Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ንዂናት እንዳተወለፈ ዝተኾልፈ ዕሉል ….15 ለካቲት 2023 ኣለምሰገድ / ስያትል

ኣብ ቀዳማይ ዲስኩር ቃለ መሕተቱ ውልቀ-መላኪ ንዝርደኦ መርድእ ኢዩ ሰዲዱ ዘሎ ። “ስረ ፈቲሓ” ዝተባህለት ወያነ ምድሓና ብዕሊ ምንጋሩ ንደገፍቱ ዓቢ መርድእ ኢዩ ። እዚ ዱቦላ ኣብ ልዕሊ በሃማት ደገፍቱ ዝፈጥሮ ተጽእኖ ኣይንርኣዮ ኢዩ ክኸውን ። ኣይግዱ ግን ዝግድሶ ኣይመስለንን ። እምበኣር ኣብ ባዶን ኣብ ዘይተጨበጠ ዓወትን ብኸንቱ ንኸንቱ ምዝላ እነሆ ከምዚ ኢዩ ውጽኢቱ ።

ተወሳኺ መርድእ ካብ ሙኻን ዘይሓልፍ ካልእ ውን ኣሎ ። ህላዌ ጃንዳ ወያነ ብህላዌ ጃንዳ ዋሽንተን ስለዝተተከአ ገና ኣብ ናይ ዂናት ሃዋሁ ምኹዳድ ክቅጸል ሙኻኑ ዝእምት ኢዩ ። ነዚ ዘረጋግጽ ኣብ ዝቅጽል ቃለ መሕተቱ (እንተ ጌርዎ) ተጸመሙ ፡ መኽቱ ፡ ኣዋጽኡ ፡ ብዘይ ዓስቢ ኣገልግሉ ፡ ሕጅውን ብኒሕን ብሓቦን ኣብ ጥሙይ ከብድኹም ዕሚም ከይበልኩም ቀጽሉ እንዳበለ ንሃገር ብሃገራ ኣብ’ቲ ዝተለምደ ናብራ ሰንፈላል ከምብራ ሃቂኑ ምህላው ኢዩ ። ኣብ ናይ ቑጠባ ትሕተ-ቅርጺ ውን እንተኾነ ጸዓት የለን ፡ ፍርያት የለን ፡ ሕርሻ የለን ፡ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ደስኪሉ ፡ እንዳበለ ከምቲ ልሙድ ተሓታቲ ዘይብሉ ድቀት ኢኮኖሚ ካብ ምትንታን ዓዲ ኣይክውዕልን ኢዩ ። ደጊም ግን ወዮም ባሃማት ተደናገጽቲ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ምዝላል ገዲፎም እንተውሓደ እሕሕ ብምባል ተረኦም ክጻወቱ ናይ መወዳእታ ዕድል ኣብ ቅድሚኦም ተገቲሩ ይጽበዮም ኣሎ ።

ውልቀ-መላኺ ሃገርና ብዓለማዊ መድረኽ ክምዘን ኸሎ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወዲቑ ኢዩ ዝርከብ ዘሎ ። ኣብ ኢትዮጵያ ንሱ ዝኣጎዶ ሓዊ ተመሊሱ ለብሊብዎ ድሌቱ ከም ዘይሰመረሉ ብጋህዲ ነጊሩ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ኤርትራ ዘውረዶ ህልቂት ብተዘዋዋሪ ነጊሩና ክነሱ ብሓላፍነት ግን ከምዘይዘይሕተት እዃ ድኣ ተጠየቅቲ ካልኦት ሙኻኖም ኣመልኪቱልና ኣሎ ። ህዝብና ብኣፉን ብኢዱን ተታሒዙ ስለዘሎ ውሽጠ ሑሩር ካብ ሙኻን ሓሊፉ ዝገብሮ የብሉን ። እንተ እቲ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኣትዩ ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ግን እኹል መርትዖን ሓበሬታን ተኣኪቡ ስለዘሎ ኣብ ሕጊ ዘሕትቶ ሙኻኑ ኣይዘንገዐን ። ኢዱ ናብ ካልኦት ዘወጣውጥ ዘሎ ድማ ተጠያቒ ከይከውን ብምስጋእ ኢዩ ። ኮይኑ ግን ጠቒኑ ይኹን ኣፈራሪሑ ከምልጥ ኣይክእልን ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ስለ ዝኾነ ።

ኹናእት እንዳተወለፈ ዝተኾልፈ ስግንጢር ውልቀ-መላኺ እምበኣር ዓለም ብዓለማ ፎእ ኢላቶ ኣላ ። ደጊም ከም ልማዱ ተነጺሉ ኣብ ገዳም ዓዲ ሃሎ ብምሹጓጥ ተወሰኽቲ ተንኮላት ክጸፊ ከነፍቅደሉ የብልናን ። ፈጺሙ ጠቅሊሉ ክእለ ኣለዎ ። ሓጺን ብርሱኑ ከምዝበሃል ሕጂ ከይደንጎና መንነቱ ካብ ዓይኒ ዓለም ከይሃሰሰ ኸሎ መሻርኽትን ተደናገጽትን ኣተሓባቢርና ሃገርና ኤርትራ ካብ ህግደፍ ነጻ ትኾነሉ ግዜ ከነቃላጥፍ ይግባእ ። ዝቅጽል ዓመተ 2024 ጸሓይ ህግደፍ ዓሪባ ጸሓይ ደለይቲ ፍትሒ ትበርቀሉ እዋን ንምግባራ ምስ ነብስና ቃል ብምእታው ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ድማ ይግባእ።

ሰላም ንኹሉ ደላይ ፍትሒ

15 ለካቲት 2023

ኣለምሰገድ / ስያትል

Post navigation