Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

*ቀይሕ መስመር ዝሓለፈ ሰራዊት ትገንሖ እምበር ኣብ ጎንኻ ኣለኹ ኣይትብሎን ኢካ ፡* ኣለምሰገድ ዘስያትል

ኣይንተዓደሎ ኮይኑ ፖለቲካ ሃገርና ኣብ ዘይንደልዮ ማእዝን ኣቅኒዑ ዕድመ ንህግደፍ ምስ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከምዝጠናነግ ካብ ዝገብሮ ሒደት ዓመታት ኣቁጺሩ ኣሎ ። ስለዚ እናሻዕ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝግበር ዘሎ ኣልዒልና ምስንዛረብ ዘኽፍኣልና ኣይኾነን። እዞም ደለይቲ ፍትሒ ጉዳይና ንግበር ክንብል ከለና እምበኣር ኢድና ካብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ነውጽእ ማለት ሙኻኑ ክዝንጋዕ የብሉን ።

ስርዓት ህግደፍ ንነዊሕ እዋን ቀቢርዎ ዝጸንሐ ጥሙሕ፡ ሃገር ኣሕሊፍካ ምሃብን ብኽንደይ መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ናጽነትና ንምስራዙን ብዂናት እንዳማኻነየ ኤርትራና ብምድኻም ምእዝዝቲ ላቄባ ኢትዮጵያ ንምግባራ ብምሕላኑ ናይ ሞት ፍርዲ ጥራይ ኢዩ ክብየነሉ ዘለው (ጥልመት ሃገር ዝለዓለ ፍርዲ ስለ ዘውህብ)። ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዩ ብሓዊ ክጻወት ምጅማሩ እምበኣር ጸላኢካ ውሕጅ ክወስዶ ሽንትኻ ሓውሰሉ ዘየብል ኣይኽውንን ። ውድቐት ህግደፍ ድሕነት ሃገረ ኤርትራ ሙኻኑ ንዝርዳእ ደላይ ፍትሒ ብዘይ ጥርጥር ንወራር ህግደፍ ከወግዝ ድማ ንቡር ኢዩ ዝኸውን። ወራር ህግደፍ ኣብ መሬት ሱዳን እንተዝነብር ልክዕ ከምቲ ኣብ ትግራይ ንዝተገብረ ወራር ብዘየማትእ መገዲ ምተኾነነ ኔሩ ። ሰብ ሕልና ዝኾኑ ደለይቲ ፍትሒ ንቀይሕ መስመር ዝሓለፈ ሰራዊት ህግደፍ ካብ ምኹናኑ ድማ ዓዲ ኣይምውዓሉን።

ንሰሜን የብል ንደቡብ ወይ ንምብራቕ ዘይዓዱ ዝወርር ሰራዊት ክግናሕ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። ጽባሕ ንግሆ መን ይፈልጥ ተራና ኾይኑ ክንውረር ከምንኽእል ከመይ ዘይስቆረና ። እዚ ዝርዳእ ደላይ ፍትሒ ንወራር ህግደፍ ብምቅዋሙ ሃገር ከምዝጠለመ ጌርካ ምርኣይ ብውሽጠ ውሽጢ ተንኮል ህግደፍ ምህላው ዘረጋግጽ ኢዩ ። እምበር ጥዑይ ኣእምሮ ንዘለዎ ሰብ ሃገሩ ወራሪትን ዓማጺትን ኣብ ትኾነሉ እዋን ምስ ሰራዊትና ኣለና ምባል ናይ ነገር ጥዕና ክኸውን ከቶ ኣይክእልን ። ኤርትራ ሃገርና ኣብ እዋን መግዛእታዊ ደርጊ ተወሪራ ብምንባራን ህዝባ ብጅምላ ይጭፍጨፍ ስለዝነበረን ንወራሪ ሓይሊ ካብ ምምካት ካልእ ኣማራጺ ኣይነበራን ። ስለዝኾነ ድማ ብዙሓት ጀጋኑ ኣፍርያን ብዙሓት ተደናገጽቲ ኣጥርያን ኣብ መወዳእታ ድማ ክትዕወት ክኢላ። ወራሪ ክሰዓር ዝተወረ ድማ ዋጋ ይኸፍል እምበር ከምዝዕወት ብተደጋጋሚ ታሪኽ ዝሕብሮ ሓቂ ድማ ኢዩ ። ሎሚ ዕድመ ነቲ ገድላዊ ታሪክናንኡ ናጽነትናን ዝጨወየ ጠላም መሪሕነት ሃገርና ኤርትራ ኣይንተዓደሎ ወራሪትን ዓማጺትን ክትከውን ኣብቒዕዋ ኢዩ ። እዚ ኣብጎኑ ኢና ዝበሃለሉ ዘሎ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ፈጺምዎ ዘሎ ግፍዒ ተሰኒዱ ስለ ዘሎ ኣብ እዋኑ ክቃላዕ ኢዩ ። ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቡ ካብቲ ኣብ ትግራይ ኣብጺሕዎ ዘሎ ዘይፍለ ኣደራዕ ምፍጻሙ ዝሰሓት ኣይኮነን። ግዚኡ ምስኣኸለ ድማ ንወዮም ሃንደስቲን መራሕትን ዕንወት ብሕጊ ዝሕተትሉ መድረኽ ክፍጠር ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ ።

ኣብ ጎኒ ወራሪ ሰራዊት ኣለኹ ኢልካ ካብ ደምበ ፍትሒ ምህዳም ብሓቂ ቀሚሽ ኣደይ ሓንዂሉኒ ካብ ምምሳል ዝዘልል ኣይኮነን ። ደምበ ፍትሒ ዓገብ ንወራር ምባሉ ኣንጻር ሃገሩን ኣንጻር ህዝቡን ዘስምዕ ዘይሙኻኑ ብተደጋጋሚ ክስመረሉ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ ። ሰራዊት ህግደፍ ሰራዊት ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ዝዓግቶ ከቶ የለን ። ነዚ ንምርግጋጽ ጥቅሚ ህዝብን ሃገርን ምስዝሕሉ ኢዩ ። ብረት ዝዓጠቀ ሰራዊት ህዝቡ ክህደንን በስገዳድ ንምዕስካሩ ክግፈፍን ወለዲ ክእሰሩን እንዳርኣየን እንዳሰምዐን ዘስቅጥ ሰራዊት ህዝባውነቱ ዝሸጠ ኢዩ ። ብረት ዝዓጠቀ ክፈርሕ ኣይግባእን ። ንህግደፍ ዘባህርሮ ብረት እንዳደርበኻ ዶብ ብምስጋር ዘይኮነስ ነቲ ትመልኮ ብረት ዝያዳ ብትሪ ዓትዒትካ ሕቶ ህዝብኻ ንምምላስ ምቅላስ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ ።