዘብ ሓጋዚ ምዃኑ ከኣ ኢያ እትግንዘብ። ስለዚ፡ ዕላማ እቲ ፈስቲቫል፡ ኣብ ደገ ዝቅመጥ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ንኹቕረንን ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ገባቲ ስርዓት ንምግባሩን እምበር ናይ ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ፋዕረ ሃልይዎ ኣይኮነን።

ኣብ ደገ ዝግበር ናይ ኤርትራውያን ፈስቲቫላት፡ ዋላኳ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን እንተጀመረ፡ እቲ ብህዝባዊ ግንባር ኣብ ቦሎኛ፡ ዓዲ ጣልያን፡ ዝካየድ ዝነበረ ዓመታዊ ፈስቲቫላት ግን፡ ካብ 1992 ክሳብ 1996 ኣይተኻየደን። ንሓሙሽተ ዓመታት ዝኣክል፡ ብትእዛዝ፡ በቲ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ዝተቖጻጸረ ህዝባዊ ግንባር ከም ዝድስክል ተጌሩ ኢዩ። እቲ ባህልን ልምድን ናይ ኣብ ደገ ዝቕመጥ ህዝቢ ኤርትራ ዝበሃል ቋንቋ ደኣ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝኣክል ናበይ ተሸርበ፧

እቲ ኣቐዲሙ ብህዝባዊ ግንባር ዝዝወር ዝነበረ ፈስቲቫላት፡ ኣብ ሓምለ 1997፡ ንካልኣይ ግዜ ምጅማሩ ከኣ ኣጋጣሚ ኣይነበረን። ብመደብ ተሓሲብሉ ዝተጀመረ ኢዩ። ነቲ ኣብ 1998 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክውላዕ ተሓሲቡ ዝነበረ ዘይተርፍ ኲናት፡ ካብ ኣብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ ፖለቲካውን ፋይናንሳውን ደገፍ ንምርካብ ተባሂሉ ኢዩ። ድሕሪ ምውላዕ ኲናት፡ ኣብየ ፈስቲቫላት ዝርአ ዝነበረ ዳንኬራ ናይ ትማሊ ዝኽሪ ኢዩ። ስለዚ ኢና እምበኣር፡ ፈስቲቫል ጊሰን መቐጸልታ ናይቲ ዓመት መጸ ዝግበር ናይ ውልቀ-መላኺ ፈስቲቫል ኢዩ ንብል ዘለና። እቲ ጭርሖ ስጡም መስርዕ፡ እቲ ግብሪ ብቱን መስርዕ ምዃኑ፡ ውዕሎ ጊሰን ንካልኣይ ግዜ ኣመስኪራ ኣላ። ነፍሲ ወከፍ ማዕጾ ምዕራብ ዓለምን ኤርትራን ኳሕኲሑ ዝኣተወ ድምጺ፡ ብክልተ ተራጻሚ ሓተታታት ንድሕሪት ክምለስ ኢልካ ምሕሳብ ከኣ ንድየት ጥራይ ኢዩ።     

ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል
13 ሓምለ 2023