Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ኣብ ኬንያ ዝተራእየ ውርደት ኢሳያስ ሕስረት ኤርትራውነት’ውን ኢዩ።

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብፕረዘደንት ዊልያም ሩቶ ብዝተገብረሉ ዕድመ መሰረት፡ ናብ ኬንያ ምብጻሕ ከምዝገበረን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ክልተኣዊ ውዕላት ከምዝተፈራረመን ዝገልጽ ሓበሬታ፡ ኣብ ዓለምለኽ ሜድያታት ተዘርጊሑ ቀንዩ ኣሎ። እዚ መገሻ’ዚ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ምብጻሕ ምዃኑ ከኣ ብዙሓት ሓቢሮም ኣለዉ። መራሕቲ ሃገራት ኣብ ካልእ ሃገር ክበጽሑ ከለዉ፡ ኣብ  መወዳእታ ናይቲ ርክብ፣ ዕላማ ናይቲ ምብጽጻሕን ዝተሰማምዕሉ ውዑላትን ንጋዜጠኛታት ምግላጽን ሕቶታት ምምላስን ኣህጉራዊ  ልምዲ  ኮይኑ ክዝውተር ዝረአ፡ ሓደ ካብ ናይ ዲፕሎማሲ ፕሮቶኮል ኢዩ። በዚ ልምዲ’ዚ መሰረት ድማ፡ እዞም ክልተ መራሕቲ ኣብ መድረኽ ቀሪቦም መግለጺ ክህቡን ብጋዜጠኛታት ዝቐርበሎም ሕቶታት ክምልሱን ከም ልሙድ ኣገባብ ኮይኑ ኢዩ ዝካይድ።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ነቲ ኣህጉራዊ ፕሮቶኮል ተኸቲሉ ብስነ ስርዓት፣ ምብጻሕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምምስጋን፡ ትሕዝቶ ናይቲ ዘካየድዎ ክልተኣዊ ስምምዓትን፡ ብጋዜጠኛታት ዝቐረበሉ ንዕኡ ዝምልከት ሕቶታትን፡ ኣስፊሑን ኣነጺሩን ድሕሪ ምግላጽ፡ ናይ ምዝራብ ዕድል ናብ ኢሳያስ ኢዩ ተመሓላሊፉ። ይኹን እምበር፡ ኣቶ ኢሳያስ ዝለመዶ መድረኽ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ንሱ ዝደልዮ ሕቶታት ኣዳልዩ ዝህቦም ምእዙዛት ጋዜጠኛታት ቀሪቡ ዝኾነን ዘይኮነን ትረኻ ክምድርን፡ ናይ ጊዜን ኣርእስትን ገደብ ዘይብሉ ህውተታ ክቓንን እምበር ብዲፕሎማስያዊ ፕሮቶኮል ዝቕየድ ኣይኮነን። ንሱ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ እዚ ኣብ ኬንያ ዝተራእየ ፕሮቶኮል፡ ንኢሳያስ ናይ መጀመርታ ጊዜን ዘይተጸበዮን ሕማቕ ዕድል ኢዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ 3-4 ዓመታት ምስ ኣብዪ ኣሕመድን፡ ምስ ክልተ ፕረዚደንትታት ሶማልን ምብጽጻሕን ውዕላት ምፍርራምን ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ኢማራትን ስዑድ ዓረብን ዝተካየደ ምብጻሕን፡ ዝተፈረመ ውዑላትን ከምዝነበረ’ውን ኩሉ ዝፈልጦ ሓቅታት ኢዩ። ኣብዚ ካብ ዓዲ ሃሎ ኣውጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም ክቃላዕ ዝገበሮ ምብጽጸሓትን ምፍርራማትን’ዚ ግን፡ እቲ ልሙድ ኣህጉራዊ ፕሮቶኮል ዝተኸተለ ከምዘይነበረ ኩሉ ዝተዓዘቦ ኢዩ።

ናይ ኢሳያስ ኣብ ኬንያ ምብጻሕን ምፍርራምን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ክወቕዖ ዝደለዮ ሽቶ ግን እንታይ ኢዩ፧ ስለምንታይ’ከ ኢሳያስ ካብ ናይ ዲፕሎማሲ ስርዓት ዝወጸ ናይ ሕርቃንን ዕብድብድን ባህሪ ከርኢ ተገዲዱ፧ ብሓፈሻ እዚ ኣብ ኬንያ ዝተራእየ ድራማ፡ ምስቲ ኣብ መጀመርታ መድረኽ ናይዚ ዝምድናታት’ዚ፣ ኢሳያስ ሓንጺጸዮ ዝብሎ፡ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ግምት ዘእተወ ስትራተጂ፡ ብምንጽጻር ክርአ ዝግባእ ኢዩ። ብሰነድ ከምዝረጋገጽ እቲ ብመንግስቲ ኢሳያስ ተሓንጺጹ ዝበሃሉ ስትራተጂ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም።

