Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ተኣኪብካ ማለት ተውዲብካ ማለት ኣይኮነን !! ስመር ዕላዊ ልሳን ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ)

ኣብዚ ሎሚ ግዜ ብዛዕባ ውደባ ምዝራብ ንመብዛሕትና ኤርትራውያን ቅጭ ዘምጽ ዘረባ ክኽውን ይኽእል’ዩ ። እቲ ሓቂ ግን ውደባ መሰረት ናይ ዝኾነ ይኹን ለውጢ’ዩ ። ውደባ ሓይሊ’ዩ ። ውደባ ሓበሬታ’ዩ ። ውዳበ ጥርኑፍ ሓይሊ’ዩ ። ውዳበ ዘይብሉ ስራሕ ዓወት ከመዝግብ ኣይኽእልን ።  

መብዛሕትና ኤርትራውያን ንወደብ እትብል ቃል ብቐጥታ ግጉይ ፖለቲካዊ ትርጉም ብምሃብ ነቲ ተወዲቡ ሽግሩ ክፈትሕ ዝግብኦ ህዝቢ ከይውደብ ከይደቀሱ ዝሰርሑ ሕቡእ ዕላማ ዘለዎም ሰባት በዚሖም ኣለዉ ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ስርዓት ህግደፍን መሓዉራቱን ኮይኖም ካልኦት’ውን ከም ዘለዉ ንምእማት ኢዩ ። እቲ ህዝቢ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ነቓዓት ክሳብ ዘየቃለበሎም ድማ ግዳይ ዝተፋላለየ ሽግራት’ዩ ዝኸውን ።

 ኣብ ዝተረጋግኤ ሂወት ፡ ሰላም ዘለዎ ሕብረተሰብ ረብሓኦም ከረጋግጹ ዘይኽእሉ ተበለጽቲ ኣካላት ብስዉር ዕላማ ኮሓልቲ ተመሲሎም መንቆርቲ ኢዮም ዝኾኑ ። ኩሉ ግዜ ኣንጻር ውዳበን ሓድነትን ኣንጻር ፍቕርን ስኒትን ፡ ኣንጻር ሓርነትን ስምረትን ፡ ኣንጻር ራህዋን ቅሳነትን ኢዮም ዝዓዩ ። ስለምንታይ ኢሉ ንዝሓትት ፡ ሓቢሩ ዝዝቲ ሓቢሩ ዝዓዪ ሰብ ክሪኡ ከለዉ ብቐጥታ ረብሓኦም ክበንን ድልየታቶም ክቑጸ ምኻኑ ስለ ዝፈልጡ ኢዮም ። 

 ስለዝኾኑ እዮም እምኣር ውልቃውን ጉጀለኣውን ረብሓታቶም ንምሕላው ኮሓልቲ ተመሲሎም መንቆርቲ ብምዃን ኩሉ ግዜ ድሕረታት እንዳቐስቀሱ ከይደቀሱ ብምዕያይ ነቲ መስኪናይ ህዝቢ ናቱ ተሓለቕቲ ተመሲሎም ተወዲቡ ከይቃለሶም ብናይ ሓባር ኣመለኻኽታ ብዝተወደበ መልክዕ ከይምክቶም ብዓድን ከባብን ፡ ብሃይማኖትን ቢሄርን ፡ክኸፋፍልዎ ሒኽ ይብሉ ። ንሳቶም ብጋህድን ብስዉርን ተወዲቦም ዝቃለሱ ክንሶም ኣንጻር ካልእ ውድብ ወይ ውደባ ግን ተወዲቡ ንኸይቃለስ ዝተፈላለየ ሽርሒታትን ውዲታትን ይሰርሑ :: 

ኣብ ቃልሲ ውዳበ እቲ ዝዓበየ መሰረታዊ እምነ ኩርናዕ’ዩ ። ውዳበ ምፍጣር ማለት ዓቕሚ ሰብካን ጸጋታትካን ኣብ ዝግባእ መዓላ ክተውዕሎ ዝሕግዝ ናይ ቃልሲ ጥበብ’ዩ ። ከምኡ ክንዲ ዝኾነ ድማ ኩሎም ዓመጽቲ ኣካላት ዝተወዳበ ውዳበ ብምፍራስ ህዝቢ ዘይተወደበ ሂወት ንከሕልፍ ኣበርቲዖም ዝጽዕሩ ።  ማእለያ ዘይብሉ ጸጋታት ህዝቢ ውዳበታትን ጥርናፌታትን ህዝቢ ንምብታን የባኽኑ ።

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ክልተ ሓዊ ኣጒድካ ኣብ ዝሞቖካ ሰሓን ዝብሉ ምስሉያት ኢዮም ። ኩሉ ግዜ ከም መሕብእን መከፋፈልን ዝጥቀምሉ ባዓትታት ጸረ እምነትን ባህልን ጸረ ታሪኽ ያታን ሕብረተሰብ ክንሶም ሕሉፋት ተጣበቅቲ ሃይማኖትን  ታሪኽን ብምዃን ኢዮም ዝዛረቡ :: ኩሉ ግዜ ድማ ንኹሉ ነገራት ኣምላኽ’ዩ ዘውግሖ ። ኩሉ ኣምላኽ ዝበሎ’ዩ ዝኸውን ። ኩሉ ነገር ኣምላኽ ኣብ ዝወድኦ’ዩ ዝውዳእ ክብሉ ሕሉፋት ኣመንቲ ኮይኖም ኢዮም ዝቐርቡ  :: 

እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ምክፍፋልን ምብታንን ሕብረተሰብ እንዳወዓሉን ሓደሩን ግን ድማ ተሓለቕቲ ሕብረተሰብ እንዳመሰሉ ፡ ምስቶም ከምኦም ዝኣመሰሉ  መሳርሕቶም ኮይኖም ህዝባዊ ውደባ ወይ ህዝባዊ ጥርናፌታት እንዳኾነኑን እንዳበተኑን ናቶም ናይ ጥፍኣት ውደባ ኢዮም ዝውደቡን ዝውድቡን ። ዘይተወደበ ህዝቢ ብዝኾነ ተኣምር ክገብሮ ዝኽእል ቁምነገር የለን ስለዚ ህዝቢ ነዚ ፈሊጡ ጸላእቱን ተጻባእቱን ከለሊ ይግባእ ። 

 ህዝብታት እንተ ዘይተወዲቦም ብኣጋጣሚ ንዝኽሰቱ ዝኾነ ይኹን ክስተታት ኣብ ረብሓታቶም ከውዕልዎም ኣይኽእሉን ። ጽቡቓት ይኹኑ ሕማቓት ናይ ለውጢ ኩነታት ብዝግባእ ከማሓድርዎ ይኹን ከማእዝንዎ ኣይኽእሉን ። ኣብ ጥቕሚ ህዝቢ ክውዕል ዝግብኦ ኣጋጣሚታትን  ጸጋታት ብሰንኪ ስርዓት ዝለበሰ ውዳበ ዘይምህላው ኣብ ጥቕሚ ህዝቢ ክውዕል ኣይኽእልን ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ዝተወደበ ሓይሊ ፈጢርካ ዘይምጽናሕ ማለት ንዘጋጥሙ ብድሆታት ኮነ ዓወታት ኣብ ግዜኡ ግብረ መልሲ ክህብ ኣይኽእልን ኢዩ ። ውዳበ ማለት ግድን ብረት ዝዓጠቐ ሓይሊ ምፍጣር ማለት ኣይኮነን ። ውድባ ኣብ ኩሉ መዳይ ሂይወት ዘድሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ መስርሕ ወይ ጥበብ ኣነባብራ ወዲ ሰብ’ዩ ። 

ውዳበ ማለት ስርዓት ዝለበሰ ተጽዕኖ ክፈጥር ዝኽእል ተሰማዕነት ዘለዎ ጥርኑፍ ኣድማዒ ሓይሊ ዝውንን ስልጡን ዓቕሚ ሰብ ምፍጣር ማለት’ዩ ። ተሰማዕነት ዘለዎ ዓቕሚ ምዕባይ ማለት ኣብ ኩሉ ዘድምዕ ተወዲቡ ዝዓዪ ጥርኑፍ ዝተወደበ ሓይሊ ምህናጽ ማለት’ዩ ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቕሚ ንምህናጽ ውዳበ መሰረታዊ ናይ ቃልሲ ጥበብ’ዩ ።

ውደባ ንምህናጽ ኮነ ንምዕናው ክተውዕሎ እትኽእል ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ዘለዎ ጥርናፈ ማለት’ዩ ። ውዳበ ንምህናጽ ይኹን ንምፍራስ ዘገልግል ኣብ ባህርያት ናይቶም ወደብቱ ይምርኮስ ። ንኣብነት ናይ ህግደፍ ውደባ ምስ እንርኢ ትንፋስ ዘይህብ ምሕረት ዘይፈልጥ ናይ ዕንወት ወይ ናይ ጥፋኣት ውዳበ’ዩ ። 

እቲ ኣወንታውን ናይ ስልጡን ኣተሓሳስባን ዝኾነ  ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ፍትሓዊ ውዳበ ንልምዓትን ዕቤትን ሕብረተሰብ ንምርግጋጽ እትገብሮ ውዳብ ክኸውን እንከሎ ቀንዲ መወደቢ ዕላማኡ ኣብ  ሕብረተሰብ ክተረጋግጾ እትደሊ ሽቶ ወይ ለውጢ ኣብ ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ንምርግጋጽ ዝግበር ውደባ’ዩ ።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ውደባ ኣብ ኩሉ መዳይ ሂይወት ሕብረተሰብ ንዕቤት ዝሰርሕ ኣዝዩ  ኣገዳሲ’ዩ ። ስለዚ እቲ እንደልዮ ለውጢ ንምርግጋጽ ቃልሲ ሓርነት ንምዕዋት ውዳበ መሰረት ዓወት ምዃኑ ኣሚና  ውዳበና ነሕይል  ። ውዳበ ኣብ ቃልሲ እቲ ዝዓበየ  መቃለሲ ጥበብ ኢዩ’ሞ ቃልሲ ሓርነት ንምዕዋት ንወደብ ። ውዳበ ሓይሊ’ዩ ። ስለዚ ኣብቲ የዕውተና’ዩ ዝበልናዮ ውዳበ ኣቲና ንቃለስ 

ዝርዝር ትሕዝቶ

                   ርእሰ ዓንቅጽ፡

  • ተኣኪብካ ማለት ተወዲብካ ማለት ኣይኮነን
  • ህዝብታት ኤርትራ ድሕነትኩምን ቀጻልነትኩምን ኣብ ኢድኩም ኢዩ
  • እቶም ምሩኻት እንታይ በሉ
  • ግጥምታት

ተኣኪብካ ማለት ተውዲብካ ማለት ኣይኮነን !!

