Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ህዝቢ ኤርትራ ክሓቶ ዘለዎ ሕቶ ኣብ’ዛ ጀሚርናያ ዘለና ዓመት ። ኣለምሰገድ/ ከተማ ስያትል

ህዝቢ ኤርትራ በዚ ተስፋ ኣልቦ ስርዓት ካብ ዝሳቀ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ ። ደጊም ውን ህዝብና ካብ’ዚ ንላዕሊ ንሕሰምን ንመከራን ክጻወር ዘኽእል ዓቅሚ የብሉን ። እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይንቡር ከምንቡር ተቀቢልካ ምኻድ ክኣክል ኣለዎ ። ኣብ ዘይድለን ዘየእትወናን ዂናት ሐድሕድ ኢትዮጵያ ንኸንቱ ዝሃለቑ ሃለዋት ደቁ ንምፍላጥ ህዝብና ብዕቱብ ክሓትትን ኣለዎ ። ደጊም ኣመት ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገርና ክንገብር ኣለና ኢሉ ውን ዘይስገርን ረዚንን ሕቶ ከበግስ እዋኑ ዝጠልቦ ኢዩ።

ኩነታት ኢትዮጵያ ሕጂ ውን እንተኾነ ዋላ እዃ ይጸልወና ይኹን እምበር ክሳብ ውሽጣዊ ጉዳይና ኣወንዚፍና ሃምናን ቀልብናን ብምጥፋእ ግን ጠብሎቕ ዘብል ኣይኾነን ኣይነበረን ውን ።
ዓመት መጸ ሽግራት ሃሰው እንዳበልካ ንህዝቢ መስተርሆት ምኽላእ ድማ ዘይፍትሓዊ ጥራይ ዘይኮነስ ገበን ውን ኢዩ ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከም’ዚ ዘይንቡር ኩነታት ንክወድቅ ኣይነበረን ረዚን መስዋእቲ ንናጽነት ዝኸፈለ ።

ኮይኑ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ህሞት ክሰጋገር ነዚ ተስፋ ኣልቦ ጨካን ምሕደራ ህግደፍ ዓቲቡ ክሓቶን ከዋጥሮን ኣለዎ ። ባህርያት ህግደፍ ብኣንጻሩ ንጠለባት ህዝቢ ኤርትራ ጸማም እዝኒ እንዳሃበን ጸላእቲ እንዳፈብረኸን ኣብ ዂናት ንምንባሩ ስለ ዘይገድፍ እቲ ዘየላቡ ሕቶን ጠለባትን ብዝተወደበን ብዝሓየለን ተዓጂቡ ክቀርብ ኣለዎ ። ደጊም ዓለምና ውን እንተኾነት ዓይና ኸፊታ ነዚ ቀይዲ በተኽ ኣካይዳ ስርዓት ሃገርና ትከታተሎ ስለዘላ መሓዛን መሰነይታት ኮይና ምሳና ይእከል ደጊም ኣብ ምባል ከምትሓብረና ክንገብር ክንባላሓት ይግባእ ።

ይኣክል ዕንደራ ጽላለ
ዓወት ንደላይ ፍትሒ
መስተርሆት ድማ ንህዝብና

ኣለምሰገድ/ ከተማ ስያትል

ዕለተ ዓርቢ 6 ጥሪ 2023

Post navigation