  1. ናጽነት ኤርትራ ምዕቃብን ክህልዉ ዝኽእሉ ስግኣታት ብኣግኡ ምድቓቕን፡
  2. ዞባዊ ርግኣት ምዉሓስን ኢድ ኣእታዉነት ዓበይቲ ሃገራት ኣብ ዞባና ምብርዓንን፡
  3. ዞባዊ ዉህደት ኣደንፊዕካ፡ ቁጠባ ኤርትራ ምሕያልን ተወዳዳሪ ምግባርን ኢዮም።

እቲ ብኢሳያስ ዝተሓንጸጸ ስትራተጂ እዚ ካብ ኮነ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እንታይ ይመስል ኣሎ ምርኣይን፡ ዓወቱን ፍሽለቱን ምምዛንን ኣገዳሲ ይኸውን። እቲ ኣብ ኬንያ ዘርኣዮ ካብ ፕሮቶኮል ወጻኢ ዝኾነ ናይ ሕርቃንን ምንጽርጻርን ጠባይ’ውን ምስዚ ስትራተጂ’ዚ ተኣሳሲሩ ክርአ ዝግባእ ኢዩ።

ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ውዕል ፕሪቶርያን፡ ኣብ ባይታ ዝተራእየ ናይ ኣተራጓጉማ ኣሳልጦን፡ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክብ ለጠቕ ክብል  ዝጸንሐ ዝምድና ኢሳያስን ኣብዪን ዘቕሃመ ከም ዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ዝገርም ግን፡ እቲ ምብጻሕን ምፍራም ውዑልን ኢሳያስ፡ ምስ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ውዑል ፕሪቶርያ ዝነበረት ሃገረ-ኬንያ መራሒ ምዃኑ ኢዩ። እቲ ተበግሶ ብክልተ መኣዝን ክውሰድ ዝከኣል ይመስል፡ ብሓደ ወገን፡ ነቲ ብጸቕጢ ኣመሪካ ዝተፈረመ ውዑል ዝብሎ ከምዝተቐበሎን፡ ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብዝፈጥሮ ዝምድና “ንጀንዳ ዋሽንግቶን” ናይ ኣሎኹ ምሳኹም መልእኽቲ ከመሓላልፍ ዝደለየ ኮይኑ ክርአ ይከኣል። በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ 4 ዓመታት ምስ ኩለን ናይቲ ዞባ ሃገራት (ኢትዮጵያ፡ ሶማልን ሱዳንን) ክኽሽኖ ዝጸንሐ መናውራታት ስለ ዝሓረሮ፡ ናይ ዓቕሊ ጽበት ተበግሶ ኮይኑ ክርአ ይኽእል። ኢሳያስ፡ ናይ “ጌይም ኦቨር” ስትራተጂ ክትርጉም ክብገስ እንከሎ፡ እቲ ዝምድና ምስ ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማል  መሓመድ ኣብዱላሂ መሓመድ  (ፎርማጆን) ከምዝነበረ ዝዝከር ኢዩ። ፕረዚደንት ፎርማጆ ብምርጫ ስለዝተሳዕረን እቲ ዝተከኦ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ድማ ምእዙዝ ኮይኑ ምስ ኢስያስ ክጻመድ ቅሩብ ኮይኑ ስለዘይተረኽበ፡ ውጥን ኢሳያስ ኣብ ሶማል ከምቲ ዝሓሰቦ ክኸደሉ ኣይከኣለን። ይኹን’ምበር በቶም ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ካብ 10,000 ዘይውሕዱ ሶማልያውያን፡ ብጉልባብ ቃልሲ ጸረ-ኣል ሸባብ ናብ ሶማል ብምልኣኽ፡ ጸቕጢ ካብ ምፍጣርን ውዲት ካብ ምእላምን ክቑጠብ ኢዩ ኢልካ ምእማን ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ መጻኢ እዋን እንታይ ክኣልም ከምዝኾነ ንጊዜ ዝግደፍ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ስትራተጂ ኢሳያስ ኣብ ሶማል ከምዝፈሸለ ምግንዛብ ይከኣል። እቲ ኣብ ካልኣይ ቃለ መሕትቱ፡ “ዕሉማት ሶማላውያን ኣብ ሶማል ጸገም ኣጋጢምዎም” ዝበሎ ከኣ፡ ነዚ ሓቂ ዘራጉድ ኢዩ።