 ኣብዚ ሎሚ ግዜ ብዛዕባ ውደባ ምዝራብ ንመብዛሕትና ኤርትራውያን ቅጭ ዘምጽ ዘረባ ክኽውን ይኽእል’ዩ ። እቲ ሓቂ ግን ውደባ መሰረት ናይ ዝኾነ ይኹን ለውጢ’ዩ ። ውደባ ሓይሊ’ዩ ። ውደባ ሓበሬታ’ዩ ። ውዳበ ጥርኑፍ ሓይሊ’ዩ ። ውዳበ ዘይብሉ ስራሕ ዓወት ከመዝግብ ኣይኽእልን ።  

መብዛሕትና ኤርትራውያን ንወደብ እትብል ቃል ብቐጥታ ግጉይ ፖለቲካዊ ትርጉም ብምሃብ ነቲ ተወዲቡ ሽግሩ ክፈትሕ ዝግብኦ ህዝቢ ከይውደብ ከይደቀሱ ዝሰርሑ ሕቡእ ዕላማ ዘለዎም ሰባት በዚሖም ኣለዉ ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ስርዓት ህግደፍን መሓዉራቱን ኮይኖም ካልኦት’ውን ከም ዘለዉ ንምእማት ኢዩ ። እቲ ህዝቢ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ነቓዓት ክሳብ ዘየቃለበሎም ድማ ግዳይ ዝተፋላለየ ሽግራት’ዩ ዝኸውን ።

 ኣብ ዝተረጋግኤ ሂወት ፡ ሰላም ዘለዎ ሕብረተሰብ ረብሓኦም ከረጋግጹ ዘይኽእሉ ተበለጽቲ ኣካላት ብስዉር ዕላማ ኮሓልቲ ተመሲሎም መንቆርቲ ኢዮም ዝኾኑ ። ኩሉ ግዜ ኣንጻር ውዳበን ሓድነትን ኣንጻር ፍቕርን ስኒትን ፡ ኣንጻር ሓርነትን ስምረትን ፡ ኣንጻር ራህዋን ቅሳነትን ኢዮም ዝዓዩ ። ስለምንታይ ኢሉ ንዝሓትት ፡ ሓቢሩ ዝዝቲ ሓቢሩ ዝዓዪ ሰብ ክሪኡ ከለዉ ብቐጥታ ረብሓኦም ክበንን ድልየታቶም ክቑጸ ምኻኑ ስለ ዝፈልጡ ኢዮም ። 

 ስለዝኾኑ እዮም እምኣር ውልቃውን ጉጀለኣውን ረብሓታቶም ንምሕላው ኮሓልቲ ተመሲሎም መንቆርቲ ብምዃን ኩሉ ግዜ ድሕረታት እንዳቐስቀሱ ከይደቀሱ ብምዕያይ ነቲ መስኪናይ ህዝቢ ናቱ ተሓለቕቲ ተመሲሎም ተወዲቡ ከይቃለሶም ብናይ ሓባር ኣመለኻኽታ ብዝተወደበ መልክዕ ከይምክቶም ብዓድን ከባብን ፡ ብሃይማኖትን ቢሄርን ፡ክኸፋፍልዎ ሒኽ ይብሉ ። ንሳቶም ብጋህድን ብስዉርን ተወዲቦም ዝቃለሱ ክንሶም ኣንጻር ካልእ ውድብ ወይ ውደባ ግን ተወዲቡ ንኸይቃለስ ዝተፈላለየ ሽርሒታትን ውዲታትን ይሰርሑ :: 

ኣብ ቃልሲ ውዳበ እቲ ዝዓበየ መሰረታዊ እምነ ኩርናዕ’ዩ ። ውዳበ ምፍጣር ማለት ዓቕሚ ሰብካን ጸጋታትካን ኣብ ዝግባእ መዓላ ክተውዕሎ ዝሕግዝ ናይ ቃልሲ ጥበብ’ዩ ። ከምኡ ክንዲ ዝኾነ ድማ ኩሎም ዓመጽቲ ኣካላት ዝተወዳበ ውዳበ ብምፍራስ ህዝቢ ዘይተወደበ ሂወት ንከሕልፍ ኣበርቲዖም ዝጽዕሩ ።  ማእለያ ዘይብሉ ጸጋታት ህዝቢ ውዳበታትን ጥርናፌታትን ህዝቢ ንምብታን የባኽኑ ።

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ክልተ ሓዊ ኣጒድካ ኣብ ዝሞቖካ ሰሓን ዝብሉ ምስሉያት ኢዮም ። ኩሉ ግዜ ከም መሕብእን መከፋፈልን ዝጥቀምሉ ባዓትታት ጸረ እምነትን ባህልን ጸረ ታሪኽ ያታን ሕብረተሰብ ክንሶም ሕሉፋት ተጣበቅቲ ሃይማኖትን  ታሪኽን ብምዃን ኢዮም ዝዛረቡ :: ኩሉ ግዜ ድማ ንኹሉ ነገራት ኣምላኽ’ዩ ዘውግሖ ። ኩሉ ኣምላኽ ዝበሎ’ዩ ዝኸውን ። ኩሉ ነገር ኣምላኽ ኣብ ዝወድኦ’ዩ ዝውዳእ ክብሉ ሕሉፋት ኣመንቲ ኮይኖም ኢዮም ዝቐርቡ  :: 

እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ምክፍፋልን ምብታንን ሕብረተሰብ እንዳወዓሉን ሓደሩን ግን ድማ ተሓለቕቲ ሕብረተሰብ እንዳመሰሉ ፡ ምስቶም ከምኦም ዝኣመሰሉ  መሳርሕቶም ኮይኖም ህዝባዊ ውደባ ወይ ህዝባዊ ጥርናፌታት እንዳኾነኑን እንዳበተኑን ናቶም ናይ ጥፍኣት ውደባ ኢዮም ዝውደቡን ዝውድቡን ። ዘይተወደበ ህዝቢ ብዝኾነ ተኣምር ክገብሮ ዝኽእል ቁምነገር የለን ስለዚ ህዝቢ ነዚ ፈሊጡ ጸላእቱን ተጻባእቱን ከለሊ ይግባእ ። 

 ህዝብታት እንተ ዘይተወዲቦም ብኣጋጣሚ ንዝኽሰቱ ዝኾነ ይኹን ክስተታት ኣብ ረብሓታቶም ከውዕልዎም ኣይኽእሉን ። ጽቡቓት ይኹኑ ሕማቓት ናይ ለውጢ ኩነታት ብዝግባእ ከማሓድርዎ ይኹን ከማእዝንዎ ኣይኽእሉን ። ኣብ ጥቕሚ ህዝቢ ክውዕል ዝግብኦ ኣጋጣሚታትን  ጸጋታት ብሰንኪ ስርዓት ዝለበሰ ውዳበ ዘይምህላው ኣብ ጥቕሚ ህዝቢ ክውዕል ኣይኽእልን ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ዝተወደበ ሓይሊ ፈጢርካ ዘይምጽናሕ ማለት ንዘጋጥሙ ብድሆታት ኮነ ዓወታት ኣብ ግዜኡ ግብረ መልሲ ክህብ ኣይኽእልን ኢዩ ። ውዳበ ማለት ግድን ብረት ዝዓጠቐ ሓይሊ ምፍጣር ማለት ኣይኮነን ። ውድባ ኣብ ኩሉ መዳይ ሂይወት ዘድሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ መስርሕ ወይ ጥበብ ኣነባብራ ወዲ ሰብ’ዩ ። 

ውዳበ ማለት ስርዓት ዝለበሰ ተጽዕኖ ክፈጥር ዝኽእል ተሰማዕነት ዘለዎ ጥርኑፍ ኣድማዒ ሓይሊ ዝውንን ስልጡን ዓቕሚ ሰብ ምፍጣር ማለት’ዩ ። ተሰማዕነት ዘለዎ ዓቕሚ ምዕባይ ማለት ኣብ ኩሉ ዘድምዕ ተወዲቡ ዝዓዪ ጥርኑፍ ዝተወደበ ሓይሊ ምህናጽ ማለት’ዩ ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቕሚ ንምህናጽ ውዳበ መሰረታዊ ናይ ቃልሲ ጥበብ’ዩ ።

