Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

መልሲ “ንግዱሳት ሃገራውያን” መቓልሕ ህግደፍ

እዚ ጽሑፍ ዚ፡ ንገለ ካብ ‘ቲ ብ “ማእከልን ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራውያን” (Center for research and documentation) ተሰምዩ ዝዳሎ ናይ ህግደፍ መቓልሕ (Mouthpiece) ዌብሳይትዝተዳለወ ጽሑፋት መልሲ ንመሃብ ዝቐረበ ሰነድ‘ዩ።

ቅድሚ 3 ሰሙን ኣጀንዳ CIA ሕቡእ ምስጢራቱን ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ ድራማዊ ትረኻ ስዒቡ ‘ውን ክሳብ ሕጂ ብተኸታታሊ ትቕጽል ዘላ፡ ነታ AN AFRICAN REVOLUTION RECLAIMED እትብል (ኣብ ‘ዚ ቀረባ እዋን ብመስፍን ሓጎስን ብፕሮፌሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤልን ዝተደርሰት መጽሓፍ) ናይ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ Memoir“ኣብ ብሩዝ ትንታነ ዝተሰረተት ዘይታሪኻዊት ሰነድ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህበ ዝምቡዕ ክለሳ (Review)ገምጋመንምቕራብ ‘ዩ

ዝኾነ ታሪኽ ንምጥምዛዝ ንምድንጋርን ዝነጥፍ ኣካል ናይ ጸሓፊ/ከላሲ/ገምጋሚ ወይ ‘ውን ጉጅለ እንተ ይኖምሞምኣየቐምን፡ ዝተወከስዎም ምንጭታት (ብኣካል ዝተሳተፉ ሰባት፡ ኣብ እዋኑ ይኹን ድሒሮም ዝተሰነዱ ጽሑፋት) ኣይጠን። እቲ ዝኸፍ ድማ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም እቲ ጽሑፍ ብናይ ብርዒ ስም ወይ ‘ውን ጃንዳ ኣዳለውቲ ከም ዝዝርጋሕ ይገብሩዚ ጽሑፍ መን ከም ዘዳለዎ ሓፈሻዊ ገምጋም ይሃልወኒ እምበር ብንጹር ንመን ይምልስ ከም ዘለኹኣይፈልጥን

ካብ ዘሎኒ ተመክሮን (ናይ ‘ቲ ዝሓለፈ ናይ ህግሓኤ ቃልሲ ኣባልምንባረይ: ብድሕሪኡ ዝቐጸለ ምዕባሌታት ‘ውን ብኣካል እከታተሎ ምህላወይ): ነዚ ተዘርጊሑ ዘሎ ዝምቡዕ ሓበሬታኣዳናጋሪ ገምጋምን ነቲ ንዓይ ቅኑዕ ኮይኑ ዝስመዓኒ መልሲ ሓላፍነት እስከም ክፋል ናይ ‘ዚመስፍን ሓጎስ ኣዳልይዎ ዘሎ ታሪኻዊ ጽሑፍ፡ ኣብ ‘ቲ ኣነ ዘይነበርኩሉ እዋን ብኣካል ዘርከብሉን ዝነበሩ ስለ ዘለዉ፡እቶም ብቐዳማይ ደረጃ ታሪኽ ክስንዱ ዝግብኦም ነዚ ሓድሽ ትውልዲ ይኹን ናይ መጻኢ ትውል ግቡእ ሓበሬታ ከመሓላልፉ ዝግብኦም ንሳቶም ክኾኑ ባእ እኳ እንተ ነ(ኣብ መስርሕ ምስናድ ዘለዉ ‘ውን ክህልዉ ኽእሉ)ኩላትና ኣበርክቶ ክህልወና ታሪኻዊ ሓላፍነትና ‘ዩ፡ ካብ ‘ቲ ዘሎኒ ሓብሬታ ተበጊሰ ድማ ገለ ክብል ኣፍቅዱለይ

ኣብ ‘ታ “ኣጀንዳ CIA‘ን ሕቡእ ምስጢራቱን” እትብል  ቀዳመይቲ ጽሕፍቲ ብዙሕ ኮለል ኣይክብልን ‘የ፡ እንተ ኾነ እቲ ጽሑፍ ነቲ ገረዝጊሄር ውጩ ኣብ ኲናት ባጽዕ ኣሕቢርካ በለና ዝበሎ ኣዘኻኺራትኒ ነዞም ኣብ ግዳም (ድያስፖራ) ዘሎና ነባራት ተጋደልቲ ብኣልማማ ኣሕቢሮም መሳርሒ ወያነን CIAMI6ን ኢሎም ከሲሶምና። እቲ ምንጪ ካብ ናይ ትግራይ ውግእ ዝተረኽበ ኣስታት 1000 ዝኾኑ ዝርዝር ኣስማት ዝሓቖፈ ከም ዝኾነ ጠቒሶም፡ ንመረዳእታ (Evidence) ዘቕረብዎ መርትዖታትግን የልቦን

ቀለልቲ ኣብነታት ጠቒሰ ክሓልፍ ‘የ።

ገለ ካብ ‘ቶም ናይ ወያነ መሳርሒ ኢዮምሎም ጠቒሶሞም ዘለውኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ውሽጢ ምድሕርሓርን ኣብ ልዕሊ ናይ ግዳም ተጻብኦታትን ብቐንዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ንጹር ኣረኣእያ ዘለዎ ኣንጻሩድማ ኣበርቲዑ ዝጉስጉስ፡ ካብ ኣንጻር ወያነ ዘለዎ መርገጺተበጊሶም ደምበ ተቓውሞ “ካብ ህግደፍ ኣይተገላገለን” ብምባል ዝኸስዎ፡ ዝኾነ መረዳእታ ከየተሓሓዙ ናይ ህወሓት ሰላዪ እዩ ኢሎም ክኸስዎ ዓጀብ ዘብል ጥፍሽና ምዃኑ ንኹሉ ንጉዕዞ ታሪኽ ኤርትራ ዝከታተል ብሩህ ይመስለኒ። እዚ ብዙሕ ኮለል ዘየድልዮ ኮይኑ፡ ጽሑፋትን መደረታትን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ምክትታል (Eri-Platform) እኹል መስለኒ

ኣስዒበ ኣብ ነብሰይ ክምለስ፡ ርሑቕ ከይከድኩ ገለ ካብ ‘ቲ ንኣረኣእያይ ዘነጽር ኣብ ‘ዚ ቀረባ እዋን ኣብ Club House, Eritrea First ኣብ ዘካየድክዎ ርክብ  ኣንጻር ናይ ደገ ምትእትታው ብፍላይ ድማ ኣንጻር ህወሓት ዘሎኒ መርገጺ ምንጻር ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣብ ደምበ ፍትሒ ኣሎና እናበሉ ንምትእትታው ናይ ህወሓት ዝድግፉ ቀይሕ መስመር ዝሰገሩ ከደዓት (ነዚ ሕጂ ምሳና ኣሕቢሮም ናይ ወያነ ኢሎም ጠቒሰሞ ዘለዉን ሓደ ሓደ ካልኦትን) ከም በዓል ዮሴፍ ገብረሂወት ህዝብና ከስተብህለሎምን ክቃለሶምን ዘለዎ ምዃኑ ብንጹር ኣቐሚጠዮ ኣለኹ (Linkተተሓሒዙ ቀሪቡ ኣሎ)

እቶም ኣብ ‘ዚ ናይ ወያነ ሰለይቲ ተባሂልና ቀሪብና ዘሎዝተጠቐስናን ዘይተጠቕሱን ዝርዝር ኣስማት ኣዝዩ ብዙሕ ኮይኑ፡ ብፍላይ እዞም ተጠቒሶም ዘለዉ፡ መብዛሕትኦም እቶም ተሰማዕነት ሃልይዎም ህግደፍ ከስግኡኒ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ዝፈርሖም ጸለውቲ ሰባት ምዃኖም ዘካትዕ ኣይመስለን፡ ነብሲ ወከፍ ኣምባቢ ባዕሉ መምዩን ኣለልዩ ካብ ‘ቶም ዉሑዳት መሳርሕቲ ወያነ ፈልዩ ብምውጻእ ኣብ መደምደምታ ክበጽሕ ስለ ዘየጸግም፡ እቲ ዕማም ንኣንባባይ ሓዲገ ናብ ‘ቲ ካልኣይ ኣርእስቲ ክሰግር ‘የ።

AN AFRICAN REVOLUTION RECLAIMED (Memoir)

ብመስፍን ሓጎስን ብፕሮፌሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤልን ዝተደርሰት መጽሓፍ

Reviewer ስም ኣይተለምደን!   (ጃንዳ “ማእከልን ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራውያን”)

ኣርእስቲ፡ “ኣብ ብሩዝ ትንታነ ዝተሰረተት ዘይታሪኻዊት ሰነድ”

ከላሳይ “ገና ገንጺለ ከየንበብክዋ፡ ጸሓፍን ኣርታዕን ዶ/ር ዓወት ወልደሚካኤል ምዃኑ ኣብ ገጽ ናይ ‘ታ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ፡ ትሩፍ ድሕሪ ደጊም ብምባል ‘የ ርእሰይ ሒዘ” ክብል ‘ዩ ዝፍልም። ከላሳይ ስለምንታይ ኮን ይኸውን መጽሓፍ ከየንበበ ናብ ፍርዲ ዘሊሉ? ኣርታዓይ ኣእምሮ ደራሳይ ሰሚዑን ኣምቢቡን ካብ ትረኻ ናይ ደራሳይ ተበጊሱ ነቲ ደራሳይ ዝሰማምዓሉ ታሪኽ ምቕማጥ እዩ ዕማሙ። እቲ ንዓኻ ዘሰምበደካ ግን እቲ ንስኻ ዘይለመድካዮ ክትሰምዖ ዘይትደሊን ካብ ምቁጽጻር (censorship) ነጻ ዝኾነ ብዝወዓለ ዝተተረኸ ታሪኽ ክውን ምዃ ስለ ዝተሰወጠካ ዶ ይኸውን?ሕጂ ‘ውን፡ ካብ ‘ቲ ብደረጃ (Freedom of Press) ናይ ምጽሓፍን ምዝራብን ነጻነት ዘየፍቅድ ስርዓት ወጻኢ ዘዳልዎ ዘለኹስም ጸሓፊ ርኢኻ ከይሰምበድካ ኣብ ትሕዝቶ ኣቲኻ ክትርድኦን ክትምሃረሉ ክትፍትን እምሕጸነካ።

ከላሳይ ኣስዒቡ “ነዛ መጽሓፍ ገምጋመይ ክህበላ እንከለኹ፡ ንታሪኽን ኣበርክቶን ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ከቆናጽብ ኣይኮንኩን ይብል። ኣብ ‘ዚ ከላሳይ ኣቕሪብዎ ዘሎ ገምጋም ግን፡ ካብ ኣርእስ ጀሚሩ፡ እንትርፎ ንተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ዘቆናጽብን ታሪኹ ዝድውንን ካልእ ንጅግንነታዊ ታሪኽ መስፍን ሓጎስ ዝገልጽ ዋላ ሓንቲ ንጣብ ኣየንበብኩን። ንምዃኑ ኣብ ትሕቲ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰል ዘየፍቅድ ስርዓት ኴንካ ሚዛናዊ ዝኾነ ገምጋም ከተቕርብ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ምዃኑ ስለ ዝርድኣኒ ብዙሕ ኣይገረመንን

ከላሳይ እንታይነቱ ስለ ዘይበርሃለይ ሚዛን ጽሑፉ ንክርዳእተጋዲሉ ኣብ ጥቓ መስፍን ሓጎስ ኮይኑ ኣገልጊሉ ይፈልጥ ዶይኸውን? ናይ ታሪኽ ምሁርን ናይ ምርምር ሰብን ኮይኑ ዝፈልጦን ዘዋህለሎን ፍልጠት ሃልይዎ ዶ ኾን ይሓናጥጥ ይህሉ? ኢለ ተገምጢለ ንነብሰይ ሓቲተያ። ተምሃራይ፡ ምሁር፡ተጋዳላይ፡ ሰራሕተኛ፡ ገባራይ፡ ስደተኛ ……….. ፈጺ መዓልቦ ክረኽበሉ ኣይከኣልኩንብ ‘ቲ ዝምቡዕን ዘይምርምራዊ ኣቀራርባ ገምጋ ይኹን ካብ ተመኩሮኡ ጠቒሱ ወይ ‘ውን ኣብ መናዕቲ ተሞርኪሱ ዘቕረቦ ነጥቢ ስለ ዘይብሉ ግን ናይ ሓደ ንመስፍን ብቐረባ ዘይፈል ተልመዴን ከላሳይ (amateurreviewer) ኮይኑ ‘የ ረኺበዮ

ኣብ ‘ቲ ዝቐረበ ገምጋም ሓደ ክልተ እናበልኩ ክቕጽል፡

1. ኣብ መፈለምታ ገምጋሙ፡ “ ናይ ትዕቢት ባህሪኡ ከይተርፎ ኣብ ‘ዛ መጽሓፍ እዚኣ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ኣብ ነብሰ ምዕባይን ኣንነትን ዝተጎብአ ጽሑፍ ‘ዩ ጽሒፉ” ኢሉ ‘ዩ ጀሚሩ። መስፍን ከም ባህሪ ኣዝዩ ሑት፡ ጥንቁቕ፡ ተሪር፡ ንዝገበሮ ጌረ ዘይብል፡ እንትርፎ ኣብ ቁም ነገር ኣብ ሸብዳዕዳዕ ግዚኡ ዘይቀትል፡ ብጻዕሩን ብሓርኮትኮቱን ካብ ተራ ጓሳ ክሳብ ናብ ህቡብን ብቑዕን ወተሃደራዊ መራሒ ዝደየበ፡ ናይ ምንባብ ልምዲ ኣጥርዩ ወተሃደራውን ፖለቲካዊ ብቕዓቱ ክብ ዘበለ ተባዕ ተቓላሳይ ምዃኑዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ኩሉ ኤርትራዊ ዝምስክሮ ሓቂ ‘ዩ። ከም ኩሉ ፍጡር ድማ ናቱ ድኽመታት ይህልዎ ይኸውን፡ ኣብ ‘ዛ ዓለምና ምሉእ ሰብ ክሳብ ዘይተፈጥረ።ኣብ ‘ዛ መጽሓፍ ቀሪቡ ዘሎ ታሪኽ ድማ ብወገነይ 100% እዩ ‘ኳ እንተ ዘይበልኩ፡ ንናይ ታሪኽ ተመራመርቲ መበገሲ ዝኸውን ዓሚቕ ትሕዝቶ ዘለዎ ኮይኑ እየ ረኺበዮ።

2. ኣስዒቡ ንወተሃደራዊ ብቕዓት መስፍን ሓጎስ ብምስትንዓቕ፡ “ሓደ ካብ ‘ቶም ኣብ 6ይ ወራር፡ ጸላኢ ልዕሊ ዓቕምና ‘ዩ ብምባል ክዋጋእ ዘይመረጸ መራሒ እዩ ነይሩ” “ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነዚ ኲናት ኣይገጥምን ‘የ ዝበለ ሱዳን ኣዕሪፉ ክምለስ ይኽእል እዩ ኢሉ መሊስሉ” ክብል ክውንጅሎ ፈቲኑ ከላሳይ ብዛዕባ ታሪኽ ወተሃደራዊ ብቕዓት ህግሓኤን ኣመራርሕኡን እንዶ ዘለዎ ኣይመስለንን። ብዛዕባ መን ይዛረብ ከም ዘሎ ‘ውን ዝፈልጥ ዘሎ ኣይመስለንን። ብዛዕባ ‘ቲ ዓለም ምስ ናይ ዴን በን ፉ (Dien Bien Phu) ኲናት ዘነጻጸሮ መሪሑ ናይ ናደው ግንባር ዘፍረሰ ብዛዕባ ‘ቲ ናይ ኣፍዓበት ኲናት ዝመርሐ መስፍን ሓጎስ ይሓናጥጥ ምህላዉ ዝተሰወጦ ኣይመስለንን። ብዛዕባ እቲ ንኤርትራ ነጻ ኣብ ምውጻእ ንስርዓት ደርጊ ናይ መጨረሽታ ቅላዕ ሂቡ ካብ ኣስመራ ንክጽረግ ዝገበረ ናይ ግንባር ደቀምሓረ ውግእ ዝመርሐጅግና መስፍን ሓጎስ። ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ነጻነት ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ሓላፊ ዞባ ደቡብ ዝነበረን መስፍን ሓጎስ። ኣብ ናይ ውትህድርና ዓለም መስፍን ሓጎስዝሓለፎ ተመኩሮ ኣዝዩ ሰፊሕ ኮይኑ፡ ኣብ ‘ዛ መጽሓፍ ተጻሒፉ ዘሎ ‘ውን ኣዝዩ ዉሑድ ምዃኑ ኣዘንቲኻ ውዳእ ኣይኮነ። ተስፋ እገብር ሓደ መዓልቲ እቲ ካብ ታሪኽ ተሓቢኡ ዝነብር ዘሎ መራሒኻ ነዚ ናይ ወዲ ሓጎስ ጅግንነት ክትርኽን ኮፍ ኣቢሉ ክምህረካን።

3. “ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ሓለፋታት ተጌሩሉ ኣብ 3ይ ጉባኤ ከም ዝሳተን ክሳብ መሪሕነት ከም ዝመጽን ተጌሩ ‘ዩይብል ከላሳይ። ኣብ ‘ዛ ነጥቢ እዚኣ እቲ ዝነበረ ኩነታት ባዕለይ ዝወዓልኩሉን ዝተዋሳእኩሉን ስለ ዝነበረ፡ እዚ ጽሒፍካዮ ዘሎኻ ቶም ኣይፈልጡን ‘ዮም ትብሎም፡ ተሓቢእካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድር ኣብ ናቕፋ እንተመሃርካሉ ይሕሸካ። ምኽንያቱ ንምርጫ 3ይ ጉባኤ ዝተኸታተለ ሰብ፡ መስፍን ሓጎስ ሓደ ካብ ‘ቶም ብናይ ሓፋሽ ሓይሊ ዝለዓለ ድምጺ ኣባል ፈጻሚሽማግለ ኮይኑ ዝተመርጸሉ እዋን ዩ ነይሩ። መን እዩ ኸ እቲ ሓለፋታት ዝዕድልን ዝኸልእን? እዚ ሕጂ ንዓኻ ሓንጥጥ ኣይትሓንጥጥ ኢሉ መምርሒ ዝህበካን፡ ዝበለካ እንተ ዘይጌርካ ድማ ጦርጦስካ ዘእትወካ ኢሳያስ ድዩ?

4. ”ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ፡ ኣብ ታሪኻዊ ጉዕዞኡ ብዙሕ ጌጋታት ዝነበሮን ብሳላ ‘ቲ ውድብን ኣበርክቶ መጋድልቱን ናብ ላዕለዋይ ደረጃ መሪሕነት ከም ዝመጸን ይፍለጥ” ክብል ‘ውን ጽሒፉ ኣሎ እዚ ድርቡሽ ከላሳይ። ኣብ ‘ዚ ነጥቢ ‘ውን ብዙሕ ኮለል ከይበልኩ፡ ኣይኮነን ‘ዶ ኣብ ከም ናይ መስፍን ሓጎስ ዝሓለፎ ነዊሕ ናይ ቃልሲ ሓርጎጽጎጽ፡ ነዛ ዘይትጠቅም ክለሳ ክትገብር ‘ውን ብዙሕ ኢኻ ተደርቢሽካ። ተጋደልቲ ህግሓኤ ድማ ኣብ በረኻ ዩኒቨርሲቲ ኣይነበረናን፡ ኩላትና እናተኣራረምናን ካብ ጌጋታትና እናተመሃርናን እናተሓጋገዝናን ኢና ክንዓብን ኣብ መጨረሽታ ድማ ሸቶና ክንወቅዕ ክኢልና። ኣብ ‘ዛ ነጥቢ ‘ዚኣ ግን እንታይ ክትብል ከም ዝደለኻ ፈጺሙ በርሃለይ

ከላሳይ ኣስዒቡ፡ ምስ መጽሓፍ ኣተሓሒዙ ንተራ ተጋዳላይ መስፍን ኣብ ኣፈታትሓ ውሽጣዊ ግርጭታት ህሓኤ/ህግሓኤ ኣመልኪቱ ነዞም ዝስዕቡ ነጥ ጠቒሱ። “መስፍን …. ነባር ተጋዳላይ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ‘ውን ውሳነ ከም ዝወሰነ ሰብ ከም ዝነበረ ዝረስዖ ይመስል” ይብል።

ኣብ ውሽጢ ህሓኤ/ህግሓኤ ብዝተወደበ መንገዲ ኣብ ናይ ስልጣን ሕድሕዳዊ ቁሩቁስ ዝተንቀሳቕሳ ሰልፍታትን ጉጅለታትን ምንቅስቓሳት እዘን ዝስዕባ ‘የን ነይረን።

ሀ.  ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዕለት 4፡ 1971 ኣብ ገደም ዝተመስረተኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰል ቀጺሉ ድማ ኤርትራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ዝተሰምየ (ኤህሰስ/ኤማሰ) ብኢሳያስ ዝምራሕ ሕቡእ ማርክ ለኒናዊ ገዛኢ ሰልፊ

ለ. ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ 1973፡ ብኣጸዋውዓ ናይ ‘ቲ ገዛኢ ሰልፊ ናይ 1973 ኣዕናዊ ምንቅስቓስ (መንካዕ)፡ ብኣጸዋውዓ ናይ ‘ቶም ተንቀሳቐስቲ ድማ ናይ 1973 ኣራሚ ምንቅስቓስተባሂሉ ዝተሰምየ ጉጅለ።

ሐ. እንተ ዘይተጋግየ ኣብ 1974/1975 ዝቖመት ብጻይ ጎይቶኦም በርሀ እትምራሕ ኤርትራዊ ሰውራዊ ሰልፊእትብል ሕ ሰልፊ

መ. ኣብ 1976 ድማ ብሰለሞን ወልደማርያም እትምራሕ ናይ የማን (የሚን) ምንቅስቓስ።

እተን በቲ ብኢሳያስ ዝምራሕ ኣብ ሀ ተጠቒሱ ዘሎ ገዛኢ ሕቡእ ሰልፊ ኤህሰሰ፡ ብ“ፖለቲካዊ ዝምባለ” (Deviation) ኸሲሰንገለ ካብ ኣባላተን ኣብ ህሓሓሔ/ህግሓኤ ክሳብ ደረጃ ናይ ሞት ስጉምቲ ተወስደሎምካብ ለ ክሳብ መ ተጠቒሰን ዘለዋ (ጉጅለ/ሰልፊ/ምንቅስቓስ) እየን ጉዳይ ኣወሳስና ዝምልከት ኣብ ታሕቲ ከስዕቦ ‘የ።