ከምዝፍለጥ፡ እቲ ምስ ኣብዪ ኣሕመድ ዝጸንሐ ምስ ጊዜ ዘይበርስ መሲሉ ዝርአ ዝነበረ ፍቕሪ’ውን ጨሪሹ ከም ዝሓቐቐ ዘመልክቱ ብዙሓት ቅሉዓትን ዘይቅሉዓትን ክስተታት ክወጹ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ኣብ ኩናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ዘይብቕዓት፡ ጉድለት ዲሲፕሊን፡ ድኹም ኣመራርሓ ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያን፡ ንሱ ዝፈጠሮ በሰላን ዘይምትእምማንን ንጎድኒ ገዲፍካ፣ ኣብ ሓያሎ ነባሪ ዝምድና ዝምልከቱ ኣገደስቲ ሕቶታት ዓሙቕ ዘይምርድዳእ ከምዘሎ ብዙሓት ሰሊኾም ዝወጹ ሓበሬታት የመልክቱ ኣለዉ።

ኣብቲ መጀመርታ ምብጻሕ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዪ ኣሕመድ “እኔና ኤሱ ስንደመር ኣሰብን እንጋራለን” ክብል  ትምኒትን ተስፍኣኡን ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ኣብ እዋኑ’ውን ነቲ ብኢትዮጵያ ሸነኽ ክማላእ ዝግበኦ ዕማማት ንምክትታል፡ ሓንቲ ኮሚሽን ቆይማ ከምዝነበረት ተገሊጹ ኢዩ። ኮይኑ ድማ ከም ትጽቢቱ፡  ወደብ ዓሰብ ብሓገዝ ሃገራት ኣዕራብ  ሰፊሑን ዘመናዊ ምትዕርራይ ተገይርሉን፡ ኣብ ጥቕሚ ኢትዮጵያ ክውዕል ኣብዪ ኣሕመድ ዘቕረቦ ጠለብ ብኢሳያስ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ፡ ኣብ ስቱር ኣኼባ ሰልፊ ብልጽግና ከምዝገለጸ ይሕበር ኣሎ። ኢትዮጵያ፡ ሓይሊ ጸዓት መብራህቲ ንኤርትራ ብዝሓሰረ ዋጋ ክትሸጠላ ዘቕረበቶ ሓሳብ’ውን ብኢሳያስ ቅቡል ኮይኑ ከምዘይተረኽበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣውኪኡ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ተጠቀምቲ ናይዚ ዕዳጋ’ዚ ኮይነን ምህላወን ነጋሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ኢሳያስ ግን ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ሓይሊ ኤለትሪክ ከይዓጠጦ፡ ነዚ ቀረብ’ዚ ምንጻጉ ንዓና ንኤርትራውያን ዘገርም ኣይኮነን። ምስዚ ዝተኣሳሰር፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ንግድን ሸቐጥን ስምምዕ ብቐጻልነት ኣብ ግብሪ ክውዕል ብኣብዪ ዝቐረበ ሓሳብ’ውን ቅቡል ኮይኑ ኣይተረኽበን። እዚ ፖሊሲ’ዚ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ባይታ ክሕንጸጽን ክኽፈትን ኣለዎ። ህዝቢ ኢትዮጵያን (ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ) ህዝቢ ኤርትራን ካብን ናብን ምንቅስቓ ክፈጥር ምዃኑ ከም ውሁብ ክቑጸር ኢዩ። ናይ ሰላም ሃዋሁ ምፍጣር፡ ናይ ኢሳያስ ሸውሃት ዘይቅበሎ ብምዃኑ ከኣ ብኢስያስ ክንጸግ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ።