ውደባ ንምህናጽ ኮነ ንምዕናው ክተውዕሎ እትኽእል ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ዘለዎ ጥርናፈ ማለት’ዩ ። ውዳበ ንምህናጽ ይኹን ንምፍራስ ዘገልግል ኣብ ባህርያት ናይቶም ወደብቱ ይምርኮስ ። ንኣብነት ናይ ህግደፍ ውደባ ምስ እንርኢ ትንፋስ ዘይህብ ምሕረት ዘይፈልጥ ናይ ዕንወት ወይ ናይ ጥፋኣት ውዳበ’ዩ ። 

እቲ ኣወንታውን ናይ ስልጡን ኣተሓሳስባን ዝኾነ  ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ፍትሓዊ ውዳበ ንልምዓትን ዕቤትን ሕብረተሰብ ንምርግጋጽ እትገብሮ ውዳብ ክኸውን እንከሎ ቀንዲ መወደቢ ዕላማኡ ኣብ  ሕብረተሰብ ክተረጋግጾ እትደሊ ሽቶ ወይ ለውጢ ኣብ ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ንምርግጋጽ ዝግበር ውደባ’ዩ ።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ውደባ ኣብ ኩሉ መዳይ ሂይወት ሕብረተሰብ ንዕቤት ዝሰርሕ ኣዝዩ  ኣገዳሲ’ዩ ። ስለዚ እቲ እንደልዮ ለውጢ ንምርግጋጽ ቃልሲ ሓርነት ንምዕዋት ውዳበ መሰረት ዓወት ምዃኑ ኣሚና  ውዳበና ነሕይል  ። ውዳበ ኣብ ቃልሲ እቲ ዝዓበየ  መቃለሲ ጥበብ ኢዩ’ሞ ቃልሲ ሓርነት ንምዕዋት ንወደብ ። ውዳበ ሓይሊ’ዩ ። ስለዚ ኣብቲ የዕውተና’ዩ ዝበልናዮ ውዳበ ኣቲና ንቃለስ ።

ህዝብታት ኤርትራ ድሕነትኩምን ቀጻልነትኩምን ኣብ ኢድኩም ኢዩ

ህዝቢታት ኤርትራ ኣብ’ዚ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ካብ’ቲ መድሕንካ’የ እንዳበለ ብዘይ ሕንከት ዝምድር ፋሽሽታዊ ስርዓት ህግደፍ እንታይ እንዳሰምዑ መጺኦም? እቲ እንዳሰምዕዎ ክመጽኡ ዝጸንሑ’ኸ መወዳእትኡ እንታይ ኮነ ኢልና ምስ እንሓትት መልሱ እዚ ዝስዕብ ኢዩ፧

ሃገር ነጻ ወጺኣ ኢያ ካብ ሕጂ ንደሓር እንቋቁሖ ዝኸፈለን ሚልዮን ዝኸፈለን ማዕረ ኢዩ ። ኤርትራ ናብ ሲንጋፑር ክንቅይራ ኢና፡ኮታ’ስ ህዝብታት ኤርትራ በረኸታት ነጻነት ከም ዝቃደሱ፡ ጸጋ ብጸጋ ክኾኑ እዩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ’ዉን ካብ ጎረባብቶም ብኹሉ ኣዉራ ከምዝኾኑ፡ ንኸባቢኦምን ዓለምን ብሉጻት ኮይኖም ከም ዝርኣዩ ከተስፍዎም ዝጸንሐ። እቲ መብጽዓ ኤርትራ ብኹሉ መዳይ በሪኻ ከም ትጥመትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሓልፈሉ ምኻኑ እዩ። እቲ ናይ ትማሊ መብጽዓታት ቅንዕናን ሓቅነትን ዝነበሮ ዘይምኻኑ ግዜ ዘግሃዶ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ ። ናይ ሎሚ ኤርትራ ህያዉ ምስክር እያ።

መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርብ ከም’ቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ሜዳ ኤርትራ ንበይኑ ብሒትዎ ዝመጸ፡ ኣብ ነጻ ኤርትራ’ዉን ዳግም ንምዉሓስን ንምቕጻልን፡ ነቶም ምእንቱኡን፡ ምእንቲ መሰሉን ንሓርነቱን ዝተቃለሱን ዝቃለሱ ዘለዉን ደቁ፡ ፖለቲካ ዕብለላን ፍጹም ብሓትነቱ ንምርግጋጽ፡ ካብ ህዝቢ ክንጽሎምን፡ ሰማዒ ክሕረሙ፡ ዝተፈላለየ ስኑዕ ኣስማትን፡ደረት ዘይብሉ ጸለመታት ብምግዋሕ፡ እዚኦም ሓሙሻይ መስርዕ’ዶ ፡ጥሩፋት ፡ ከዳዓት እዮም ብዝብል ነቲ ዝነበረ ገመድ መተኣሳሰሪ ህዝብን ተቃለስቲ ደቁን ክበትኽ ለይትን መዓልትን ከይሰልከየ ክሰርሕ ጸኒሑ፡ኣሎ ።  ብተመሳሳሊ መንገዲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጎረባብቱ ንጥዑይ ዝምድና ከየዉሕስ፡ ዝተፈላልዩ ምስርሕ ዉዲታት እንዳ ኣለመ፡ ናይ ብድዐን ጃህራን ነጋሪት እንዳጋወሐ፡ ሰላምን ምዕባለን ናይ ህዝብታት ብዘይ ምቁራጽ ክዘርግን ክሕንክርን ይርከብ። በዚ እከይ ተግባራቱ ኣቢሉ እናሰርሖ ዝመጸ ናይ ጽልእን ቅርሕንትን እንሆ ናብ’ዚ ሕጂ እንርእዮን እንሰምዖን ዘሎና ናይ ጥፍኣት መገዲ ወራርን ዂናት ሸሚምዎ ይርከብ ። ነዚ ዕንወትን ብርሰትን ዘኸተለን ዘኸትልን ዘሎ፡ዶብ ዘይተረኽቦ ኩናትን ህልቂትን ንምግባር ዘይፈንቀሎ እምኒ ኣይነበረን ። እቲ ኩናት ዘስዓቦ እንታይ ምኻኑ ኣብ ባይታ ዝተጋህደ ሓቂ እዃ እንተኾነ፡ ገለ ካብ ተግባራት ፋሽሽታዊ ስርዓት ህግደፍ ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለም መዛረቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ ።

እሞ’ኸ ህዝብታት ኤርትራ ካብ’ዚ እንታይ ተረብሑ እንተበልካ ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሞትን መቍሰልትን ፡ ምምዝባል ስደት ፡ ቁጠባ ሃገረ ኤርትራ ተዳቂቁ፡ህዝብታት ናብ ተመጽወቲ ወይ ተጸበይቲ ወዲቆም ፡ ማሕበራዊ ዝምድናታት ተበታቲኹ ስድራቤታት ክበርሳ፡ከም ህዝቢ’ዉ ናይ ምጽናት ሓደጋ ከንጸላልወና ኮይኑ ኣሎ። ናይ’ዚ ህያዉ ኣብነት ገጠራት ኤርትራ ኢየን ።  

ብፖለቲካ መዳዩ’ዉን ከም ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ  ጨካን ፋሽሽታዊ ኣርዑት ባርነት ዝተቆርነ፡ ኩሉ መሰላት ተመንዚዑ፡ ካብ ሰብ ናብ ዝዛረብ መጽዓኛ ዝተለወጠሉ ህሞት ይርከብ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ኣብ ህዝብታትና ራዕድን ሽበራን ነጊሱ ኣብ ነንሓድሕዱ ምትእምማን ከጥፍእ ብዓይኒ ምጥርጣር ክረአአ ክተሓላሎ ፡ ክካሰስ፡ ሓድሕዱ ብስግኣት ክጠማመት፡ ኮታስ ዝነበሮ ዓበይቲ ክብርታት ክፈርስን ክበርስን ዝኾነሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ። ማእለያ ዘይብሉ ሸርሕታትን፡ ምስሩሕ ሓሶታትን እንዳ መሃዘን ሰንዐን፡ ምስ ጎረባብቱ ክቀራሓንን ዝምድናታቱ ክባተኽ ኩሉ ዓይነት ጸይቅታት ክፈጥር፡ ካብ’ዚ ሓሊፉ’ዉ በልዑኻ ዘመቱኻ፡ ወረሩኻ እንዳበለ፡ ሓንሳብ ብዶብ ኣሳቢቡ፡ጸኒሑ’ዉን ናይ ፍርሕን ስግኣትን ድራማታት እንዳ መስርሐ፡ ደማዊ ኩናት እንዳወልዐ፡ ዓሚቕ ጽልእን ቅርሕንትን ዘንብር ትምክሕቲ ማእከሉ ዝገበረ ወፍሪ ናይ ወራርን ህልቂትን  ባህሊ ከንግስን ጸኒሑን ኣሎን ። ሕጂ’ዉን ናይ ኩናት ነጋሪት ካብ ምንፋሕ ዓዲ ኣይዉዓለን ። እዚ ጨካን ኣረመናዊ ኣካይዳ ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህዝብታት ኣብ ህዝብታት ኤርትራ ኢዩ ወሰን ኢሉ ክፍጸም ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቀጺሉ ናብ ጎረባብቲ ሕጂ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ።

ኦ ህዝብታት ኤርትራ እዚ ትሓልፍዎ ዘለኹም ምምስኻር ዘየድልዮ ሕሱም ናይ ብርሰትን ምብትታንን ናይ ምጽናት ድባብ  ሃለዋት ኣብ ባዕልኻን ፡ ምስ ፈተውትኻ ፡ መሓዙትካ ፡ ኣሕዋትካ ፡ እሙናት ጎረባብትኻ ፋሽሽታዊ ወራር ወሊዖም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ደቕኻ ኣብ እተብርሰሉ ዂናት የእቲዮም የጽንቱኻ ኣለዉ ። እዚ ዘሎኹምዎ ሃለዋት እስኪ ደው ኢልኩም ሕሰቡ ካብዚ ዂናት’ዚ ብዘይካ ክሳራ እንታይ መኽሰብ ኣለኩም? ኩሉ ንጽባሕ ይኾነና ኢዩ ትብልዎ ከም ትስእኑ ዝገብረ ዂናት ኢዩ ። እዚ ዂናት’ዚ ኣብ መንጎ ምንባርን ዘይምንባርን ኩነታት ከም ትኣትዉ ዝገብር ኩናት ኢዩ ። በዚ ዂናት’ዚ ህዝብን ሃገርን ክትስእኑ እምበር ምድሓን ዝብሃል ዘይሕሰብ ኢዩ ። እዚ ኩናት፡ ንህላወና ኣብ ፍጹም ሓደጋ ዘእቱ፡ ናይ ህግደፍን ዉልቀ መራሒኡን ሕዱር ቅርሕንቲ ንምርዋይ፡ ናይ ሕነ ምፍዳይ ሰይጣናዊ ዉዲት መፈጸሚ እምበር፡ ካልእ ትርጉምን ሕሳብን ዘለዎ ኣይኮነን።እዚ ጉጅለ ሕጂ’ዉን ኩናት ካብ ምጽሕታር ዓዲ ሰለዘይዉዕል፡ ንካልእ ህልቂትን ጥፍኣትን ሓደጋ ከይንወድቅ፡ ብኣግኡ ንድሕነትናን ድሕነት ወለዶታት ብሓደ ድምጺ ኣብ ሓደ ዕላማ ተሰሊፍና ንህላወና ክንቃለስ ይግባእ።

ኦ ህዝብታት ኤርትራ፡ ፋሽሽታዊ ጉጀለ ህግደፍ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ጨካን ናይ ወራር ዂናት ክልተ ግዜ ከም ትኸስር  ጌሩካ ምህላዉ ምርዳእ የድሊ። ኣብ’ዚ ዘይፍትሓዊ ጸረ ህዝቢ ናይ ወራር ኩናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ደቅኻ ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ዂናት ክሃልቁ  ፈሪድዎም እዩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ’ዉን ምስ ተፎጥራዊ ጎረቤትካን እሙን ሓውካን  ፈታዊኻን ዝኮነ ህዝቢ ትግራይ ደም ክትፋሰስ፡ ንወለዶታት ዘየቅስን ቁስሊ ዝፈጥር ብምኻኑ፡ ድርብ ክሳራ ዝገብሮ  ። ኣብዚ ዂናት’ዚ ብዘይካ ሞትን ስንክልናን ፡ዕንወት ቁጠባን ምምዝባል ስድራቤታትን፡ስደትን ካልእ እንታይ ተፈይድካ? ኣብዚ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ክርድኦ ዝግባእ፡ ጉጅለ ህግደፍ በዚ ዝወልዖ ኩናትን ዝፈጸሞ ወራር፡ ከም ህዝቢ ካብ ኩሎም ጎረባብትካ ክትንጸልን፡ ብጎረባብቲ መንግስታት ከኣ ዘይእሙን ኮንካ ክትቅረጽ፡ ብዓይኒ ስግኣትን ጥርጣረን ክትርኤ ዀንካ ኣሎኻ ። ከም ህዝቢ ምስልና ክድወን ዝገበረ፡ ኩናት ምኻኑ’ዉን ብዝግባእ ምርዳእ የድሊ ።

እቲ ንዓመታት ብዘይ ምቁራጽ፡ ብፍሽሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕለኻ እንዳተፈጸመ ዝመጸ መዳርግቲ ዘይብሉ ግፍዕን በደልን፡ ከም ጋሻ ዉሕጂ እንሆ ዶብ ሰጊሩ ወራር ኣንጻር መሰል ርእሰ ውሳነን ልኣላውነትን ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፧ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ይፍጸም ኣሎ ። ኣብዚ ወራር’ዚ ኩሉ ዓይነት ገበናት ተፈጺሙ ። ከም ኣብነት ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት(Crim against humanity) ፡ ናይ ዂናት ገበናት (War crime) ዝምታ ፡ ዕንወት ፡ ምምዝባል ኢዩ ኣካይዱ ። እዚ ብህግደፍ ዝተፈጸመ ገበናት፡ ኣብ ቅርዓትን ድሙቅ ጨወ ቀትርን ብምኻኑ፡ ንማሕበርሰብ ዓለም ግሁድ እዩ። እቲ ጉጅለ ዉልቀ መላኺ፡መራሒኡ ብዘይ ሕንከት፡ ብቃሉ ብዝህቦ መግለጺታት ዝተረጋገጸ እዩ። ነዚ እኩይ ተግባሩ’ዚ ብዓወት ከም እተዛዘመ ዂናት ጌሩ ከቕርቦ ዝገብሮ ዘሎ ዳንኬራ ስቕ ኢልካ ምስማዕ ናይቲ ዝተኻየድ ገበናት ዘይወዓልካዮን ዘይናትካን ዋንኡ ክገብረካ ዝኣልሞ ዘሎ ሽርሒታት ስለዝኾነ ሕጂ’ውን ከም ትማሊ ሕሉፍ ታሪኽካ ዝምስክሮ፡ ንኹሎም ዓመጽትን ወረርትን ኣይፋል ኢልካ ሓመድ ድበኦም ዘልበስካዮም፡ ሕጂ’ዉን ነዚ ፋሽሽታዊ ስርዓት ህግደፍ ድማ ሓመድ ድበኡ ክተልብሶ ተለዓል ።

እቲ ሓደን መተካእታን ዘይብሉ ምርጫን መንገድን ፡ ኣንጻር’ቲ ንጥፍኣትካ ዝተዓጥቀ ጉጅለ ምጽናት ብሓድነት ተቃሊስካ መጻኢኻን ቀጻልነትካን ተውሕስ ። ዉሑስ ሰላምን ቀጻልነት ዘለዎ ምዕባለን ተረጋግጾ ኣብ ሞትን ስዕረትን ህግደፍን መቃብሩን ምኻኑ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ገዛእ ርእስኻን ዉሽጣዊ ዓቕምታትካን ብምእማን፡ ምስ ፈተዉትን ደገፍትን ቃልስኻ ዝኮኑ ዉጹዓት ጎረባብትኻን ሕዉነታዊ ዝምድናታት ብምድልዳል ከተረጋጾ ምቅላስ እዩ ።

ፋሽሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይዉክል፡ ናይ ዕንወትን ብርሰትን ናይ ወራር ኩናት ኣመልኪቱ፡ ህዝቢ ንምድንጋርን ንምትላልን ዘካይዶ ዘሎ፡ ናይ ሓሶት ዳንኬራን ፍሹል ፖለቲካዊ ዘመተ፡ ህግደፍ ነቲ ዝተሳዕረሉን፡ ከም’ቲ ዝሓሰቦ ዘይሰለጦን መደብ ንምኽዋል ዘካየዶ ዘሎ ናይ ዓቕሊ ጽበት ምዕልባጥ እዩ ። ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ፈኸራን ምጉብዕባዕን ናይ ዓጽረ ሞት ደኣምበር ተሳዒሩ ኢዩ ። ብዘይካ ክሳራን ብርሰትን ሒዝዎ ዝተመልሰ እዚኣ ትብሃል መኽሰብ የሎን ። እዚ ጸረ ህዝብን ሃገርን ስርዓትን መራሒኡን ሒዞሞ ዝተመልሱ እዚ ንብሎ ዘሎና ምኻኑ ኣጸቢቆም ይፈልጡ ኢዮም ።

ናይ’ቲ ኩናት ፍሸለት ካልእ ምስክር፡  እቲ ዕሩቅ ዉልቀ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ከንያ ከይዱ፡ ብጋዜጠኛታት ዝቀረበሉ ሕቶታትን ዝሃቦ ምላሽን፡ እንታይነት ናይ’ቲ ጉጅለን ፡ ዉጽኢት ናይ’ቲ ዘካየዶ ወራርን ኩናት ቁልጭ ኣቢሉ ዘነጸረ እዩ ። ዝኾነ ነዚ ዘጋጠሞ ስዕረትን ውርደትን ንምሽፋን ከምኡ ድማ መጻኢኡ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ከም ዘሎ ስለዝረኣየ 70-80 ዓመት ንድሕሪት ተመሊሱ ምስ’ዚ ሕጂ ዝኸውን ዘሎ ዘራኽብ ዘይብሉ ታሪኽ ዝትንትን ዘሎ ። ነዚ መደብ’ዚ ባዕሉ ኢሳያስን የስሙዑ ኢዮም ዝብሎም ሰባት በዝን በትን ኣዋፊሩ ህዝቢ ንምድንጋር ውራይና ኢሎም ተተሓሒዞሞ ይርከቡ ። ስለምንታይ እንተተባሂሉ ድማ መልሲ ዘድልዮ ሕቶታት ኣሎ ገለ ካብኦም ክልተ ዓመት ተዋጊእና እንታይ ረቢሕና? ካልኣይ ድማ ደቅና ኣበይ ኣለዉ? ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ስለዘይብሎም ከም ኣመሎም እቲ ሽግር ብደገ ከም ዝመጸ ገሊኡ ብሰንኪ ወያነ ገሊኡ ድማ ብሰንኪ ኣሜሪካን ወያነን ከምዝመጸ ኮር ተገልበጥ ገይሮም ከቕርብዎ ዝሃልኩ ዘለዉ ።

ኦ ህዝብታት ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ናይ ወራር ዂናት’ዚ ኣልዒልና ክንዛረብ እንተዀና ብዙሕ መበገሲታት ከምዘለዎ ከይኣመትና ክንሓልፍ ኣይንደልን ካብዚ ንላዕሊ ሕጂ ክንብል ኣይንደልን እቲ ምንታይሲ ካብቲ ሒዝናዮ ዘሎና ኣርእስቲ ስለዘውጽኣና ።

ኣብዚ ግን ክንጸር ዘለዎ ጉዳይ፡ ነዚ ናይ ወራርን ናይ ምጽናትን ዕንወትን ኩናት ዋናታቱን ሃንደስቱን መራሕቱን  ኢሳያስን ስርዓቱን ምኻኖም ባዕላቶም ዝገልጽዎ ዘለዉ ሓቂ እዩ ።ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ ቅድሚ እቲ ኩናት ዝነበረ እዋናት ብወገን ህግደፍ ብተደጋጋሚ ዝጋዋሕ ዝነበረ መግለጺታት፡

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ ሕጽቦ ክንገብር ኢና ። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና ኣጣሚርና ኣይንርእን ኢና። ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና እዩ ። ካብ’ዚ ዝዓቢ ናይ ኩናት ነጋሪት የሎን ። እዚ ወያነ ሚሳይል ምስ ተኮሱልና ንነብስና ክንከላኸል ናብ’ቲ ኩናት ኣቲና ወሪርና ዝብል፡ ተራ ዉጽእ ሓሶትን ትምዩን ዝምቡዕ ፖለቲካዊ ዉስልትና እዩ ።

ኣብ’ዚ ንጹር ክኸዉን ዘለዎ ህግደፍ ኣብ’ዚ ኩናት ከኣቱ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት የብሉን። ኣብ ቅድሚ ኩናት ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንሰላም ብቀጻሊ ጻዉዒት ክገብሩ ፈቲኖምን ጌሮምን ኢዮም ። ስርዓት ህግደፍ( ኢሳያስ)ንሱ ዝፈጠሮ ጥምረትን ግን ሕርይኦም ወያነ ክጠፍእ ኣለዎ፡ ህዝቢ ትግራይ ክምብርከኽ ኣለዎ ዝብል ክሑን ጽልእን ፖለቲካን ዝመንቀሊኡ ስለዝነበረ፡ ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ብዘይካ ናይ ዂናት ኣማራጺ ካልእ ዕድል ስለዘይገደፉሎም ዝተኻየደ ዂናት ኢዩ ። ስርዓት ኢሳያስን ንሱ ዝፈጠሮ ጥምረትን ናብ ትግራይ ክኣትዉ እንከለዉ ተሳዒሮም እምበር ክወጹ ኢሎም ኣይኣተዉን ። ኣብዚ ዂናት እዚ ብሰዓራይነት ንምውጻዕ ኩሉ ዓቕሞምን ብልሓቶምን ተጠቂሞም ናይ ቀቢጸ ተስፋ (Desparation) ዂናት ኢዮም ኣካይዶም ግን ድማ ስዕረትን ፍሽለትን ኢዮም ተጎምጒሞም ወጺኦም ።  እቲ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ደርጓዕጓዕን ዕግርግርን፡ ፖለቲካዊ ዳንኬራን ስዕረትካ ንምሽፋን ተዓዊትና ዝብል ናይ ሓሶት ማኒፈስቶ እዩ ። ከም ዘይሳዓሩ ሕርሕራይ ገሮም ይፍልጡ ኢዮም። ኣብ’ዚ ኩናትን ወራርን ህግደፍ እንታይ ሰብኣዊ ክሳራ ገጢምዎ ድማ ጽቡቕ ጌሮም ይፈልጡ እዮም።

ኦ ህዝብታት ኤርትራ ተቃለስቲ ደቁን ናይ እዋኑ ሕቶኹም ኣብዚ ብስርዓት ህግደፍ ዝተወልዐ ናይ ወራርን ዓፈናን ዂናት ኣቲኹም ምብራስ ኣይኮነን ። የግዳስ በንጻሩ ነዚ ዂናት’ዚ ኣይፋል ኢልኩም ነዚ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ዘሎ ህላውነትኩምን ቀጻልነትኩምን ንምውሓስ ኣንጻሩ ብትሪ ምቅላስ ኢዩ ። እዚ ድማ እዞም ዝስዕቡ ሜላታት ምጥቃም ክዉን ይኸውን ፡

  1. ነዚ ናይ ወራርን ዓፈናን ዂናት ብትሪ ምቅዋም ። ንሰላም ደው ምባል ። ኣንጻር ግፋ መንእሰያት ግዱድ ዕስክርና ደው ምባል ። እቲ ምንታይ’ሲ ዋሕስ መጻኢ ዕድልካ ዝዉሰን ኣብ ስዕረትን ሞትን ህግደፍ ስለዝኮነ ።
  2. ምስ ኩሎም ጎረባብትኻ ብሓፈሻ ምስ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ዕርቅን ሰላምን ፍጠር ነዚ ኩሉ ዝግባእ ዋጋ ክፈል ምኽንያቱ ረብሓኻን ፡ መጻኢ ሰላምካን ምዕባለኻን በዚ ኢዩ ዝረጋገጽ
  1. መጻኢኻ ብሩህ ክኸውን እዘን ክልተ ነገራት ብጉቡእ መልስ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ፍልልያት ብጉቡእ ኣመሓድር ኣብ ዘራኽቡኻ ድማ ሰጢምካን ተኣማሚንካን ወይ ተኸኣኢልካን ስራሕ ።እቲ ካልኣይ ረብሓኻ ኣብ ቅኑዕ’ዩ ትብሎ ፖለቲካዊ ዕላማ ተሰሊፍካ ወይ ተወዲብካ ምቅላስ ። ካብ’ዚ ወጻኢ ዕጫና ብርሰትን ምብትታንን ምጽናትን ሰለዝኮነ። እዚ’ዉን ንነብሮ’ዶ ግዳ የሎናን።

    ኦ ህዝብታት ኤርትራን ተቃለስቲ ደቁን እዞም ፋሽሽታውያን ወረርቲ እቲ ትማልን ሎምን ኣብ ልዕለኻ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ብዝኸፍኤ መልክዑ ኣብ ልዕሊ ሓውካ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ፈጺሞሞ ኣለዉ ። እዚ እንዳተገብረ ስቅ ኢልካ ምርኣይ ኣይግባእን ፡ ርእስኻ ኣድኒንካ ምንጽርጻር’ውን መፍትሒ ኣይኮነን ፡  እንዳሞትካ ሞት ምፍራሕ’ከ እንታይ ኢዩ ፍዳዩ? ኣይግባእን’ውን። ኣብዚ ናይ ወራርን ዓመጽን ዂናት ኣቲኻ ትበርስ ኢኻ ዘሎኻ’ሞ እዛ ተሪፋትካ ዘላ ንእሽቶ ዕድል ተጠቒምካ ሃየ ሎሚ እያ ዕድልካ ዝተረፈ ማለት ነብስኻን ደቅኻን ኣድሒንካ ንልኣላውነትካን ዘላቂ ሰላምካን ምዕባለኻን ውሑስ ንምግባር ተቢዕካ ተቓለስ ።

እዚ ዉሑስ ንምግባር ድማ ተስእ ተላዓል ኣንጻር ፋሽሽታውያን ወረርቲ ቅልጽምካ ኣስሚርካ ብዝተወደበ መልክዕ ተቃለስ ። ኣብዚ እዋን’ዚ ተቢዕካ ብምቅላስ ጥራይ ኢዩ እቲ እትኸፍሎ ዋጋ ንድሕነትካን ውሑስ መጻኢኻን ዝኸውን ። ኣይፋል ንዂናት ኣንጻር ፈተውተይ ውጹዓት ኣሕዋተይ እትብለላ ሰዓት ሎሚ እምበር ጽባሕ ኣይኮነትን ።

እቶም ምሩኻት  እንታይ በሉ?