ናይ 1973 ብስም “መንካ” ዝጥቀስ ምንቅስቓስ ኣብ ሜዳ ኣብ ዘይነበርኩሉ እዋን ዝተኸስተ ፍጻሜ ዃኑከም ‘ቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ፡ እቶም ዝወዓሉ ዝርዝርዝተመርጸ ምኾነእንተ ኾነ፡ እቲ ኣነ ከም መወከሲ ዝተጠቐምኩሉ፡ ብቐንዳ እዛ ሕጂ ትግምገም ዘላ ናይ መስፍን ሓጎስ መጽሓፍ እታ መዓስ ከም ዝተዳለወት ዕለት ዘይተጻሕፈላ ኣብ መጀመርታ ናይ 1976 ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ብኢሳያስ ሰሚናር ተኻይዱልና (ብኢሳያስ ዝተዳለወት ናይ 1973 ኣዕናዊ ምንቅስቓስ እትብል ጽሕፍቲ)፣ ካብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድር ኣብ 1978፡ ብሃይለ ድሩዕን ኣሕመድ ኣል ቀይስን ዝተዋህበና መግለጺ ዝሓዝክዎ ጽሑፋት፣ ብወገን ናይ 1973 ተንቀሳቐስቲ፡ ብመንገዲ ተስፋሚካኤል ተኽለብርሃን (ቅሱን)ኣብ ‘ቲ እዋን ኣባል ናይ ‘ቲ ምንቅስቓስ ዝነበረ ኣብ You Tubeተዘርጊሑ ዘሎ ብዛዕባ መንካዕ ዝሃቦ ሓበሬታ ምስ ኣባላት መንካዕ ነበር ዝገበርክዎ ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተኸታተልክዎ ናይ ዶር ጋይም ክብረኣብ ኣብ 2008 ዝተደርሰት “Critical reflections on the Eritrean war of independence እትብል መጽሓፍ ምርኩስ ብምግባር ‘የ።

ናይ 1973 ምንቅስቓስ ገስጋሲ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ድዩ ነይሩ ወይስ ኣዕናዊ ዝብል ሕቶ፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት፡ ማለት ብጸግዒ ናይ ህሓሓኤ መሪሕነት፡ ብደገፍቲ ናይ ‘ቲ ምንቅስቓስ ዝነበሩን ዝተፈላለየ መግለጺ ክወሃብ ‘ዩ ዝስማዕ። ብፍላይ እቶም ናይ ‘ ምንቅስቓስ ደገፍቲ፡ ካብ ‘ቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ መንካዕ ተንቀሳቐስቲ ዝተወስደ ኣሰንባዲ ስጉምቲ ዝሰዓበ ጸቕጢ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ይኹን፡ ስዒቡ ‘ውን ኣብ ድሕሪ ነጻነት ኣብ ውሽ ሃገር፡ (ኣባላት ናይ ‘ቲ ገዛኢ ሰልፊ ክሳብ ሕጂ ኣብ መሪሕነት ስለ ዘለዉ)፡ ብዛባ እኣርእስቲ እንኳን ዶ መጽሓፍ ክጸሐ፡ ዓው ኢልካ ‘ውን ዝከኣል ይነበረን/ሕጂ ‘ውን ኣይከኣልን። ክንዲ ዝኾነ ድማ፣ ብወገን ደገፍቲ ናይ ‘ቲ ገዛኢ ሰልፊ ከም ኣዕናዊብደገፍቲ ናይ ‘ቲ ምንቅስቓስ ድማ ኣብ ድያስፖራ ከም ገስጋስንኣራምን ምንቅስቓስ ምንባሩ ክግለጽ ጸኒሑ። ኩሎም እቶም ኣብ ‘ቲ እዋን ዝነበሩ ኣብ ደገ ዘለዉ ምሁራት ገዳይም ተጋደልቲ ከም ‘ዚ መስፍን ሓጎስ ወሲድዎ ዘሎ ተበግሶወሲዶ መጻሕፍቲ ኣዳልዮም እቲ ዝነበረ ኩነታት ብብሩህ ከሕብሩ ንዝነበረ ሓቅታት ክገልጹን ኩሉ ሃገራዊ ዜጋ ድማ ሓቀኛ ኣፍልጦ ንክህልዎ እጃሞም ከበርክቱ ደጊመ እምሕጸን

ካብ ‘ቲ ብወገነይ ምርምር ኣካይደ ዝኣከብክዎ ሓበሬታ፡ ነቲ ምንቅስቓስ ዘበገ ዘየሰማምዕ ነጥብታት: ኣብ መንጎ ኣባላት መሪሕነትን ተንቀሳቐስትን ዝተፈጥረ ናይ ኣነ ካባኻ ይሓይሽ ዝብ ስምዒታት ዝደረ ኮይኑ፡ ነታ ክርቢት ክትሽርጠጥ መበገሲ ባይታ ዝፈጠረ ኣጋጣሚ ኣብ ‘ቲ ኣብ መንጎ ኣባላት መሪሕነት 2ይ ወገን ህሓ ኣብ መንጎ ሰለሙንን/ እዮብን ኣስመሮምን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ኣብ ዕለት 18 መስከረም 1973 ዝተጋብአ ናይ ካልኣይ ወገን ናይ 11 ተጋደልቲኣኼ ሕጋውነት ከም ኣርእስቲ ተላዒሉ፡ ስዒቡ ውን ተጋባእቲ ጸግዕታት ሒዞም ኣብ ቆይቅን ዕግርግርን ኣትዩ እቲ ክፍታሕ ዝተደልየ ሽግር መዕለቢ ይረኸበ ጫሌዳታት ፈጢሩምፍንጫል ናይ ‘ቶም 2 ጉጅለታት ግሁድ ኮነ። ስዒቡ እቲ ጉዳይኣብ ስፍሕ ዝበለ ኣባላት 1ይ ወገን ዝተሓወስ ንክፍታሕ ብዕለት 26 መስከረም 1973 36 ካድረታት ዝተረኽብሉ ኣኼባ ተጋብአ። ነቲ ጉድለታት ተባሂሉ ዝቐረበ ነጥብታት፡ ኩሎም ሸነኻት ኣብ ክንዲ ብህዱእን ሰላማዊ መንገድን ፈትሕዎዝፍትኑ ኣብ ምትህልላኽ ኣትዮም፡ ጸግዕታት ወሲዶምዕግርግር ኮይኑ ሙሴ ተስፋንኪኤል ኣብ ‘ዚ ውድብ  ዲሞክራሲ/ሕጋውነት የልቦን፡ እዚ ውድብ ናይ ሓደ ክልተ ሰባት መንዲል እዩ …… ወዘተ ዝብሉ ቃላት ኣውሪዱ ጸጋይ ቀሺ ንሙሴ ብሰደፍ ጠበንጃ ኣብ ምንጋግኡ ሃሪ ኣውዲ እቲ ኣባ ብዘይ ዝኾነ ፍረ ተዛዚሙ።

ዝርዝር ናይ ‘ በቶም ተንቀሳቐስቲ (ብሙሴን ኣፈወርቅን) ተጾሚ ዝቐረ ነጥብታትን ብወገን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተዋህ መልስታትን፡ ነዊሕ እዩ: እቶም ከተንብቡ ትደልዩ ድማ እታ ጽሕፍቲ ኣብ ናይ ረድኢ መሓሪ “ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ” እትብል መጽሓፍ ኣብ መጨረሽታ ከም ጥብቆ ኮይና ተተሓሒዛ ቀሪባ ኣላ።  

ድሕሪ ናይ 36 ካድረታት ኣኼባ ብዘይ ዝኾነ ምርድዳእ ምፍንሓ፡ መሪሕነት ህሓሓኤ ዘሎ ዓቕ ወዳዲ ነቲ ዝቐረበ ተጻራሪ ርእይቶታት ናብ ሓፋሽ ብምውራድ ነቶም ተንቀሳቐስቲ ንምውቃዕ፡ ኣብ  ዕለት 6 ሕዳር 1973 ካብ ነብሲ ወከፍ ሓይሊ 6 ተወከልቲ ንክለኣኹ ኣዘዘ ኣስታት 70 ዝኾኑ ተጋደልቲ ምስ ተኣከቡ እቶም ተንቀሳቐስቲ ተቓዊሞሞ እቲ ኣኼባ ተቛረጸ