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ብስቱር ልሒኾም ካብ ዝወጹ ክስተታት፡ “ዘይመንግስታውያን ሓይልታት” ተባሂሎም ዝግለጹ፣ (ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ፋኖን፣ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋርን ተቓወምቲ ትግራዎትን) ኣብ ምስልጣንን ምዕጣቕን ተጸሚዱ ከምዘሎ ኢዩ። እቲ ዝገሃድ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ እቲ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብዪ ኣሕመድን ዝተጀመረ ዝምድና፡ ናብ ነባሪ ዝምድና ክቕየር ዘይኮነስ፡ ቀጻሊ ምትኹታኽን ናይ ኩናት ሃዋሁ ኣብ ምፍጣርን የዘምብል ከምዘሎ ዝእምት ምዃኑ ብሩህ ኢዩ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ፡ ቃለ መሕትቱ፡ “ወያነ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኲናት ንምውላዕ ክትሰርሕ ኢያ” ዝበሎ ከኣ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን።

እቲ ካልእ ጉዳይ ንሱዳን ዝምልከት ኢዩ። ስርዓት ዑመር ኣል በሺር ብህዝባዊ ምንቅስቓስ ካብ ስልጣን ተኣልዩ፡ ሰራዊት ሱዳን ስልጣን ምስ ጨበጠ፡ ሲቪላዊ መንግስቲ ክቐውም ኣለዎ ዝብል ቃልሲ ህዝቢ ሱዳን ብምቕጻሉ፣ ኣብቲ ሱዳን ገና ምርግጋእ ክፍጠር ኣይተካእለን። ስርዓት ኢሳያስ፡ ነዚ ኩነታት’ዚ መዝሚዙ፡ ናይ ኣተዓራቒ ቦታ ብምሓዝን፡ ልኡኻቱ ብምስዳድን ተደጋጋሚ ፈተነታት ከምዘካየደ ብዙሓት ጭብጥታት ይምስክሩ። እዚ ፈተነታት’ዚ ሽቶኡ ክወቅዕ ስለ ዘይከኣለ ከኣ፡ እታ ከም ኩሉ ግዜ ዝጥቀመላ ናይ ሕንከራ ፖሊሲ “እንተኾነ ብምኽሪ እንተዘይኮነ ድማ ብበትሪ” ክጥቀም ጀሚሩ ኣሎ። ንመራሕቲ ቀቢላታትን ሹመኛታትን ምብራቕ ሱዳን ናብ ኤርትራ ብምዕዳም ምኽሪ ክልግስን ውዲታት ክኣልምን ጸኒሑ ኢዩ። እዚ ዝምድና’ዚ ኣብ ዘድሊ እዋን ኣብ ሱዳን ክፈጥሮ ዝደሊ ዘይምርግጋእ ባይታ ምንጻፍ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ብምውፋር ዘካይዶ ዘሎ ምክትታልን ምትንዃልን ኣበርቲዑ ይቕጽሎ ከም ከምዘሎ’ውን ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ።

ብሓፈሽኡ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሱዳን ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ናብ ሰላምን ዕርቅን ዝጥምት ይመስል። ኣብ መንጎ እቲ ሰራዊት ምክልኻልን ሲቪል ክፋልን ናይ ዘተን ምርድዳእን መስርሕ ይቕጽል ምህላዉ ንመጻኢ ሰላም ሱዳን ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ብዙሓት ይእምቱ። እቲ ስራሕ በዳሂ ምዃኑ ግን ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ኢዩ። እቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ከም መሳርሒ ክጥቀመሉ ዝደሊ ሓይሊ “ምብራቓዊ ሱዳን”፡ ኣብቲ ናይ ዘተ ኮንፈረንስን መንግስቲ ንምቛም ዝካየድ ዘሎ መስርሕን ይካፈል ብምህላዉ ንጊዜኡ እቲ ኣብ ሱዳን ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ከካይዶ ዝፍትን ውዲታት ቦታ ዝረክብ ኣይመስልን።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ 2018 ጀሚሩ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ (ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሶማልን) ብጉልባብ “ዞባዊ ርግኣት ምዉሓስን ዞባዊ ዉህደት ምድንፋዕን”፡ ዝሓንጸጾ ስትራተጂ ሓደ ብሓደ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ኮይኑ ከምዘሎ ክርደኦ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ነጢርካ ናብ ኬንያ ምብጻሕን ዝተፈላለዩ ንኽትርጎሙ ባይታ ዘይብሎም ውዑላት ምፍርራም ኮነ፡ ናብ ኢጋድ ናይ ምምላስ መብጸዓ፡ ነቲ ምስተን ካልኦት ሃገራት ዝፈሸሎ ስትራተጂ ትንፋስ ዝስኩዕ መሲልዎ ዝመሃዞ ስልቲ እምበር ካልእ ፋይዳ የብሉን። ይኹን’ምበር እዚ ስምምዕ’ዚ እውን ተግባራዊ ክኸውን ዘለዎ ዕድል ጸቢብ ምዃኑ ከይደቀስካ ዝሕለም ኢዩ።