ተሞክሮ ከም ዘነጽሮ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ’ውን ከም ዘግህዶ፡ ጉጅለ ኢሰያስ ህግደፍ ቀንዲ ዝልለየሉ ባህሪ ናይ ህዉከትን ዕርግርን፡ ናይ ኩናት ቅትለትን ናይ ጥፍኣትን ዕንወትን እዩ።ይኹን ዳኣምበር ህግደፍ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ በስገዳድ ብሓይሊ ኣብ ወተሃደራዊ ኣርዑት ባርነት ቆሪኑ፡ ብስዉሩን ቅሉዕን ዝወልዖ ደማዊ ኩናት፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ካብ መንግስታዊ መሓዉራቱን ዝተኸወለ ምኻኑ እዩ። ነቲ ኩናት ዝዉለዖ ዝፈልጡ ዉልቀ መላኺ ኢሰያስን ኣዝዮም ዉሑዳት እሙናት ደቂ መዛምርቱ ዝኾኑ ጀነራላትን መኮኖናትን ጥራይ እዮም።

እቲ ካልእ ጉጅለ ህግደፍ ዝልለየሉ ባህሪ፡ ንዝፈጸምዎ እኩይ ነገር ካብ ህዝብን ማሕበረሰብ ዓለምን ንምኽዋል ዝጥቀምሉ ጥበብ፡ ከቢድ ስቅታ ምምራጽ፡እንተ ተኸሰሱ’ዉን ምጽቃጥ ወይ ኣሉታዊ መልሲ ምሃብን ምኽሓድን እዩ። ኲናት ባዕላቶም ጀሚሮም፡ ነቲ ካልእ ወገን ምጥቃን እዩ። ሓቀኛታት ንምምሳል ገታር መልሲ ምሃብ እዩ። ንዘጋጥሞም ስዕረትን ሽንፈትን ንምሕባእ፡ እቲ ወትሩ ዘጋዉሕዎ፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ብቀንዱ ንምዕራባዊ ዓለም ብፍላይ ካኣ ንኣሜሪካ መርገም ምስካም እዩ። ህያዉ ኣብነት እቲ ኣብ 1998 ብጉልባብ ዶብ ህግደፍ ዝወልዖ ኩናት፡ ገበኑ ንምሽፋን ወያነ ጀሚረሞ ኣዘንጊዖምና ዝብል’ዩ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ማሕበረሰብ ዓለምን ብዉጹእ ሓሶት ከደናግር’ዩ ፈቲኑ። እቲ ክሳብ ሎሚ ከይሓነኸ ደጋጊሙ ዝብሎ’ዉን እቲ ናይ ትማሊ ዝበለየ መዝሙር እዩ። ኣብ’ቲ ብዶብ ተሳቢቡ ዝተወልዐ ኩናት፡ ዝተማረኹ ኤርትራዉያን ህግደፍ ንስዕረቱ ክእመን ፍቃደኛ ሰለዘይኮነ፡ ህላዉነቶም ኮነ ምምራኾም ክሕበር ፍቃደኛ ኣይነበረን። ነቶም ዝተማረኹ ዝህብዎ ቃል’ዉን ተሰማዒ ከይከዉን፡ እዚኦም ኣይናትናን እዮም። ዝተማረኸ ወተሃደር የብልናን ክብልዩ ቃል ክሕደት ዝህብ። 

ከም ልማዶም ሕጂ’ውን ኣብ’ዚ ናይ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ኲናት ህግደፍ ምስ ሓይልታት ብልጽግና ተላፊኑ ዝፈጸሞ ወራርን ዘካይዶ  ዘሎ ደማዊ ኩናትን ህግደፍ ኣደዳ ስዕረትን ምምራኽን ክከዉን ምጽንሑ ኣብ ባይታ ዘሎ ግሁድ ሓቂ እዩ። ይኹን ዳኣምበር ንስዕረቱን ዝተማረኹ ወተሃደራቱን ንዘይምቅባል ዝተፈላለየ ናይ ክሕደት ግብረ መልሲ ክህብ’ዩ ዝስማዕ። ኣብ’ቲ ናብ ትግራይ ምስ ሓይልታት ብልጽግና ተሻሩኹ ዘካየዶ ዘሎ ወራር፡ ንተሳትፎኡ ዝምልከት ብዝተፈለለዩ መንግስታትን ናይ ዜና ማዕከናትን ኣብ ንዝወሃቦ ዘሎ ኩነኔን ስምዕታን ብሓደ ወገን፤ ካብ ግዝኣት ትግራይ ክወጽእ ዝቐርበሉ ዘሎ ሕቶ በቲ ካልእ ወገን፡ እቲ ዝህቦ መልሲ ኣሉታን ውጹእ ክሕደትን ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

ይኹን ድኣምበር ተኸዊሉ ዝተርፍ፡ ዘይግሃድ ሕቡእ ስለዘየልቦ፡ ወራር ህግደፍ ናብ ትግራይ፡ ተሳቲፉ ኣብ ኩሉ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ኲናት፡ ተሳትፎን ህላወን ህግደፍ ብምሩኻቱ ክቃላዕ ኮይኑ እዩ። ካብ’ዚ ሓሊፍዉን ህግደፍ ናይ’ቲ ኲናት ሃንዳስን መራሕን ቀያስን ምኻኑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዋና ኣዘዝቲ ናይ’ቲ ህዝቢ ትግራይ ንምጽናት ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ስይጣናዊ ኲናት፡ ጀነራላት ህግደፍ፤ ማእከል እዚ ናይ’ቲ ኩናት ኤርትራ ኮይኑ ከም ዘሎ እዩ።

ኣብ’ዚ ምዕቡል ዘመነ ሳተላይትን ኢንተርነትን ካብ ዓይኒ ዓለም ዝኽወል ነገር የልቦን። እቲ ድሑር ጉጅለ ግን ካብ ህዝቢ ኤርትራ እንተ ተኸወለ ካብ ዓይኒ ተኽኖሎጅን  ዘመነ ሓበሬታን ዝተሓብአ’ዩ ዝመስሎ። እንሆ እቲ ሓቂ ዕለታዊ ክጋዋሕን ክቃላዕን ይኸውን ኣሎ። ድሕሪ ሕጂ ህግደፍ እቲ ፋሽሽታዊ ወራሩን፡ ኣራዊታዊ ተግባራቱን ዝሓብኣሉን ዝኽሕደሉን ዕድል የልቦን።እቲ ሓቂ  በቶም ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዝግበር ዘሎ ዓውደ ዉግኣት ዝተማረኹ ዝህብዎ ዘለዉ ቃለ ምስክር ጉድን ሰይጣናዊ ተግባራት ህግደፍ ክግሃድ ኮይኑ እዩ። እቶም ቃሎም ዝሃቡ ምሩኻት ይገልጽዎ ከም ዘለዉ፡ ዝበዝሑ ኣብ ቀረባ እዋን ተገፊፎም ዝመጹ ምኻኖም፡ ገለ’ዉን ካብ ሰራዊት ኮብሊሎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነዚ ሕጂ ተኣጒዱ ዘሎ ባርዕ ኩናት ክጥበሱ ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ጎቲቱ ዘምጽኦም ምኻኖም እዮም ዝዛረቡ ዘለዉ። ካልእ እቶም መራሕቲ ሰራዊት ህግደፍ፡ ኣብ ናይ ኲናት ዞባ ምስ ኣተዉ ዝሃብዎም ሓበሬታ ኩሉ ግጉይ ምንባር’ውን ኣዮም ዝሕብሩ ።

ህግደፍ ጀማሪ እቲ ኩናት ባዕሉ ምኻኑ፡ ኣብ’ቲ ኩናት ክኣትዉ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ብዝርዝር በብእዋኑ ከቃልሕዎ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ። ኣብ’ዚ ኩናት ብዘይ ተቃውሞ ክሳተፉን ክዋግኡን ኣዝዩ ዝተጋገየ ሓበሬታን መግለጽን ከም ዝህቦም እዮም ዝሕብሩ። ገለ ካብ’ቲ ብመኮንናት ህግደፍ ዝወሃቦም ዝምቡዕ ሓበሬታ ፡ ወያነ እኩል ሰራዊት ኮነ ኣጽዋር ከም ዘይብሉ፡ እንተ ተማሪኾም’ውን ክቐትልዎም ምኻኞም፤ ካብ’ዚ ሓሊፉ’ዉን  ፈራሓት ምኻኖም ተኹሲ ምስ ተጀመረ  ከም ዝሃድሙ ዝብል እዩ። እዚ ግጉይን ካብ ሓቂ ዝርሓቀን ሓበሬታ ድሕሪ ምሃብ፡ ብኣንጻሩ እቲ ተኹሲ ምስ ጀመረ ግን እቶም መራሕቲ ህግደፍ ራሕሪሐሞም ከም ዝከዱ፡ እቲ ኩናት ከኣ ኣብ ዘይፍልጥዎ መሬት ምኻን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንምንታይ ዕላማ ዘይፈልጥዎ ምካኖም እዩ። ከም’ኡ ክንዲ ዝኮነ’ዉን እቲ ኲናት ልዕሊ ዓቅምና ኮይኑ ዝማረኽን ዝመዉትን ክንከዉን ኮይና ይብሉ።  ካብ’ዚ ንርድኦ ነገር እንተልዩ ኮይኑ፡ ህግደፍ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዘካየዶ ወራርን ዝፈጸሞ ኩሉ ዓይነት ዕንወትን በደልን ክምሃር ፍቃደኛ ዘይምኻን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሕጂ’ዉን ካልእ ዕንወትን ብርሰትን ህልቂትን ክፍጽም ብመደብ ይሰርሓሉ ከም ዘሎ እዩ። ካልእ ዝሃለቐ ይህልቕ፡ ዝጠፍኤ ይጥፋእ ብዘየገግስ ብዋጋ ንኡሳን ዕድመ ዘይጸገቡ ዕሸላትን፡ ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታትን፤ እቲ ደጋጊሙ ዝፍተኖ ዝፈሽለሉ ናይ ምግባትን ምዕብላልን ሕልሙ ንምትግባር ይሰርሕ ምህላው እዩ። ጉጅለ ጥፍኣት ህግደፍ ብዘይካ ጉጅላዊ ስልጣኑን፡ ጸቢብ ረብሕኡን ናይ ህዝብን ሃገርን ጉዳይ ዘይንታዩ ምኻኑ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ ኩነት እዩ። ብዋጋ ስልጣኑ ህዝብን ሃገርን እንተ ጠፍኡ እንተ በረሱ ግዲ ከም ዘይብሉ ካብ’ዚ ምሩኻት ዝህብዎ ዘለዉ መርትዖ ንላዕሊ ፍጹም የልቦን።   

