Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ዓመተ ራህዋ ይግበረልና። ካብ ዶ/ር ተስፍይ ገብረመድህን

ሃለዋትና ኣብ ስደት ንግበረሉ ኣቓልቦ
ዳሓን ኣይመስልን ንኣትሪሩ ንዝተዓዘቦ
ገሊኡ ኣብ ጭንቀት ይነብር ዓቕሉ ዝጸበቦ
ገሊኡ ናብ ሃገሩ ንኸይምለስ ደርብይላ ኩቦ
ገሊኡ በሊዑ ይሓድር ስጋ ጥብሲ ምስ ኣጅቦ
ገሊኡ ጠውሊጉ ብኣስሓይታ ቁሪ ብጥሜት ዓጸቦ
ገሊኡ ክዕንድር ክዓብድ ይነብር ኣምላኽ ክሳዕ ዝእክቦ
ገሊኡ ኣብ ሓሳር ይነብር ይግለል ሰብ ከይለግቦ
ገሊኡ ኣሳፊሑ ይነብር ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዘይረኸቦ
ገሊኡ ኣብ ሃብቲ ድለባ የድህብ ስሰዔ ረብሓ ዝጎልበቦ
ገሊኡ ምስ ደቁ ተጸጊዑ ይነብር ዕድመ ዘርከቦ
ገሊኡ ምስ ባህሉ ዘዋስቦ ስኢኑ ምፍልላይና ዘስዓቦ
ገሊኡ ዝጠፍኡ ደቁ ከናዲ ክንደይ ጸሓይ ዘይዓረቦ
ገሊኡ ኣብ ቤት ጸሎት ይናኸስ ንመን ይጎድእ ኸይዓጀቦ
ገሊኡ ኣብ ምፍልላይ ይነጥፍ ክንዲ ኣብ ምእላይ ዘሰሓሕቦ
ገሊኡ ይጽሊ ይሰግድ ንኣምላኽ ሕልና ዝሃቦ
ገሊኡ መንገዲ ጋንየን ዝመረጸ ልኡኽ ሓሊቦ
ገሊኡ ንክብረትን ሕብረትን ይምነ ኩሉ ሰብ ዝጠልቦ
ንሓድነትን ንስምረትን ንተዓጠቕ ኩላህና ብዓንተቦ
ከይተሓለልና ከይሰልከና ንቃለስ ብዘለና ሓቦ
ኣብ ሕድሕድና ክህሉ ሰንሰለት መላግቦ
ኣንጊህና ንኽተት ወለዶ ኸይበርስ ከይጠፍእ ዓደቦ
ተጊህና ንጠርነፍ ታሪኽና ክንዕቅብ ባህልና ክንሕብሕቦ
ህርኩት ሰብ ኣይጠፍእን ሃለዋትና ዝጽሕፎ ዝምዝግቦ
ዓመተ ራህዋን ጽጋብን ይኹን ብሓባር ክንጸግቦ
ብሓደ ልቢ ክንዝምር ክንዕልል ደይብና ኣብቲ ጎቦ
ፍቕርን ሰላምን ደቅና ካባና ክወርሱ ንላቦ
ብዓሉ ይርድኣና እቲ ናይ ምድርን ሰማይን ቅዱስ ኣቦ።
ካብ ዶ/ር ተስፍይ ገብረመድህን

Post navigation