Eritrea
This article was added by the user . TheWorldNews is not responsible for the content of the platform.

ዘይሕማምካ ረስኒ ብኣለምሰገድ 20 ለኻቲት 2023

ኣብ ሃገርና ዘሎ ውልቀ- መላኺ ነቲ ካልኣይ ክፍል ቃለ-መሕተቱ ዒቅ እንዳበለና ሰሚዕናዮ ኣለና ። ከምቲ ልሙድ ኣብ ኣእዛን ህዝብና ዘይኣቱ ዓጀውጀው ክብል ኢዩ ኣምስዩዎ ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ግን ሓሊፉ ዝፈሰሰ ኢዩ ዝመስል ። ኣብ ዓዱ ስርዓተ-ሕጊ ዘየተግበረ ኣምሰሉ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ክህሉ ዝነበሮ ቅዋም ድቃስ ብምስኣን ደጋጊሙ ብምንባብ ርእይቶ ካብ ምሃብ ሓሊፉ እንተ ዘይቀየርኹሞ ሴፍን ዋልታን ሒዘ ዳዕዋ ክፈጥር ኢየ ብምባል ከምዝፈተነ ግን ከይሰለጦ ከምዝተኾልፈ ብጥውይውይ ሓቢሩና ኣሎ ።

መኣስ እዚ ጥራይ ፡ ብዘይ ሕንኸት ኣብ ጉዳይ ቁጠባ ሃገረ ሶማል ክዛረብ ምፍታኑ ኢዩ ። ኣብ ሃገረ ሶማል ኢዱ ብምትእትታው ክሓማትል ከምዘይጸንሐ ሕጂ ተገልቢጡ ሶማል ውድቅቲ ሃገር ሙኻናን ካብ ገማግም ባሕራ ድማ ክንደይ ሃብቲ ከተኻዕብት ከምዝግባእን ኢሉ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ኣትዩ ምህውታቱ ፡ ናትካ ግዳ ዘይትገብር ዘይበለ ሰማዒ ኣሎ ኣይብልን ። ውልቀ-መላኪ ኢሰያስ ግን ንሱ ክገብሮም ዝነበሩ ጉዳያት ልምዓት ከየተግበረ ብኻልኦት ክወራዘ ከሎ ሓንቲ ስልጥንቲ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ እንዳመሰሎ ከይኸውን የስግእ ። ጥዕና ንዘለዎ መራሒ ግን ናቱ ከይረኣየ ብዛዕባ ካልኦት ክወራዘ ፈጺሙ ዝኸኣሎ ኣይኮነን ። ኾይኑ ግን ዓመት መጸት ኣፉ ምስዝኸፍት “ሎምስ ተጸሊሉ ኢዩ” ዘብል መራሒ ተዓዲልናዮስ የቐንዝወና ኣሎ ።

እምበኣርከስ ኣብ ዘይሕማሙ ዝረስን ዘሎ ውልቀ-መላኺ ጉዳይ ሃገሩ ዘንጊዑ ብዛዕባ ምርቓቕቅ ምትግባርን ሕገ-መንግስቲ ይኹን ብዛዕባ ቁጠባን ጸጥታን ጎረባብቲ ካብ ጉዳይና ንላዕሊ ከህልከናን ከሕሰበናን ምኽኣሉ በየናይ ሞገተ ኢዩ ምኹኑይ ዝኸውን ? ንምንታይ ድኣ ንሃገርና ካብ ዝኾነ ይኹን ኣብ ዞባና ዝግበሩ ናይ ቑጠባን ናይ ምትሕግጋዝን ውጥናት ከምትቦኩር ጌሩ ነጺልዋ ዘሎ ? ኣብ ዝቅጽል ህውተታ ውሽጣዊ ወይ ዘቤታዊ ጉዳያትና ፡ ካብ ምውዳቅ ንላዕሊ ከምዝኸዱ ክደግመልና እንተዘይኾይኑ ባዕልናስ ንዕዘቦም ኣለና ። ንመቀነይ ዝኸውን ዘይትግበሩ ናይ ሓሶት መብጽዓታት ምድርዳር ግን ቅድሚ ሕጂ ዝተግበሮ ስለ ዝኾነ ክደግመልና ንጽበዮ ኢዩ ዝኸውን ። ብዘይ ህዝባ ክትህነጽ ዘይሕሰብ ሃገርና ኤርትራ ሕመረት ህላዌኣ ህዝባ ስለዝኾነ ውልቀ-ምልኪ ተኣልዩ ዝተሰደ ህዝባ ከይተመልሰ ብጥበራ ቃለ-መሕተት ኢሰያስ ዝፍወስን ዝመጽእን ለውጥን ከቶ የለን ።

ኣለምሰገድ

20 ለኻቲት 2023

ብሓቢሩና

Post navigation