ኣባላት ሰራዊት ዝኾንሉ መንገዲ ኩሉ ብሓይሊ ተጎፊፎም ዝመጹ ምኻኖም፡ ገለ’ውን ኮብሊሎም ምንባሮም ግን ከኣ ወለዶም ምስ ተኣስሩ፤ ወለዶም ካብ ማእሰርቲ ከናግፉ፡ ጥሪት ኮነ ሕርሽኦም ከይውረስ፡ ሸቀጣ ሽቀጦም ከይዕሽግን ከይዕጾን  ኣብ’ዚ ኲናት’ዉን ብዘይ ድላዮም ጥራይ ዘይኮነስ፡ እምቢ ምስ ትብል’ዉን ሞት ስለዝጽበየካ ብዘይ ፍታዎም ብሓይሊ  ክኣትው  ዝተገደዱ ምኻኖም’ዉን ይገልጹ። እዚ ዘመልክቶ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ጨኪኑ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ብዋጋ ስልጣኑን ድሌቱን ኩሉ ኣራዊታዊ ኢሰብኣዊ ዝኾነ ነገራት ክፍጽም ድሕር ዘይብል ምኻኑ ዝሕብር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ንጥፍኣቱን ብርሰቱን ዝጨከነ ጉጅለ፡ ብትብዓት ክቃለሶ እንተ ዘይኮኑ፡ ካልእ ምርጫ ከም ዘይብሉ ዘረድእ ሓቂ’ዉን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ህላወ ህግደፍ ሞትን ህልቂትን እምበር ካልእ ሰለዘየልቦ።

ኣብ ግዜ ወራር ዝተማረኹን ሕጂ’ዉን ኣብ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኩናት ዝተማረኹ፡ ኣብ ጉዳይ ህግደፍ ዝሃቦም ተልእኮ ኣምልኪቶም ዝሃብዎ ርእይቶ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፡

ዝተዋህቦም ተልእኾ ዝምልከት፡ እቲ ዕላማ  ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ምጥፋእን፡ብቀንዱ መንእሰያት ምቕታልን፡ ንብረትን ሃብትን ምብራስን፡ ናይ ልምዓት ትካላት ኮነ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ምዝማትን ምፍራስን ዝብል ተልእኾ ዝተዋህቦም ምኻኑ እዮም ዝሕብሩ። ካብ’ዚ ሓሊፎም’ዉን ደቂ ኣንስትዮ ምድፋር፡ ጥሪት ገባራት ምሕራድ፡ ቆፎ ምህርቲ ምዝማትን ምብልሻውን ከም ዘካየዱ እዩ። ናይ’ቲ ኩሉ ዕንወት ዕላማ እንታይ ምኻኑ ክሕብሩ እንከለው፡ ብኹሉ መዳይ ህዝቢ ትግራይ ንድሕሪት ክምለስ ምግባር እዩ። ምኽንያቱ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምዕባለ መስርሕ ዝተኾለፈ ብወያነ ስለዝኾነ ተባሂሉ ከም ዝንገሮም እዩ።  ኣብ ኤርትራ ምዕባለ ኮነ ሰላም ከይፍጠር ዝገበረ ህግደፍ ባዕሉን እቲ ዝኽተሎ ዘሎ ጸረ ሃገርን ጸረ ህዝብን ናይ ዕንወት ፖሊሲ ክንሱ፡ እቲ ኽሰን ጠቐነን ንወያነን ንህዝቢ ትግራይን ሂብካ፡ ህዝብታት ክናቆሩን ክዳመዩን ጌርካ፡ ዕምሪ ስልጣንካ ንምንዋሕን፡ ሕልሚ ጎብለልነት ንምስላጥን ምኻኑ ዘይስሓት ሓቂ እዩ። ህግደፍ ንኹሉ ሕመቁን ሓጥያቱን መኸወሊ ሽጎማኖ ወያነ ዝብል ጽውጽውይ ምኻኑ እዩ። ካልእ ህዝቢ ናይ ምጽናት ዕላማ፡ ካብ’ቲ ህግደፍዊ ናይ ጽልእን ቅርሕንትን ሕዱር ሕማም ዝነቅል እዩ።ንኹሉ ድሌትን ሕልምን ናይ ምግባትን ምዕብላልን ባህጊ ዝኾለፍ ወያነ ሰለዝኾነ፡ ስለ’ዚ ወያነ ንኽጠፍእ፡ ህዝቢ ትግራይ ምጽናት ካብ ዝብል ሰይጣናዊ ናይ ዕብዳን ፖለቲካ ዝነቅል እዩ። ነዚ ንምትግባር’ዉን እቲ ኩሉ ጭካነ ክፍጸምን ክግበርን ዝነበሮ።

ናይ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ኩናት  ዘይፍትሓዉነትን ፍሽለትን ዘመልከት ካብ’ቲ  ሕጂ ብኹሉ ኣንፈት ናብ ትግራይ ክዘምቱ ዝተማርኹ ሰራዊት ህግደፍ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ምስ ንፍትሸ፡

እዚ ዘመልክቶ እንተልዩ፡ ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝኣመሰለ ናይ ጽላለ ህሞት ከም ዘሎን፤ ዘይሓቃዊ ሓበሬታ ኣስኒቁ ዓወት ክሓፍስ ዝህንደድ ምህላውን ዝሕብር እዩ። ብስገዳድ ተገፊፉ ዝመጸ፡ ዝኾነ ይኹን ባህግን ድሌትን ኩናት ዘይብሉ፡ ጸጋ ሞራሉ ዝተባሕጎገ ሰራዊት፡ ብናይ ሓሶትን ዝምቡዕ ሓበሬታን ኣስኒቕካ ዓወት ክርከብ ዝከኣል ዘይምኻኑ፡ እዚ ንልቢ ዘለዎ፡ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ኤርትራዊ ዓቢ ትምህርቲ  እዩ።

ኣብ’ዚ ኲናት ምምራኽኩም እንታይ ይስምዓኩም ዝብል ሕቶ፡ ንምምላስ ዝሃብዎ ቃል፡

እዚ እኩይ ዉዲት ንምትግባር ህግደፍ ምስቶም ትማሊ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት፡ ኩሉ ግፍዕታትን ኣራዊታዊ ትግባራት ዝፍጸሙ ተረፍ መረፍ ደርግን ኢሰፓን፡  ትማሊ ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ክጠፍእ ኣለዎ ኢሎም ንህዝቢ ኤርትራ ከጽንትዎ ኩሉ ዝከኣሎም ዝገበሩ ተሰፍሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዘይቅዱስ ኪዳን መስሪቱ፡ ቆልዑን ሰብ ምርኩስ ሽማግለታትን ብሓይሊ በስገዳድ ብምስላፍ ኣቢሉ ምኻኑ እዩ። ናይ’ዚ ህያዉ ምስክር ኣብ ኩናት በራሕለ ዝተማረኹ ምስ ንምልከት፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፡ገለ’ዉን ብዕድመ ዝሸምገሉ ኣረጋዉያን እዮም።

እቶም ምሩኻት ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኩናትን ብዓይኖም ዝርኣይዎ ዝገጠሞም ነገራትን ክገልጽዎ ከለዉ፡ ናብ’ዚ ኲናት’ዚ ብዘይፍታዎም ተገዲዶም ከም ዝመጹ፡ ከም ንማሕረዲ ዝተቀረበ ብሃም ገንሸል ብዘይ እኹል ሓበሬታ ተጎቲቶም ድሕሪ ምምጻእ፡ ኣብ ዘይፍልጥዎ መሬት እቶው ተባሂሎም ከም ዝኣትው፡ እቶም መራሕቲ ናብ’ቲ እቶን መጋርያ ህልቂት ጠቢስሞም ከም ዝሃድሙ  ኢዮም ዝሕብሩ።  ዕድሉ ዘጸበቀሉ ኢዱ ሂቡ ከም ዝማረኽ፡ ዝበዝሐ ከኣ ኣብ ምኽንያቱ ብግቡእ ዘይፈልጦን ዘይተረድኦን ኩናት ከም ቆጽሊ ከም ዝረግፍ፡ ገለ’ዉን  በቲ ብካድረታት ህግደፍ ዝንዛሕ ናይ ሓሶት ሰብከት ተደናጊሩ፡ ኣብ ከበባ ምስ ወደቀ  ነፍሰ ቅትለት ከም ዝገበር እዩ።

