Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ዕሊ ዘይፈልጥ መንግስቲ ዝእመን ኣይኾነን

ሰራዊት ህግደፍ ኣብ ትግራይ ዝፈጸሞ ወራር ክኽሕድ ከምዘይጸንሐ ሕጂ ብዓወት ወጻኹ እንተበለ ንበሃም እንተዘይኾይኑ ንለባም ዘደናግር ኣይኮነን ። ህዝቢ ኤርትራ ደቁ ስለምንታይ ዘይሃገሮም ወሪሮም ብዕሊ ከይተነግሮን ኣብ ዘይምልከቶ ዂናት ንክጥበስ ብዘይ ድሌቱ ከምዝግፈፍ ኮይኑ ከብቅዕን ሕጂ ከምዛ ህዝቢ ዝለኣኾን ተልእኾ ፈጺሙ ዝተመልሰን ጌርካ ምቅራቡ ህውተታ መናውራን ካብ ሙኻን ዝሓልፍ ኣይኮነን ።

እዚ ብጸቅጢ ርእሰ ሓያላት ካብ ዘይዓዱ ዝምለስ ዘሎ ሰራዊት ሃገርና ኤርትራ ከተስተናግዶ ድልውቲ ድያ ዝብል ዘይስገር ሕቶ ግን ብሕጂ ዝረአን ዝምለስን ክኸውን ኢዩ ። መንእሰይ ኣብ ዓዱ ኮፍ ኢሉ ክርኢ ዓይኑ ደም ዝመልኦ መንግስቲ ነዞም ዝምለሱ ዘለው ሰራዊት እንትርፎ ከም ባራዩ ብኣስገዳድ ኣብ ዘይረብሕ ከሸቅሎም ብኽብረት ከፋንዎም ከምዘይኮነ ርዱእ ኢዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዓዱ ክሰርሕ ናብርኡ ብነጻነት ክመርሕ ዝኾነ ይኩን መሰል ተኸልኪሉ ኢዩ ። እቲ ንመንእሰይ ዝሓቑፍ ትሕተቅርጺ ድማ ስለዘይተዋደደሉ እዚ ተመሲሉ ዝበሃል ዘሎ ሰራዊት ከቶ መእተዊ የብሉን ።

መንእሰይ ኤርትራ እንትርፎ ኣብ ዘይውዳእ ዕስክርና ምክርታት ኣብ ዘፍርያ ፋብሪካታት ክሰርሕ ይኹን ኣብ ፍልጠት ዘስንቓ ዩኒቨርሲቲ ክመሃር ዝሕሰብ ኣይኮነን ። ኣብ ሕርሻ ይኹን ኣብ ንግዲ ውን እንተኾነ ክነጥፍ ዝፍቀደሉ ኣይመስለንን ። ስለዚ ድማ ኢዩ ንመንእሰይ ዝኾውን ትሕተቅርጺ የልቦን ወይ ኣይተዳለወን ዝብል ዘለኹ ። ኣብ ምፍራስ ዝተዋፈረ መንግስቲ ኣባይቲ ክሃንጽ ይኹን ከተማታት ከማዕብል ዘይሕሰብ ኢዩ ። ስለዝኾነ ድማ ነዚ ዝምለስ ዘሎ መንእሰይ ንዳግማይ ስደት ዘምርሕ ባይታ እምበር ኣብ ዓዱ ክጸንሕ ዘተባብዕ ኩነታት ኣይተፈጥረሉን ። ምስ ዕጥቁ ዝምለስ ዘሎ መንእሰይ እምበ ኣር ብረቱ ደርብዩ ስደተኛ ኮይኑ ከይምለስ ኣዝዩ ዘሰክፍ ኢዩ ። እንተስ ብፍላጥ ወይ ብዕሽነት ህግደፍ ነዚ ኢዩ ዘተባብዕ ዘሎ እንተተባህለ ምግናን ኣይኾነን ። ዘይወግሕ መሲልዋ . . . ከምዝበሃል ፡ ህግደፍ ኣትይዎ ዘሎ መዋጥር ቀሊል ዘይሙኻኑ ድማ ዘገም ኢልና ንርእዩ ኢዩ ኽከውን ።

Post navigation