እቶም ተንቀሳቐስቲ ‘ውን ድሒሮም እታ መሪሕነት ኣብ ዘይነበረትሉ ተባሂሎም ዝኽሰስሉ እንተኾነ ኣብ ናይ ኣል ኣሚን መሓመድ ስዒድ ህላወ ናይ መሪሕነት ምንባሩ ዝጸሓፈሉ (Al Amin 1994: 49-50)፡ ሓንቲ ካብ 10 ሰባት ዝቖመት 10 መዓልቲ ዝዕድሚኣ መርማሪት ኮሚተ ተመሪጻ ክስታት ክእክቡ ግዜ ወሲኾም ክሳብ 700 ዝኸውን ክስታት ኣኪቦም ነቲ ክስታት ኣብ 13 ነጥብታት ጾሚቖም ነቶም 70 ተጋደልቲ ቕረቡሎም።ኣኼበኛ” ብኻልእ ሸነኽ ‘ውን መሪሕነት ነቲ መበገሲ ናይ ‘ቲ ጽሟቕ  ዝኾነ 700 ክስታት ክሰምዑ ሓቲቶም ኩሉ ዝተኣከበ ክስታት ተነክስታት ምስ ተነበ ገለ ካብ ‘ቶም ተጋባእቲቲ ዝቐረበ ዝርዝር ክስታት ኣይተቐበልዎን። ኣብ መደምደምታ፡ ካብ ሓይልታትን ክፍለ ስራሓትን ዝሳተፍ  ንመሰል ተጋደልቲ እትሕሉ፡ ንመሪሕነት እትቆጻጸርን ነቲ ወረቓቕቲ እትምርምርን ሓዳስ ኮሚቴ ክትምረጽ ተወሲኑ።

ስዒቡ ኣብ ዕለት 9 ታሕሳስ 1973 ነታ መሰል ተጋደልቲ እትሕሉን እትቆጻጸርን እትምርምርን ሽማግለ ንምምራጽ፡ ኣስታት 65 ዝኾኑ ካበየ ክፍለ ስራሕትን ሓይልታትን ተኣከቡ። ቁጽሪ ናይ ‘ቶም ዝምረጹ 11 ኮይኖም፡ 9 ካብ ‘ቶም ተጋባእቲ 2 ድማ ካብ ‘ተን ኣብ ቅድመ-ግንባር ዝነበራ ሓይልታት ክኾኑ ኣኼበኛተሰማሚብ ‘ቲ ብብዙሕ ምስሕሓብን ቆይቅን ዝተኻየደ ኣኼባ 9 ሰባት ተመሪጾም። ስዒቡ እተን ክልተ ሓይልታት ናይ ከበሳ  ተሳሒበን ናብ ሳሕል ምስ መጻ፡ ነቶም ዝተረፉ ክልተ ኣባላት ቅድሚ ምምራጸን፡ ብመሪሕነት ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣጻራይት ሽማግለ ተመሪጻ፡ ነቲ ብተንቀሳቐስቲ ዝቐረበ ነጥብታት ውዱቕ ገበረቶ እቲ ዝቐረበ ክስታት ‘ውን ሓሶት ምዃኑ ገለጸት። ብድሕሪኡ እቶም ተንቀሳቐስቲ ማይክሮፎን ሒዞም ናብ ጎቦታት ብምድያብ ጭርሖታት ከስምዑ ተራእዮም። ገለ ካብ ‘ቶ ነቲ ናይ ‘ቶም ተንቀሳቐስቲ ተግባር ዝተቓወሙ ብረት ኣዓሚሮም ክስዕብዎም ፈቲኖም ኣባላት መሪሕነት ነቲ ኩነታት ኣተሃዳዲኦሞ።

እቲ ዝነበረ ሃዋሁ ነቲ ዝነበረ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ግምት የእተብ ዘለፋታት ሓሊፉ ክሳብ ኣብ ብረት ምትዕምማርዝበጽሐ መሪሕነት ክወርድ ኣለዎ የብሉን ኣብ ዝብል ናይ ስልጣን ቁሩቁስ ተኣትዩ፡ እተን ጉጅለታት ኣብ ምትፍናን ኣትየናሉ ዝነበ እዋን ‘ዩ ነይሩቀጺሉ ምትህልላኽ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዓሪጉ: እቶም ተቐናቐንቲ ውሽጣዊ ጥሙሓቶምን ቆይቆምን ዓጂብዎም፡ ኩነታት ጸላኢ ኣብ ግምት የእትዉ እዋናት ‘ዩ ነይሩ:: ክሳብ ሬድዮታት ጠፊአን ጸላኢ ዝተጸዖም እዋናት ‘ውን ኣጋጢሙ ነይሩ ‘ዩ ርሕቀት ናይ ጸላኢ ኣብ ግምት የእተንሓደጋ ከሳጥሕ ዝኽእል፡ ክሳብ ኣብ ጎቦታት ደይብካ ብማይክሮፎን ሕድሕድ ምዝልላፍን ብረት ምትዕምማርን በጺሑ ተንቀሳቐስቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ድሕሪ ምእታዎም፡ እቲ ኣብ ‘ቲ እዋን ንኩነታቶም ክቆጻጸርሓላፍነት ዝወሰደ ወልደሚካኤል ሃይለ፡ ብወገን ኩሉ ናይ ዲሲፕሊንን ዕንደራን ጉድለታት ምንባሩ ከም ዝገለጸ ይንገር (ናይ ተፋሚካኤል ተኽለብርሃን /ቅሱን/ ዩ ትዩብ)።

እቲ ኣብ መሪሕነት ዝነበረ ኣካል ይኹን ናይ መንካዕ ኣንቀሳቐስቲ፡ ኣውራጃውያን ‘ዮም ነይሮም ኢልካ ንኽትድምድም ዘጸግም ‘ኳ እንተ ኾነ፡ ዕላምኦም ንክወቕዑን ሰዓብቲ ንከብዝሑን ግን ከም ስልቲ ንሰባት መወደቢ ይጥቀምሉ ምንባሮም ካብ ‘ቲ እቶም መሕቲ ናይ ክልቲኡ ሸነኻት ኣብ ሕድሕዶም ዝወናጀልሉ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ እቶም ተንቀሳቐስቲ ሓማ ስዒራ ኣከለ ተሳዒራ ሰምሃር ተደሪራ ….. ወዘተ ኢሎም ተባሂሎም ክኽሰሱ ከለዉ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ ኣንጻር ናይ ሓማሴን ዕብለላ ዝቐንዐን ማዕርነት ናይ ኩለን ኣውራጃታት ዝጠልብ ኩለን ኣውራጃታት ብሓባር ይሰጉማ ዝብል ጭርሖታት እዩ ነይሩ (ናይ ቅሱን ዩ ትዩብ) ኢሎዝገልጽዎ ‘ውን ኣለዉ እዚ ድማ ንደረጃ ምዕባለ ማሕበራዊ ኣቃውማ ሕብረተሰብና ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ንኬል ጽልዋታቶም ንምዕባይ ኣውራጅነት ተራ ክነብሮ ከም ዝኽእልን፡ ይጥቀምሉ ምንባሮም ንኽትርዳእ ዘጸግም ኣይኮነ

