Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ህሉው ኩናታት።

ሰራዊት ኤርትራ ዝሳተፎ ዘሎ ዘይምልከቶ ውግእ ትግራይ ክስሕብ ንምሕጸን።

ህዝቢ ኢርትራ ኣንጻር ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ባዕዳውያን ዘካየዶ ዘይሕለል ቃልሲ፣
እቲ መሰረታዊ ክብሩን መሰሉን ነጻነቱን ንምውሓስ ብሰላማዊ መንገዲ ዝጀመሮ መድረኽ ስለ ዘይተዓወተ እታ እንኮ ምርጫ ዝነበረቶ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ምስግጋር ኮነት። ብመስዋእቲ ብሉጻት ደቁ ረዚን ዋጋ ከፊሉ
ንሓቅን ርትዕን ተዓጥቀ። ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ከኣ፣ ህዝቢ ኤርትራ እታ ዝብህጋን ዝምነያን ዝነበረ ነጻነቱ ከረጋግጽ በቕዐ። እቶም ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ንምጉዕጻጽ ዘይፍትሓዊ ውግኣት ከካይዱ ዝፈተኑ ገዛእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ስዕረትን ፍሽለትን ተሰኪሞም ካብ መሬት ኤርትራ ወጽኡ። እዚ ዝምህረና ድማ
እቲ መሰል ህዝቢ ንምጉዕጻጽ ዘይቅኑዕ ውግእ ዘካይድ ኣካል ናይ ግዜ ሕቶ ድኣምበር ተሰዓሪ
ምዃኑ ኢዩ። ሓንቲ ሃገር ኣካል ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ንኽትከውን ኣህጉራዊ ሕግታት ብፍላይ‘ውን ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ንምዕቋብ ክትሰርሕ ግዴታኣ እዩ። ይኹን እምበር ህዝቢ ኤርትራ እቲ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉ ነጻነት ከየስተማቐረ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰላሳን ሓደን ዓመታት፣ ዓንዳሪ ጉጅለ ኢሳያስ ንሃገርና ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ውግኣት ከእትዋ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ዕንደራ እዚ ብውሕዱ ክልተ ውጽኢታት ኣኸቲሉ።
በቲ ሓደ ወገን ጉጅለ እሳያስ ኣብ ሓሙሽተ ውግኣት መንእሰይ ኤርትራ ብምጥባስ ህዝብና
ኣብ ምጽናት ደይመደይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ይርከብ። በቲ ሓደ ከኣ ጉጅለ እሳያስ ኣብ ክንዲ ንኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ንምዕቃብ ዝሰርሕ፣ ኰነ ኢሉ ኣንጻር ልዑላውነት፡ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ናጽነት ካልእ ሃገር እንዳደፈረ ምስ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዘይቃዶን ጸረ-ሰላምን ጸጥታን
ዞባና ክሰርሕ ጸኒሑ ጌና ከኣ ይሰርሕ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ውልቃዊ ረብሓኡ ንምርግጋጽ፣ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ኣስጊሩ ኤርትራውያን ካብ ዕሸል ትሕቲ ዕድመ ክሳብ ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ብሓይሊ ኣገዲዱ እናገፈፈ፡
ብዘይብቑዕ ወተሃደራዊ ታዕሊም፣ ነብሶም ኣብዘይከላኸልሉን ኣብ ዘይምልከቶምን ውግእ ጸረ-ህዝቢ ትግራይ ኣትዮም ይቕዘፉ ኣለዉ። እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ድማ መሬት ኤርትራ ንውጹዕ ህዝቢ ትግራይ ንምርጋጽ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊት ኢትዮጵያ መሬት ኤርትራ ክጥቀምሉ ምሃብ እዩ። ክጥቀምሉ መሬት ምፍቃድ ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ጉጅለ እሳያስ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ብሓባር ናይ ሓባር ቅዲ
ኲናት ምውጣን፡ መደብ ምውጻእን ከምኡ’ውን ምፍጻምን ይካየድ ኣሎ። እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ትግራይ ዝተፈላለዩ ገበናት ንምፍጻም‘ዩ። ንኣከባቢ ሰላምን ጸጥታን ንምዝራግ ኰነ ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንምፍጻም፣ ካብ ሽማግለታት ክሳብ ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ መንእሰያት ብምግፋፍን ዓዲታት ኤርትራ ኣባዲምካ ናብ ውግእ ክተት ኢልካ አብ ዘይምልከቶ ውግእ ምጥጣቕን፣ መወዳእታ
ዕላምኡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት ምዃኑ ናይ ኣዳባባይ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ። ናይ ሃገር ሰብኣዊ ጸጋ እንድሕሪ ብጉጅለ እሳያስ ጸኒቱ ሃገር ዝከላኸለላ ዘይብላ ጥራሐ ምስ ተረፈት፣ ልዕላውነት ኤርትራውን ኣብ ሓደጋ ተሳጢሑ ምህላዉ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ሎሚ ዓንዳሪ ጉጅለ ኢሳያስ ንህዝብና ፍቕሪ ሃገሩ መዝሚዙ፣ ናብ ትግራይ ምእታዉ ልዕላውነትና ንምሕላው‘ዩ እንዳበለ ንምድንጋር ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ይነዝሕ ኣሎ። እቲ ሓቂ ግን እቲ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ እሳያስ ኣፈወርቂ እዩ። ንልዕላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኣእትዮ ዘሎ ባዕሉ ኢሳያስን ጉጅልኡን ኢዮም። እዚ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዘሎ ብአማኢት አሽሐት ዝቚጸር ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊትን ማእለያ ዘይብሉ አጽዋርን ንምሸቱ ከምጽኦ ዝኽእል ሐደገኛ መዘዝ ክንግንዘብ ይግባእ። እዚ አማስያኡ ንኤርትራን ሃገራዊ ልዑላውነታን አዝዩ ዝህድድን አብ ሐደጋ ዘእቱ አስጋኢን ኢዩ።
ኣብ‘ዚ እዋን’ዚ ኣብ ክልል ትግራይ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝሳተፎ ዘሎ ውግኣት፣ ደብዳብ ነፍርትን ከበድቲ ብረትን ኣሰኒኻ ዝግበር፣ ዓድታትን ሰላማዊ ህዝቢ ምቕታልን፣ ትሕተ ቅርጻ ምፍራስን ሰባት ምርሻንን፣ ካብዚ ንላዕሊ ግፍዒን ህልቂትን የልቦን። እዞም ግፍዕታት እዚኣቶም ናይ ውግእ ገበናት ይኹኑ ገበናት ጸረ-ሰብኣውነት ዘሕትቱ ምዃኖም ምስትውዓል የድሊ። ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ ውድብ
ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) እዚ ዝስዕብ ጸዋዒታ ተቕርብ፣ ዝኸበርካ ሰራዊት ኤርትራ!
እቲ ክትመሃረሉን ክትምዕብለሉን፣ ክትወልደሉን ዝግብኣካ ዕሸል ዕድሜኻ ኣብ ደረት ኣልቦ ዝኾነ ኣገልግሎት ተጸሚድካ ተገዲድካ እተሕልፎ ዘሎኻ ከይኣክል፣ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ናይ ውልቃዊ ረብሕኡ
ንምርዋይ ኣብ ዘይምልከተካ ውግእ የጽንተካ ከምዘሎ ፈሊጥካ፣ ካብ ዘይምልከተካ ኲናት ትግራይ ስሒብካ ኣብ ጐድኒ ጠለብ ህዝብኻ ደው ክትብል ነማሕጽን። ዝኸበርካ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጢ ዓድን እትነብር ህዝብና!
ውግእ መዓስ ከም ትጅምሮ ድኣምበር መዓስ ከም ዝውዳእ ኣይፍለጥን። ስምብራት ውግእ ድማ ንዘኸትሎ ሞት፡ ስንክልናን ዕንወትን ከምኡ’ውን ስነ-ኣእሙራዊ ሳዕቤናትን ብቐሊል ዝምዘን ኣይኮነን። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ አፍወርቂ፣ ሃገርና ኤርትራ ናብ አዝዩ ሐደገኛ ዝኾነ መአዝን ጥፍኣት ሒዙዋ ይጉዓዝ ከምዘሎ ተረዲእና፣ ንሰብአዊ ክብርና ከም ህዝቢ፣ ንልዑላውነትና ከኣ ከም ሃገር ንምውሓስ፣ ዘለና ኩሉ ዓቕምና ጸንቂቕና፣ ናብ አዝዩ ሐያል ሓርነታዊ መኸተ ጸረ-ስርዓት ገባቲ
ጉጅለ እሳያስ ክንኣቱ ዘገድድ ክውንነት መድረኽ ይሓተና ኣሎ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ሰራዊት ኤርትራ ዝሳተፎ ዘሎ ደማውን ኣጽናትን ውግእ፣ ደብዳብ ነፈርትን ከበድቲ ብረትን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ዘስዕቦ ዘሎ ቅትለትን፣ ኣብ ልዕሊ ስቪላዊ ናይ ኣገልግሎት
ትካላት ዘውርዶ ዘሎ ዕንወትን፣ ምርሻን ሲቪል ሰባትን ወዘተ ኩሎም መልክዓት ገበናት ናይ ወራር ገበን፡ ናይ ውግእ ገበን፡ ከምኡ’ውን ገበናት ጸረ-ሰብኣውነት፡ ከስዕቡ ስለ ዝዀኑ ውሓኤ ከም ንፍትሒ ዝቃለስ
ውድብ ኣትሪሩ ይዂንኖ።
ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ !
ፈጻሚ ኣካል ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
19 ጥቅምቲ 2022