እዚ ካልኣይ ዓመቱ እሕሊፉ ዘሎ ኲናት፡ መንቀሊኡ ናይ ኢሰያስን ጉጅልኡን ኩናት እምበር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኩናት ዘይምኻኑ ፡ ክግሃድ ኮይኑ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኲናት ይድግፎ ከም ዘየሎ ዘነጽሮ ሓቂ፡ ኣብ’ቲ ዘይፍትሓዊ ናይ ጥፍኣት ኲናት ከይሳተፉ ዘካይዶ ዝነበረን ዘሎን ተቃውሞን፡ ካብ ሰራዊት ምኹብላልን፡ ካብ ግፋ ሃዲምካ ኣብ በረኻታት ክትሕባእ ምኻንን እዩ። ብዘይካ’ዚ ብቁጽሪ  ውሑድ እኳ እንተኾነ እቲ ከይተኮስካ ኢድካ ምሃብ እቲ ካልእ ግሁድ ተቃውሞ ናይ’ቲ ኩናት እዩ። ካልእ ምሩኻት ካብ ዘልዓልዎ ጉዳይ፡ ምስ ኣምሓራ፡ መስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ነጻነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዘይቅበሉ፡ ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኣምኑ፡ መሬትና ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ዝብሉ ብምልፋን ኣብ ሓደ ግንባር ብምኳን ንሓውኹም ኣብ ሕሉፍ ናይ ቃልሲ ጉዕዞ ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲህዝቢ ኤርትራ ደሙ ዘፍሰሰ፡ ዓጽሙ ዝኸስከሰ፡ ህዝቢ ትግራይ ምዉራር፡ ምቕታልን፡ ምድማይ ከመይ ትርእይዎ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡

ከም’ቲ ናይ ስነ ልቦና ምሁራት ዝብልዎ፡ ጽልኢ ካብ ብዓይኑ ዝርኣየ ንላዕሊ ንዘይነበረ  ዝተነግሮ ኣዝዩ ከም ዝራባሕ ዝብል እዩ። እዞም ሕጂ ኣብ’ዚ ዂናት ዝሳተፉ ዘለዉ መብዛሕትኦም ናእሽቱን ዕድመ ዘይጸገቡን፡ ኣብ’ቲ ሓቂ ዘይነበሩን እዮም። ስለ’ዚ እቲ ኩሉ ዝንገሮም ሓቂ ኮይኑ ክወስድዎ ባህርያዊ እዩ።

ብጽልኢ ዝዓወረ ኣእምሮ፡ ብፍቅርን ብሕድገትን ከም ዝምለስ፡ ህዝቢ ትግራይ  ድሕሪ ናይ 1998 ኣብ ገዝኡ  ተሰዲዶም ዝመጽዎ ኤርትራዉያን ዘርኣዮ ምቅብባልን ሓልዮትን ነቲ ናይ ጽልኢ ሓጹር ብብዙሕ መዳዩ ክፈርስ ገርዎ እዩ። ናይ’ዚ ህያዉ ኣብነት ናይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኮይኖም ነቲ ወጽዓን በደልን ህዝቢ ትግራይ ብትብዓትን ንቅሓትን ዝኹንኑን፡ ዝተፈላለየ ዉደባታት ብምግባር ንወራርን ኲናትን ህግደፍ ዝተፈናቀሉ ህዝቢ ንምሕጋዝ ዝውዕል ዝዋጻእ ዘሎ ገንዘብ እቲ ካልእ መግለጺ መንደቅ ጽልኢ ዘፍርስ እዩ ።

ሕጂ’ዉን እንተኾነ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊቱን ኣብ ልዕሊ ክቀትልዎ ዝመጹ ሰራዊት ኢሰያስ ድሕሪ ምምራኾም ዝገብሮ ዘሎ ኣቀባብላን ሓልዮትን፡ ነቲ ህግደፍ ክሃንጾ ዝሓስብ ዘሎ ናይ ጽልኢ መናድቅ ዘፍርስ እዩ።

ለባማት “ክትብኣሰ ከሎኻስ ብኽልተ ኢድካ ኣይትብኣስ” ኢዮም ዝብሉ። ህግደፍ ከም ኣብዲ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ ኢሉ፡ ኣብ ሞቱ፡ እቲ ዝተኸሎ ጽልእን ደምነትን ንወለዶታት ሰጊሩ፡ እዞም ኣሕዋት ህዝቢ ክዳመዩ ክነብሩ እዩ። ስለ’ዚ ብኽልተ ኢዱ ክባኣስ’ዩ ጸኒሑን ዘሎን። እንተ እቲ ለባም ህዝቢ ትግራይን ካብ ኣብራኹ ዝወጸ መሪሕ ኣካሉን ሰራዊቱን ንጽባሕ ስለዝሓስብ፡ ናይ ለባምን ናይ ሕልናን ይሰርሕ ኣሎ።

ነዚ ልቦና ህዝብን መንግስትን ሰራዊትን ትግራይ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ክድግፎን፡ ክስዕቦን፡ ነቲ ህግደፍ ክነድቆ ህርድግ ዝብል ዘሎ መናድቅ ጽልኢ ንምፍራስ ካኣ፡ ኩሉ ዝከኣል ክገበር ይግባእ። እቲ ዝኸኣለ ኣብ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንድሕነትን ሃለዋትን ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ብኣካል ተሳቲፉ እጃሙ ከበርት፡ እቲ ብቁጠባ ክድግፍ ዘለዎ ሕጂ’ውን ብዝሓየለ መዳዩ ከዋጽእ፡ እቲ ብሕልና ዝድግፍ ከኣ ናይ ፍቅርን ሰላምን ሕዉነትን መዝሙር ክዝምር ግድን ይኸውን። ንመናድቅ ባእስን ጽልኣን ንምፍራስ ኩሉ ኤርትራዊ ግድኡ ክገብር እቲ ግዜ ሕጂ ምኻኑ ይረዳእ።

ፍቕርን ሕውነትን ስላምን ክልቲኡ ጎረባብቲ ህዝብታት ንዘላኣለም ክነብር እዩ !!!

   ኩሉ  ኢድ ይሓውስ !!

====><=====><====

ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ዓዱ ክጥዕሞ

ስሙር ግንባር ተመስሪቱ ንዓማጺ ክንፋለሞ 

ሃገር እንከላትና ካብ እንኸውን ዘርሞዘርሞ

ግንባር ኣዕዊትና ቃልሲ ሓርነት ክንዛዝሞ 

ንምዉት ዘይኮነስ ንዘሎ ሰብ እንክጥዕሞ ።

ለውጢ መሰረቱ ካብ ሓሳብ’ዩ ዝነቅል 

ውረድ ደይብ ኣለዎ ተሪር ዓቐብ ቁልቁል  

ጢንን ምባል ይኣኽሎ ነብስኻ ምትላል ።

ህዝባዊ ምዃን’ዩ ብንቕሓት ምስላፍ

ዝጎደለ ምምላእ’ዩ ንፍትሒ ምስያፍ

ባዕዲ ይኹን ወገን ንዓመጽ ምጽያፍ

ዊንታ ህዝቢ ምምላእ ሓቂ ብዘይምግዳፍ ።

ሓርነትካ ወኒንካ ዓመጽ ይኣክል ምባል

ርእስኻ ንምኽኣል ካብ ጭቆና ምግልጋል

ነብስኻ ወኒንካ ስርዓት ቅዋም ንምትካል

ትማሊ ገዲፍካ ንጽባሕ ምስትብሃል ።

ኣብ ትማሊ ምንባር ታሪኽ ምጽብጻብ 

ብትማሊ ክትንየት ንሎሚ ምቁንጻብ

 ሃገር ሰብ ዘይብላ ከይትኸውን ንሕስብ

ገድሊ ከይትወፍር ምኽንያት ትጽብጽብ

ረግረግ ተሸኺልካ ዓቕልኻ ኣይተጻብብ ።

ኤርትራ እንዳበልካ ንኤርትራ ምፍራስ

ርእሲ ነገር ገዲፉ ብጓል-ነገር ዝቕስቅስ

ትርጉም የብሉን’ዩ ንዘየለዉ ምውቃስ  

ራኢ ‘ለዎ’ዚ ግንባር ንመጻኢ ዘሕጉስ 

ናይ ኩልና’ያ ሃገር ኩልና ኢድ ንሓውስ ።

ሰራዊት ሓርነት !!

~~~~  ~~~~

ኣብታ ጸባብ እዋን

ኣብ ፈታኒ መድረኽ

መኪትካዮ ወጺእካ 

ኣወዲእካዮም ህልኽ

ወይከ ምንቕ ምባል

ካብ ዕላማኻ ፈተኽ

ዕላማኡ ንጹር ‘ዩ

መስመሩ ትኽብትኽ

ጽኑዕ ብዓል መትከል 

ዘይብሉ ሕንትኽታኽ !!

ብኹሉ መኣዝን ዓጺዮም ብኸበባ

መውጽኢ ዘይብሉ ብኹሉ ኣብ ጸበባ

ሓንቢስካ ወጺእካ ኣብ ናይ ኲናት ሩባ

ከመይ ጸባ ስተ ኣስቲኻና ጸባ !!

ሰራዊት ሓርነት

ጽኑዕ ብዓል መትከል

ተፈቲኑ ዝሓለፈ 

ብዘይ እንኮ ምጉዳል

ኣብ ፈታኒ መድረኽ

ከይበለ ሰንከልከል 

ጠፊኡ እንዳበልዎስ 

በርደግ ኢሉ ቅልቅል ።

የለውን እንዳበሉኻ 

ከም ትኪ በኒኖም 

ከም በርቅን ነጎዳን

 ደበኽ ብዘስደምም

ብዘገርም ጽንዓት

ምስ ናይ ቃልሲ ወኖም

ሃንደበት ከም ጒዳ 

ብቑል ኢልካ ኩድም 

ክትሰምዖ ዘደንጹ 

ንምእማን ዘጸግም

እንዳሰምዐት እዝኖም

እንዳራኣየት ዓይኖም 

ሓርበኛታት ፌስ-ቡክ

ምእማን ተጸጊሞም ።