ኣብ መጨረሽታ ኣብ ዕለት 30 ወርሒ ሰነ 1974 ናይ መሪሕነት ኣኼባ ነቲ ፈራዲት ኮሚተ ብዛዕባ ናይ ‘ቶም ናይ መንካዕ ምንቅስቓስ ቀንዲ መራሕቲ ዝሃበቶ ናይ ሞት ፍርዲ፡ ኣብ ዕለት 11 ወርሒ 8 1975 ኣብ ዝገበረቶ ናይ ሙሉኣት ኣባላት ኣኼባ ኣጽኒዓ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ገበረቶ።

ቀጺለ ናብ ‘ቲ ምጋማይ/ከላሳይ ብዛዕባ መስፍን ሓጎስ ኣብ ናይ መንካዕ ውሳነ ጽሒፍዎ ዘሎ ነጥቢ ክምለስ: – “ ….ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ …. ካብ ሕሉፍ ታሪኹ ንምህዳምን ጲላጦስ ኮይኑ ንምቕራብን ‘ዩ ሃቂኑ፡ ኣባል ፖለቲዊ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ውሳነ ዝወሰነ ሰብ ከም ዝነበረ ዝረስዖ ይመስል” ክብል እዩሓንጢ

ከላሳይ ነዚ ምጽሓፉ፡ ነታ መጽሓፍ ኣምቢብዋ እንተ ኾይኑብግቡእ ዝተረደ ኣይመስልን። ነዚ ዘበለኒ ምኽንያት ድማ፡ መስፍን ቅድሚ 1ይ ውድባዊ ጉባኤ ኣል መሪሕነት ምንባሩ፡ ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ድማ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ምምራጹ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ።

ንውሳነ ናይ መንካዕ ብዝምልከት ኣብ መጽሓፉ ኣብ ገጽ 94 ኣቐሚጥዎ ዘሎ ከም ዘ ብእንግሊዝኛ ከቕርቦ ‘የ።

Because members of the leadership were thus working in distant locations for nearly a year, we did not deliberate on the recommendations until August of 1975. When we reconvened, we endorsed the recommendations of the investigative and ruling committees.” ክብል ምስ ብጾቱ ኮይኑ ንዘሕለፎ ውሳነ ብብሩህ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ከላሳይ፡ ዘይተጻሕፈ ነቢብካ ሰባት ምግጋይ ካብ ተእ ነታ መጽሓፍ ደጊምካ ከተንብባ እላበወካ።

ቀጺሉ ‘ውን ነቲ ውሳነ መደገፊኡ ምኽንያት ኣብ ገጽ 95 “I supported the decision that the committee passed because I believed Menka’e had wreaked internal havoc at the time when we could barely face off with the ELF and Ethiopia. In moments of near-complete corporeal neglect and sacrifice of oneself, it is hard to put into words – and make people believe – what the spirit of revolution forces you do. …” ክብል ገሊጽዎ

ኣብ መጨረሽታ ድማ፡ ኣብ ገጽ 98 “….. If a duly appointed national entity find my past actions to be unacceptable, it is only fair and just that I bear the consequences thereof.” ኣብ ቀጻሊ ‘ውን ህዝቢ ዝወከሎ ቤት ፍርዲ ንዘሕፎ ውሳነ ግጉይ ኮይኑ ምስ ዝረኽቦ ሓላፍነት ክወስደሉ ድሉው ምዃኑ ብብሩህ ኣቐሚጥዎ ኣሎ።

ካብ ‘ዚ ተበጊሰ፡ ተመሊሰ ንከላሳይ ኣብ ክንዲ ብሳንቡእ ናካልኦት ከተተንፍስ ጽቡሕን ዘይጽቡሕን ሓናጥጥኣስተውዒልካ ንብብ፡ ድሊ ምርምር ካይድ ትክልስን ክግምግምን ፈትን ኢለ እምሕጸ

ኣብ ‘ዛ ነጥቢ እዚኣ ምስ መስፍን ሓጎስ ዘይሰማምዓላ ነጥቢ እንተደኣ ሃልያ፡ ምስ ዝነበረ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ሓለዋ ከጽንሖም ዝጥዕም ኩነታት ኣይነበረን ኢሉ ዝሃቦ መግለጺብወገነይ እቲ እታ ኮሚተ ውሳነ ዝሃበትሉ እዋንን መሪሕነት ነቲ ናይ ኮሚተ ውሳነ ዘጽደቐትሉ እዋንን፡ እቲ ውሳነ ግብራዊ ዝኾነሉ ሰትን (ነሓሰ/1975) ነቲ ጉዳይ ደጊምካ ንኽረአ እኹል ግዜ ዝህብ ምንባሩ ግምግም። እቲ ኩነታት ስልጣን ዝደረኾ ናይ ህልኽ ግጥም ‘ዩ ነይሩ።

ድሕሪ ነዊሕ እዋን ናይ ‘ቲ ፍጻመ (On the hindsight)፡ ኣብ 2014 ኣብ መጽሓፈይ “ሕብእቲ ሰልፊ” ገጽ 38 – 39 “እቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ኣባላት /መንካዕ/ ዝተዋህበ ውሳነ ብዓይኒ ሕልና ዘለዎ ፈራዲ ተመልኪትካ ክሳብ ክንድኡ ደረጃ ንክበጽሕ መድለየ ዶ? ካልእ ኣማራጺ መንገዲ ኸ ኣይምተረኽቦን ዶ? ንዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ፡ ዋላ ‘ውን ነቲ ናይ ‘ቶም ናይ በይኖም ውድብ ጥራሕ ክህሉ ዝደልዩ ኣባላት ናይ ‘ ምስጢራዊ ሰልፊ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝሓስብ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ እንተ ኾነ ‘ውን ኣብ ከምኡ ዓይነት መደምደምታ ክበጽሕ ከቢድ እዩ።” ክብል ርእይቶይ ኣቐሚጠ ነይረ።

ናይ ብጻይ ጎይትኦም በርሀ ምንቅስቓስ ብጻይ ጎይትኦምድሕሪ ምእሳሩ ኣብ መፋርቕ ናይ 1976 ኣበየ ኣሃድኡ እናዞረ“መምሃሪ መግለጺ” ንክህብ መርመርቲ ሓለዋ ሰውራ ሒዞሞ ይኾሉ ነይሮም። መግለጺኡ፡ ኣብ ውሽጢ ውድብ ካልእ ናይ በይኑ ሕ ሰልፊ ከም ዝመስረተ፡ እዚ ድማ “ነቲ ዝነበሮ ናይ ስልጣን ስስ ንምርዋይ ዝገበሮ ምዃኑ ‘ዩ” ገሊጹ። ብጻይ ጎይትኦም ማርክሳዊ ጽሑፋት እናተርጎመ ብውሽጢ ውሽጢ ናብ ‘ቶም ኣባላቱ ይዝርግሕ ነይሩ፡ ብዛዕባ ‘ታ ብበዓል ኢሳያስ እትምራሕ ዝነበረት ሕብእቲ ሰልፊ ‘ውን ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ነይሩ ‘ዩ እንተ ኾነ ኣብ ‘ቲ እናዞረ መግለጺ ዝህበሉ ዝነበረእዋን  ኣብ ቅድሚ ‘ቶም መርመርቲ ንህላወ ሰልፊ ህሰሰ ደፊክገልጽ ኣይከኣለን (ሕብእቲ ሰልፊ ገጽ 44) ብጻይ ጎይትኦም ብዘይካ ከም ‘ታ በዓል ኢሳያስ ዝመስረትዋ ሰልፊ ምምስራቱ፡ካልእ ዋላ ሓንቲ “ሓጥያት” ኣይነበሮን። ብጻይ ሰልፊ ምምስራቱ ብናይ ስልጣን ስስዕቲ እንተ ተኸሲሱ፡ ኢሳያስን ሰዓብቱን ብናይ ስልጣን ስስዐ ዘይክሰስሉ ምኽንያት ኣይህሉን። እዚ ናይ ሓድሕድ ምቅንጻል፡ ነቲ ኣብ ‘ቲ ውድብ ዝነበረ ናይ ስልጣን ውድድር ጋህዲ ይገብሮ ሰልፊ ንምስት ንኢሳያስን ሰዓብቱን እንተ ተፈቒዱ ስለምንታይ ንኻልኦት ሰልፊ ክምስርቱ ኣይፍቀድን? ብጻይ ጎይትኦምን ብጾቱን፡ እቶም ቀንዲ ካብኣቶም(መሲሕ ርእሶም፣ ሃይለ ዮውሃንስ፣ ሳሙእል ገብረድንግል፣ በረኸት ሃይለ፣ መም. ተኽለ ሃብተጼን፣ ኣለም ኣብርሃ) ሕብእቲ ሰልፊ ስለ ዝመስረቱን ጽሑፋት ስለ ዝዘርግሑን ጥራሕ ‘ዮምናይ ሞት ፍርዲ ተዋሂብዎም Critical reflections on the Eritrean war of independence. Gaim Kibreab Page 279. ሕብእቲ ሰልፊ ገጽ 44 ሱ ኣሎ። እቶም ኣብ ትሕት ዝበለ ደረጃ ዝተንቀሳቐሱ ድማ ከከም ደረጅኦም ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ተበይንሎም።

