Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

መደረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ – ኣቶ ዑስማን ሳልሕ

On Jan 27, 2023

ዝኸበርካ ሚስተር ሰርጌ ላቭሮቭ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈደረሽን ሩስያ፣

ዝኸበርኩም ኣባላት’ቲ ጉጅለ ልኡኽ፣

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣

ፈለማ፡ ናብ ኤርትራ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። እዚ እዋናዊ ምብጻሕ፡ ርእይቶታትን ሓሳባትን ኣብ ኣገደስቲ ዓለማውን ዞባውን ጉዳያት ንምልውዋጥ፣ ከምኡ’ውን ክልተኣዊ ዝምድናታት ንምድልዳልን ንምዕማቚን ዕድል ዝፈጠረ፡ ዕዙዝ ኣገዳስነት ዘለዎ’ዩ።

ዝኸበርካ ሚስተር ሰርጌ ላቭሮቭ

ዓለምና ብኣዝዩ ተኣፋፊ መድረኽ’ያ ትሓልፍ ዘላ። ኣገዳስነት ናይ’ዚ ዑደት ከኣ፡ ምስ’ቲ መድረኽ ተዛሚዱ ዝርአ’ዩ።

ሰዓት ብሰዓት፡ 24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ፡ ንህዋታትና ዝዕብልዂ ዘሎ ኩነታት ከኣ፡ ህዝቢ ዓለም ዝከታተሎ ዘሎ፡ ኣሻቓሊ ኩነት’ዩ።

ነዚ ዘሎ ሃዋሁን መድረኽን ብዕምቈት ተረዲእና ንመጻኢ ምእንቲ ክንዳሎ ግን፡ ንዝሓለፈ ከም መለበሚ ክንዝክር ግድን ስለዝዀነ፡ ንታሪኽ መሊስና ክንግንጽል ግቡእ’ዩ።

ኣብ’ዚ ዓለምና መዘና-ኣልቦ ቴክኖሎጂያዊ ገስጋስ ተመዝግበሉ ዘላ እዋን፡ ኩሉ ባህግታትናን ዝተወሃሃደ ጻዕሪታትናን፡ ናብ ምዂስኳስን ምድልዳልን ናይ’ቲ ንሰብኣውነት ዘገልግል ኣህጉራዊ ስርዓት ክቐንዕ ይግባእ። ብዓይኒ ጽኑዕ ስነ-ምግባራዊ ግምታትን መለክዒታትን፡ ዘሎናዮ እዋን፡ ናብ ፖሊሲታት ኲናትን ህውከትን ናይ ምምላስ ዘመን ክኸውን ኣይምተገብአን።

እዞም ሕጂ ንዓለም ዝርብሹን ዘሻቕሉን ዘለዉ፡ ናይ ውሑዳት-ውሑዳት፡ ስሱዓትን ገበትቲን፣ ንሳቶም’ዮም ንዘመናት ንወዲ-ሰብ ዝሃወኹ፡ ዝዘመቱን ዘሳቐዩን። ኣብ ክንዲ ጣዕሳን ካሕሳን ድማ፡ ፖሊሲታት ናዕብን ዕግርግርን ክኽተሉ’ዮም መሪጾም።

ኣብ’ዛ ሕጂ ንፈልጣ ኣመሪካ ዘለዉ ውሑዳት ናይ ውሑዳት ግፍዐኛታት፡ ኣብ’ቲ ‘ሓድሽ መሬት’ ምስ ኣተዉ፡ ነቶም መበቈላውያን ኣጥፊኦም ምእንቲ ኪግብቱ ዝፈጸምዎ ግፍዒታት፡ ዝተረስዐ ኪመስል ይኽእል። ነቲ ዝገበትዎ መሬት ብሕርሻ ምእንቲ ከልምዑ፡ ካብ ኣፍሪቃ ብዘይንሕስያ ኣግዒዞም ብባርነት ዝገፍዕዎ ሰብ፡ መቐጸልታ ናይ ጽንተት-መበቈላውያን ታሪኾም’ዩ። ኣብ መዋእል ኢንዱስትሪያውነት፡ መስመር ባቡር ኪሰርሑ ካብ እስያ ዘምጽእዎ ባርያ’ውን፡ ተወሳኺ’ዩ ነይሩ። እዚ፡ ናይ ኤውሮጳ መግዛእቲታት ተመሳሳሊ ታሪኻት ከይረሳዕካ’ዩ። (ጉዳይ ጆርጅ ፍሎይድን መቓብራት መበቈላውያን ህጻናት ካናዳን’ውን ኣካልን መቐጸልታን ናይ’ቲ ታሪኻዊ ግፍዕታት እምበር፡ ፍሉይ ኣይኰነን።)

ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘመን፡ ኣብ 1ይን 2ይን ኲናታት ዓለም ክሳብ ኣቶሚካዊ ቦምብ ኣብ ምድርባይ ዘየናሕሰዩ፡ ንሳቶም – እቶም ናይ ውሑዳት ሃይመናውያን’ዮም። ድሕሪ 2ይ ዓለማዊ ኲናት፡ ኣብ ምፍላም “ዝሑል ኲናት”፡ “እስትራተጅያዊ ረብሓታትና” ንዝብልዎ ክዉን ንምግባር፡ ኣብ እስያን ኣፍሪቃን ላቲን-ኣመሪካን ዘካየድዎ ወራራት፡ ኣብ ሓድሽ ዝኽሪታትና ዘሎ ዛንታ’ዩ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ዝሑል ኲናት፡ መጋበርያ ክትኰኖም፡ ን“ቓዒዳ” ምፍጣሮም’ውን ምስጢር ኣይኰነን።

ብናታቶም ሓይሊ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብግጉይ ኣተኣላልያ መራሕቲ “ሕብረት ሶቭየት” ነበር እታ ሃገር ምስ ተበታተነት፡ ዘይተጸበይዎ ዕድል ዝረኸቡ ስለዝመሰሎም፡ “ኣብ ሓድሽ ናይ ብሕትና ዓለማዊ ስርዓት ኣቲና” ናብ ዝብል ዓንዳሪ ሕርያ ዘሊሎም፡ “ዝወዳደረና ኪህሉ የብሉን” ብዝብል ቴማ፡ “እንኮ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት” ክዉን ንምግባር፡ ህርድግ ኪብሉ ጸኒሖም፣ ፈሺሎም።

ኣብ ውሽጢ ኣምር “እንኮ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት”፡ “ድረታ” ከም ሜላ ንምርግጋጽ ዘርቀቕዎ ድሙር ውጥን ከኣ፡ ካብ ምእዋጅ ቅሉዕ ኲናት ዝፍለ ኣይነበረን። ኣብ’ዚ ዓንዳሪ ሕርያ “ድረታ”፡ ሓንቲ ካብ’ተን ቅድም ዝተሰርዓ ርእሰ-ሓያላን፡ ፈደራላዊት ሩስያ’ያ ነይራ። ምስ ምፍሻል ናይ’ቲ ዓንዳሪ ሕርያን ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ብዝተኸስተ ዘይተጸበይዎ ምዕባለታትን ከኣ፡ ቻይና ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ትርከብ።

ነዚ ድሕረ-ባይታ’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዩክሬን ተኸሲቱ ናይ ዘሎ ቅልውላው ቀንዲ ጠንቂ፡ ናይ ሃይመና ሸውሃትን ዕንደራ “ድረታ”ን’ዩ። ዩክሬን፡ ምስምስን ግዳይን ጥራይ’ያ።

ምስ ከም’ዚ ዝበለ ውድዓዊ ኣናብባ ታሪኽ፡ ዓለምና ናበይ ገጻ’ያ? ብበይናዊ ስጒምቲ – ባባት ሰላምን ፍትሕን ረጊጥካ፣ ብኣንጻር ዘስዕቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዋት፡ ነጋሪት ኲናት ምድሳቕን ኲናት ምጒህሃርን፡ ከመይ ገይሩ’ዩ ክምኽነ ዝከኣል? እዚ ኣዝዩ ዓብን ኣገዳስን እዋናዊ ጉዳያት’ዩ።

ስለዝዀነ፡ ህዝቢ ዓለም፡ ንዝፈሸለ ናይ ዕብለላን ብድዐን “እንኮ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት” ንምህዳስ ዝካየድ ዘሎ ህቀናታት መኪቱ፡ ናይ ፍትሒን ርግኣትን ራህዋን ዓለማዊ ኩነታት ንምምጻእ፡ ምሕዝነቱን ቃልሱን ከወሃህድ፡ ግድነት እምበር ሕርያ ኣይኰነን።

ባጽዕ

26 ጥሪ 2023