Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ቃለ መሕትት ኢሳያስን ሕቡእ መልእኽቱን…ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ 15 የካቲት 2023

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፡ ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ ሰሙናት ዝኸይድ “ቃለ-መሕትት” ኣብታ እንኮ ተለቭዥን ኤርትራ ክገብር ጀሚሩ ኣሎ። ኣብቲ ንሰዓትን 20 ደቓይቕን ዝኸደ ቀዳማይ ርክቡ፡ “ጃንዳ ወያነን ጃንዳ ዋሽንግተንን” ከይጠፈአ ድቃስ ከምዘየለ ኣተንቢሁ ኣሎ። “ጃንዳ ወያነ ከነጥፍእ፡” 35 ዙርያ ሳዋ ካብ ወሰደልና፡ “ጃንዳ ዋሽንግቶን ከነጥፍእ” ክንደይ ናይ ሳዋ ዙርያ ከምዝወስደልና መቸም ንመላሲ ይጭነቆ ኢዩ። ኣብዚ እቲ ብኢሳያስ ዝቐረበ ትሕዝቶ (content) ዘይኮነ፡ ነቲ ብኢስያስ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ (context) ጥራይ ኣተኲርካ ምዝራብ፡ ዝያዳ ተመራጺ’ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ሰይጣናዊ መልእኽቲ ኣብቲ ዝርዝር ሰፊሩ ስለዘሎ።

ኢሳያስ ኣብዚ፡ ኣዝዩ ኣሰልቻዊ ዝኾነ “ቃለ-መሕትቱ” ከም ቀንዲ ዕላማ ናይቲ መልእኽቱ ጌሩ ዝወሰዶ፡ እቲ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዝቕመጥ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ከም ካልኣይ፡ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝቐነዐ ኢዩ ኔሩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ቀንዲ ሓደጋ ናይ ስልጣኑ እዚ ክልቲኡ ወገናት ስለ ዝኾነ። እታ ንዓመታት ዝሰማዕናያ ናይ ሓደ ቀጽራዊ ስርዓት (unipolar) ትብል መሓፍስቲ ገዲፍና፡ ህዝቢ ኤርትራ ከስተብህለለን ዘለዎ ክልተ መልእኽትታት እዘን ዝስዕባ እየን።

  1. ኢሳያስ ብቓላቱ፡ “ጃንዳ ወያነ፡ ከነጥፍኦ እንዳኸኣልና ከለና፡ ከልኪሎምና” ይብል። እዚ ማለት፡ ጃንዳ ወያነ ክሳብ ሕጂ ከምዘይጠፈአት’ዩ ዝእንፍት ዘሎ። ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ግጭትን ኲናትን ከኣ፡ ወያነ ብምዃኖም ክሕተቱ ከምዘለዎምን ደጋጊሙ ተዛሪቡ። ብሕጂ እውን ወያነ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኲናት ንምውላዕ ከይደቀሰት ከም እትሓድር ጠቒሱ። እቲ መልእኽቲ እምበኣር ንጹር ኢዩ። ኣንቱም ወያነ ጠፊኣ ኢልኩም ትዛነዩ፡ ወያነ ገና ምጽባኣ ኣይተርፋን ኢዩ እሞ፡ ሃገር ከምቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ንዝጸናሓቶ ክትቅጽል ኢያ። ሰራዊት ኤርትራ ሕጂ`ውን ምስ ዕጥቅኻ ኣብ ተጠንቐቕ ክትጸንሕ ኢኻ። እቲ ድሕሪ ወያነ ክኸውን እትምነዮ ዝነበርካ፡ ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጃንዳ ዋሽንግተንን ተቖጽዩ ኣሎ`ሞ ቅበጽ። ወስ እንተኢልካ ከኣ ኣብኣትዴኻ ዝብል መልእኽቲ ኢዩ ኔሩ።
  2. እቲ ካልኣይ መልእኽቲ፡ ኣሸበሸብ ወያነ፡ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ዕንወትን ንዕኡ ንምህናጽ እተጥፍኦ ግዜን በቲ ሓደ ወገን፡ ፈደረላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ምስ ክልል ትግራይ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕን ከኣ በቲ ካልእ፡ ወያነ ካብ “ተጻባኢ መርገጺ” ክትቁጠብ ትኽእል ኢያ። ስለዚ፡ ኣብዚ ተሳናቢድሉ ዘሎ እዋን ንግዜኡ ዘጻነሖ ጸላኢ ክፈጥር ኣለዎ። እቲ ጸላኢ ክኸውን ዝተመርጸ ከኣ ስርዓት ዋሽንግቶን ኢዩ። እቲ ንራሻ ኣመልኪቱ ኣብ ዝመጽእ ርክቡ ክገብሮ ዝሕልን “ቃለ-መሕትት” ከኣ ነዚ ዘረጋግጽ ክኸውን ኢዩ።