መስፍን ሓጎስ ኣብ መጽሓፉ ንናይ ብጻይ ጎይትኦም ጉዳይ ኣይጠቐሶን፡ ኣብ ‘ታ እትስዕብ ናይ ትግርኛ መጽሓፉ ከጠቓልላ እትስፎ።

ንኣወሳስና ዝምልከት ኣብ ታሕቲ ክጠቕሶ እየ።

ናይ የሚን ምንቅስቓስ ናይ ‘ዛ ጅለ መራሒ ሰለሙን ወልደማርያም እዩ ነይሩ፡ ሰለሙን ሓደ ካብ ‘ቶም ኣንጻር ናይ መንካዕ ምንቅስቓስ ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ጎኒ ኢሳያስ ኮይኑ ዝተንቀሳቐሰ ኣባል መሕነት ይኹን እምበር ድሒሩ ግን ሓደ ካብ ‘ቶም ንናይ ኢሳያስ ስልጣን ኣስጋእቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮምተባሂሎም፡ ብኣውራጅነት ተኸሲሱ ምስ ሰዓብቱ ዝተቐንጸለ ‘ዩ። ሰለሙን ኣብ ናይ ቃልሲ ጉዕዞ ኣብ ኣመራርሓ ምስ ኢሳያስ ይቃዶ ኣይነበረን ጥራሕ ዘይኮ ሰዓብቲ ንምፍራይሰባት ኣብ ምውዳብ ዳርጋ ብግሁድ ዝንቀሳቐሰሉ እዋናት ነይሩ ‘ዩ። ገለ ካብ ‘ቶም ምስ ኢሳያስ ዘየሰማምዕዎ ነጥብታት ኣብ ‘ቲ ምስ ተ.ሓ.ኤ. ዝኸይድ ዝነበረ ናይ ዕርቂ ርክባት፡ ነቲ ዝምድና ኣብ ምምሕያሽ ልዙብ ኣገባብ ይመር ምንባ ምስ ኢሳያስ ይቃደዉ ኣይነበሩን ኢሎም ገልጹ ወገናይተሳእኑንስዒቡ እታ ንሱ ኣባላ ዘይነበረ ኤህሰ እትበሃል ሕብእቲ ሰልፊ ብዙሓት ሰዓብቲ ኣጥርያ ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ካብ ‘ቲ ዝነበሮ ናይ ግንባር መሪሕነት ሓላፍነት ኣልያቶ፡ ስዒቡ ድማ ምስ ኩሎም ሰዓብቱ ተኣሲሩ። ሰለሙንን እቶም ድሒሮም የማናውያን ተባሂሎም ዝተኸሱን ዝተቐንጸሉ ሰዓብቱን ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ፡ እዮብ ገብረልኡል፡ መሓሪ ግርማጽዮን፡ ገብረሚካኤል መሓርዝጊ፡ ሕብረት ተስፋጋብር ጓል ኣንስተይቲ፡ ኪዳነ ኣበይቶ፡ ፍስሃየ ኪዳነ፡ ሃይለ ጀብሃ፡ ኣርኣያ ሰመረ፡ ኣማኑእል ፍላንሳ፡ ክኾኑ ከለዉ፡ መጎስ ፋሲል ግን ብጸቢብ ኣምሊጡ ናብ ተሓኤ ኢዱ ሂቡ Critical Reflections: 280.

ብ ልዕሊ ኣባላት ናይ 1973 ምንቅስቓስን፡ ብጻይ ጎይትኦም በርሀ ሰዓብ፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ናይ የሚን ምንቅስቓስ ኣባላት ዝተወስደ ስጉምትታት፡ –

ብ ህ.ሓ.ሓ.ኤ./ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝተኸስቱ ጉጅላውን ሰልፋውን ምንቅስቓሳት (ብኣገላልጻ ናይ ‘ቲ ውድብ ድማ ዝምባለታት/ Deviation ዝተኸሱ)

1. ናይ 1973 ምንቅስቓስ።

2. ናይ ብጻይ ጎይቶኦም በርሀ ኤርትራዊ ሰውራዊ ሰልፊ።

3. ናይ የሚን ምንቅስቓስ። እዮም ነይሮም።

ተኽላይ ዓደን ድሕሪ ናብ ኢትዮጵያ ኢዱ ምሃቡ ብዙሕ ዝኾነን ዘይኮነን ሓዋዊሱ ሃለውለው ይበል እምበር፡ ብዙሕ ሓቅታት ‘ውን ኣቃሊዑ ‘ዩ።

1. ድሕሪ ናይ 1973 ምንቅስቓስ ኣባላት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም፡ እታ “ብዕለት 30 ሰነ 1974 ዝቖመት መርማሪትን ፈራዲትን ሽማግለ፡ ናይ ‘ቶም ዝተኣስሩ ናይ ‘ቲ ኣዕናዊ ምንቅስቓስ ዋና መራሕቲ ፍርዲ ክትህብ፡ (ካብ ኢብራሂም ዓፋ፡ በራኺ ገብረስላስየ፡ ሓሰን ሑመድ ዓሚር፡ መሓመድ ስዒድ ባረህን ካልኦትን ዝቖመት ሽማግለ)ውሳኔኣ ምስ ሃበት ናብ መሪሕነት ከተቕርቦ፡ መሪሕነት ድማ ምስ ውሽጣውን ወጻእን ውድባዊ ኩነታት ኣሰማሚዓ ነቲ ፍርዲ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ። መሪሕነት ድማ ኣብ11/08/1975 ኣብ ዝገበረቶ ናይ ሙሉኣት ኣኼባ ኣጽኒዓ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ገበረቶ” ሕብእቲ ሰልፊ ገጽ 38 (ካብ ናይ ኢሳያስ “ናይ 1973 ኣዕናዊ ምንቅስቓስ” ጽሑፍ ዝተወስደ) እዚ ኣብ ልዕሊ ናይ 1973 ዝተወስደ ናይ ሞት ስጉምቲ ዋላ ኳ ኣቐዲሙ ኣብ 1975 ዝተወስደ ይኹን፡ ኣብ 1977 ንተጋባእቲ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ከም ዝሕበር ተጌሩ ነይሩ ‘ዩ።  

2. እቶም ተረፉ ናይ 1973 ምንቅስቓስ ኣባላት ድማ ገለ ካብኣቶም ርፍትያን ማእሰርትን ተወሲኑሎም ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ጸንሑ ከለዉ፡ ብዙሓት ኣስጋእቲ ዘይኮኑን ዝተጣዕሱን ድማ ምሕረት ተገብረሎም።