ካብዚ ኩነታት’ዚ ብምብጋስ፡ ናይ ኢሳያስ ናብ ኬንያ ምብጻሕ ኣብቲ ዝጸንሐ ፍሽለታት ተደራቢ ፍሽለት ዘጉለሐ ምዃኑ ንኹሉ ርዱእ ኢዩ። ይኹን’ምበር እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ናይ ኢሳያስ ስትራተጂ ምፍሻልን ኣህጉራዊ  ውርደቱ ምርግጋጽን ጥራይ ዘርዚርካ ክሕለፍ ዝግባእ ኣይመስለናን። እዚ ኩነት’ዚ ሕስረት ኤርትራዊ ሃገርነት’ውን ከም ዘመልከተ ዝከሓድ ኣይኮነን። ፍሽለት ኣብ ርእሲ ፍሽለት እንዳደመረ ዘመሓድር፣ ብሓደ ውልቀ ሰብ ዝምእዘን ስርዓት ክስዕርርን ሱር ሰዲዱ ምቕጻሉን ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝምጥን ከምዘይኮነ ብኹሉ ኤርትራዊ ግንዙብ ኢዩ። ፍሽለት ፖሊሲ ኢሳያስ፡ ንሕስረትን ፍኽሰትን ገዛእ ነብሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕስረት ኤርትራ እውን ከም ዘይንሕፍ ግሁድ እንዳኾነ መጺኡ ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ እዚ ናይ ኢሳያስን ብሰንኩ ዝሰዓበ ፍሽለት ናይ ኤርትራን፡ ነቶም ፍትሒ ደሊና ኣንጻሩ እዚ ስርዓት እንቃለስ እውን ብኸፊል፡ ተኻፈልቲ ናይዚ ፍሽለትን ሕስረትን ምዃና ክንግንዘቦ ይግበኣና። እንታይነት ስርዓት ጉጅለ ኢሳያስ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሩህ ክነሱ፡ እቶም ንህዝብናን ሃገርናን ካብዚ ፍሽለትን ሕስረትን’ዚ ከነድሕኖ ሓሲብና፡ ካብ ነዊሕን ሓጺርን እዋን ኣብ ቃልሲ ዝኣተና ውድባት፣ ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን እንታይ ንገብር ከም ዘለና ነብሰ ፍተሻ ከድልየና ኢዩ። እንታይ ንገብር ከም ዘለናን፡ ንመጻኢ’ኸ እንታይ ክንገብር ከም እንሓስብን ብሓባርን ውድቡን ክንሕንጽጽ እንተዘይክኢልና፡ ተደራራቢ ፍሽለት ንኤርትራ ከድሕና ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ዘሎና ዕድላት ተጠቒምና፡ ነቲ ኣብ ገጊዜኡ ዝምዕብል ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ኣብ ግምት ኣእቲና ምስኡ ዝመጣጠን ውዳበ እንዘይኣማዕቢልና ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ ጥራይ ኢዩ ዝኸውን። ኣብ ልዝብን እንካን ሃባን ዝተመስረተ ናይ ቃልሲ ስልትን ስትራተጂን ኣብ ምሕንጻጽ ብርቱዕ ብኩራት ነርኢ ከምዘለና ደጋጊምና ከነስተንትኖ ኣሎና። ንዝተዳለወ ክፉት ናይ ልዝብ መድረኻት፡ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ምኽንያታት ክንርሕቆን፡ ጓል መንገዲ ኣብ ምንዳይ ግዜና ከነባኽንን እዋኑ ዝጠልቦ ኣይኮነን። ዝኾነ ይኹን ውዳቤ፣ ምንቅስቓስ ወይ ማሕበር ንበይኑ ተቓሊሱ ከምጸኦ ዝኽእል ለውጢ የለን። ሓቢርካ ንምስራሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ምጉዳል ትብዓት ርኡይ እንዳኾነ ዝቕጽል ዘሎ ተርእዮ ምዃኑ ርዱእ ክኸውን ይግባእ። ዓወት ኤርትራ ዓወት ኩልና፡ ስዕረትን ፍሽለትን ኤርትራ ከኣ ፍሽለት ኩልና ምዃኑ ምስትብሃል ከድልየና ኢዩ።

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
22 የካቲት 2023