ኣብዚ መትሓዚ ዘይነበሮ መደረኡ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ትግራይ ዋና ተዋሳኣይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ወሳኒ ግደ ከምዝነበሮ ብቓላቱ ተኣሚኑ ኣሎ። ኣብቲ እተኻየደ ናይ ክልተ ዓመታት ኲናት፡ ኣማኢታት ኣሽሓት ህይወት ሰብን ንብረትን ከምዝሃለቐ ብቓላቱ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ኣብ ግዜኡ ክግለጽ ምዃኑን ተሓታትነት ክህሉ ከምዘለዎ እውን ብዘይ ዕጻይ ምጻጻይ ደጋጊሙ ጠቒሱ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራ ወሪድዎ ከምዘሎ፡ ክሓብኦ ፍጹም ኣይደለየን ወይ ኣይከኣለን። እዚ ናይ ፕሪቶርያ ናይ ሰላም ውዕል፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ክኸይድ ዝጸንሐ፡ “ናይ መወዳእታ 3ይ መጥቃዕቲ” ዝበሎ ናይ ምኹላፍ ስጉምቲ “ብኣመሪካን ከደምቶምን ዝተወጠነ” ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ እቲ ቀንዲ ዛዕባ ክኸውን ዘለዎ እምበኣር፡ ኢስያስ ዝበሎ ምኩምሳዕ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ብውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ዝሓለፈ መልእኽቲ እንታይ ይመሃር ዝብል ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ገና ሕንሕነ ኲናት ከምዘይወጽኣሉን ንኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ገና ኣብ ኲናት ክጸምዶም ድሕር ከምዘይብል ካብቲ ዘሕለፎ መልእኽቲ ኣነጺርዎ ከምዘሎ ክንግዘብ ይግባእ።

ስለዚ’ውን፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን እንቕመጥ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂ እውን ይኣክል ክንብል እንተዘይክኢልና፡ ኢሳያስ ኣብ ዘይዓርፍ ናይ ጽልእን ኲናትን ሃዋሁ ክጸምደና ተዳልዩ ኣሎ። ድሮ፡ ምስ ራሻ ዝገብሮ ዘሎ ውዕላት፡ ኣጽዋር ንምሽማትን ነብሱ ንምክልኻልን እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ህንጸትን ምዕባለን ሰላምን ንምስፋን ስለዝዓለመ ኣይኮነን። ትምህርትን ስርዓተ ሕግን ንምስፋሕ ወይ’ውን ስደትን ወረ ስደትን ደው ንምባል ኣይኮነን። እቲ ዕላማ ንሱ እንተዝኸውን፡ ንሰዓትን ፈረቓን ኣይምሃውተተን። ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ክሃንጽ ሓገዝ ናይ ራሻ ወይ ድንጋጸ መንግስቲ ኣመሪካ ኣይኮነን ዘድልዮ። እኳ ድኣ ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈና ብቅዋም እትመሓደር፡ ሓድነት ህዝባ ዝዓቐበት ሃገር ንምርኣይ’ዩ ባህጉን ሕልሙን። ሰለዚ’ውን ከም ህዝቢ ብሓባር ሃገርና ካብ ኢዱ ክሳብ ዘይመንዛዕናያ፡ ንኤርትራ ህዝባን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትዋ ሰጋእ ዝብል ውልቀ-መላኺ ኣይኮነን።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን

ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ

15 የካቲት 2023

Post navigation