3. እቶም ስዒቦም ዝተኣስሩ፡ በዓል ብጻይ ጎይትኦምን መሳርሕቱን፡ ከምኡ ‘ውን ሰለሞን ወልደማርያምን ላዕለዎት መሳርሕቱን፡ ገለ ካብ ‘ቶም ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ዝነበሩ ኣባላት ናይ 1973 ምንቅስቓስ፡ ብዘይ ዝኾነ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. መሪሕነት ኣፍልጦ ውሳኔን፡ ብውልቃዊ ስልጣን ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ንኣብቲ እዋን ናይ ክፍሊ ሓለዋ ሰውራ ሓላፊ ነበር ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ትእዛዝ ብመሃብ ‘ዩ ኣብ 1980 ኣብ ዓራግ ዝተባህለ ቦታ ንብሙሉኦም ናይ ሞት ስጉምቲ ተወሲድሎም። ኣባላት መሪሕነት ህግሓኤ ነቲ ዝተወስደ ውሳነ ኣይተጸምበርዎን ጥራሕ ዘይኮነ፡ እቲ ዝተወስደ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ምፍጻሙ ‘ውን ኣይፈልጡን ነይሮም። ምንጪ ሓበሬታ መስፍን ሓጎስ: An African Revolution Reclaimed

እዚ ኣብ ቁጽሪ ሰለስተ ቀሪቡ ዘሎ ሓበሬታ፡ ኣብ ‘ቲ እዋን ኣነ ካብ 1977 ክሳብ መጀመርታ 1985፡ ኣብ ድሕሪ መስመር ተመዲበ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ እዋን ብምንባሩ፡ እቲ ፍጻመ ድማ ኣብ ሳሕል ዘጋጠመ ብምንባሩ፡ ኣብ ‘ታ ናይ ትግርኛ መጽሓፈይ ንኣወሳስናን ኣፈጻጽማን ናይ ‘ቲ ጉዳይ ዝኾነ ኣፍልጦ ከም ዘይነበረኒ ሓቢረ ሰጊረዮ ነይረ።

ድሕሪ መስፍን ሓጎስ መጽሓፈይ ምንባቡን ሓቢርና ንመጽሓፈይ ምግምጋምናን ግንመስፍን ሓጎስ ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ብኸመይ ከም ዝተፈጸመ ክሕብረኒ ተወኪሰዮ፡ ድሕሪ ተኽላይ ዓደን ናብ ኢትዮጵያ ምስላሙ፡ ኣብ ‘ቲ እዋን ኢሳያስ ኣብ ሜዳ ስለ ዘይነበረ፡ ንሃይለ ድሩዕ ወኪልዎ ከይዱ፡ ተኽላይ ዓደን ኣብ ሬድዮ ኢትዮጵያ ኣባላት መንካዕን የሚንን ኩሎም ናይ ሞት ስጉምቲ ተወሲዱሎም ኢሉ ምስ ገለጸ፡ ሃይለ ድሩዕ ንኹልና ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ኣንጻር ‘ቲ ዓደን ዘካይዶ ዝነበረ ፕሮፖጋንዳ፡ ጎስጓስ ከነካይድ ሓቢሩ ብዛዕባ ናይ የሚንን እቶም ናይ መንካዕ ተረፍን ብዓል ብጻይ ጎይቶኦምን ከም ዝተቐትሉ ኣፍልጦ ስለ ዘይነበረኒ፡ እንታይ ኢልና ኢና ፕሮፖጋንዳ ክንገብር? የሚንን እቶም ካልኦትን ተቐቲሎም ይብል ኣሎ፡ ትፈልጦ ሓበሬታ ኣሎካ ድዩ ኢለ ሓቲተዮ፡ ዝፈልጦ ነገር የብለይን ኢሉኒ እንድሕሪ ትፈልጦ ነገር ዘይብልካ እንታይ ኢልና ኢና ፕሮፖጋንዳ ከነካይድ? ኣነ ብወገነይ ክገብሮ ኣይክእልን ‘የ ኢለዮ ኣብ ‘ቲ እዋን ዓሊ ስለ ዘይነበረ፡ ምስ ተራኸብና ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ የሚን ናይ ሞት ስጉምቲ ተወሲዱ ክብል ተኽላይ ዓደን ብናይ ኢትዮጵያ ሬድዮ ዝገለጾ ሓቅነቱ ሓቲተዮ። ብልክዕ እቲ ስጉምቲ ከም ዝተወስደ ሓቢሩኒ። ስለምንታይ ብዛዕብኦም ናይ ሓባር ውሳነ ከይሓለፈ እቲ ውሳነ ተወሲዱ? ብናይ መን ሓላፍነትን ውሳነን ከ ኢለ ምስ ሓተትክዎ፡ ብናይ ኢሳያስ ትእዛዝ ምዃኑ ሓቢሩኒ።” ክብል መሊሱለይ።

ነዚ መስፍን ዝሓበረኒ ኣብ ‘ታ ዝተኸለሰት ናይ እንግሊዝኛ ትርጉም መጽሓፈይ ስፊረዮ ኣለኹ። The Hidden Party (Revised English Version 2019) 52 Tsegu Bahta. ሕቶይ ግን ኣብኡ ኣየብቅዐን። ድሕሪ ናይ ዓሊ ሰይድ ሓበሬታ ምርካብኩም እንታይ ጌርኩም ኢለ ሓቲተዮ፡ ዝኾነ ነገር ከም ዘይገበሩ – ንኢሳያስ ተሓታቲ ከም ዘይገበርዎ መሊሱለይ። ተጋጊኹም ኢለዮ፡ እወ ተጋጊና ኢሉኒ። እዚ ኩነታት መርኣያ ናይ ‘ቲ ምቁጽጻር ዘይተገብረሉ ጥርዚ ዝበጽሐ ናይ ኢሳያስ ውልቀ መላኽነት ገና ኣብ ሜዳ እንከሎ ዝነበረ ምዃኑ ብብሩህ ይሕብረና።

መደምደምታ፡ –

እዛ ኣብ “ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራውያን” ቀሪባ ንናይ መስፍን ሓጎስ መጽሓፍ እትኽልስ ተኸታታሊት ጽሕፍቲ ሳልሳይ ሰሙና ኣቑጺራ ኣላ፡ ሕጂ ‘ውን ኣብ መደምደምታ በጺሓ ተቖሪጻ ገና ይቕጽል ትብል እቲ ድሒሩ ተዘርዚሩ ዘሎ ጽሑፋት ብዙሕ ሚዛን ዘይብሉን ሃተውተውን ኮይኑተሰሚዑኒ፡ ገምጋመይ ኣብ ‘ቶም ኣገደስትን ቀንድን ዝበልክዎም፡ ሓያልን ድኹምን ጎንታት ናይ ህግሓኤ ‘ዩኩሉ ኣብ ‘ዚ ሰነድ ቀሪቡ ዘሎ መጽናዕቲ ንዝኾነ ይኹን ካልእ ኣካል ዘይውክልን ባዕለይ ሓላፍነት ዝወስደሉን ‘ዩ። ኣምበብቲ ርእይቶታትኩም ብምስፋር ክትነቕፍዎን ከተሀብትምዎን እናተማሕጸንኩ፡ ዝስዕቡ ርእይቶታትን ገምጋማትን ኣገዳስነቶም ኣብ ግምት ኣእትየ፡ ኣድላዪ ኮይኑ ምስ ዝስመዓኒ ክምለሰኩም ምዃነይ እናሓበርኩ ይፋነወኩም።

Sources:

#setit ትርጉም ናጽነት እንታይ እዩ? By Col. TseguFessehaie 

ረድኢ መሓሪ, “ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ” 2012.

Kibreab, Gaim, “Critical Reflections on the Eritrean War of Independence…” Red Sea Press

Tesegu Fesesehaie, “Hidden Party,” Red Sea Press